ኮቪድ 19፡ ኣብ ኣመሪካ ራብዓይን ዝሓየለን ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይመጽእ ይስጋእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣመሪካ፡ እዚ ሓዲሽን ብቅልጡፍ ዝላባዕን ዓይነት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከኸትል ከምዝኽእል ክኢላታት ጥዕና የጠንቅቑ ኣለዉ።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ዶክተር ሮቸል ዋለንስካይ እዚ ሕጂ ዝምዝገብ ዘሎ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣዝዩ የሻቕላ ከምዘሎ ገሊጻ ኣላ።
ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ መዓልታዊ ኣስታት 70000 ሓዲሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ “እዚ ቁጽሪ እዚ ኣዝዩ ልዑል’ዩ” ኢላ።
ንሳ ብምስዓብ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መዓልታዊ ኣስታት 2000 ብሰንኪ ኮቪድ ዝሰዓበ ሞት ይምዝግብ ምንባሩ’ውን ኣስሚራትሉ።
ዶክተር ሮቸል ዋለንስካይ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ነቲ ጽቡቕ ምምሕያሻት ዘርኢ ዘሎ ክታበትን ንህዝብን ስግኣት ምኳኑ ብምምልካት ዝበርተዐ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከየኸትል ዘለዋ ስግኣት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላላዩ ብቅልጡፍ ዝላብዑ ብዙሓት ሓደሽቲ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ እኳ እንተሃለወ ተመራመርቲ ግን ኣብ ውሑዳት እዮም ኣተኵሮም ዘለዉ።
ብመሰረት ተገይሩ ዘሎ መርመራታት እቶም መጀመርታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ዝተረኸቡ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ እቶም ብቅልጡፍ ዝላብዑ ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ።
እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራኣየ ቢ.1.1.7 ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ መልከፍቲ ከስዕብ ከምዝኽእል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ብኣግኡ ገሚተሞ ኣለዉ።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ዶክተር ሮቸል ዋለንስካይ እዚ ኣንጠጥዩ ዘሎ ስግኣታት “ኣዝዩ የሻቕላ” ከምዘሎ ብምምልካት ህዝቢ ኩሉ መምርሒታት ሰብ ሞያ ጥዕና ክኽተል ማዕዳኣ ለጊሳ።
ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 28 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ኣብታ ሃገር ልዕሎ ፍርቂ ሚልዮን ሞት ኸኣ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ ሓሲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ንኣመሪካ ክሳብ ክንደይ’ዩ ዘስግኣ?
ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ብዙሕ መልከፍቲ ክታበት ምስ ተጀመረ ብቅልጡፍ ክጎድል ተራእዩ እዩ።
እንተኾነ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ኩሉ ሰብ ክሳብ ዝኽተብ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብርቱዕ ስግኣት ክኸውን ናይ ግድን ምኳኑ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ 2463 ሰባት በዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ፡ ብውሕዱ እቶም 2400 ኸኣ በቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራኣየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ምኻኖም ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ የረድእ።
እንተኾነ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ተባሂሉ ዘሎ ዝተዓጻጸፈ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ተመራመርቲ፡ እዚ ዝውሃብ ዘሎ ክታበታት ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ’ውን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ’ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኩነታት ክታበትከ ከመይ እዩ ዘሎ?
ክሳብ ትማሊ ብዝንበረ ጸብጻብ፡ ኣመሪካ ልዕሊ 76 ሚልዮን ካብ ህዝባ ክትከትብ ክኢላ ኣላ፡ እዚ ኸኣ ብብዝሒ ዝኸተበቶም ዜጋታታ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዝሰርዓ እዩ።
ምስ ብዝሒ ህዝቢ ብምንጽጻር ግን ኣመሪካ ንዓባይ ብርጣንያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ደርጃ እያ ትስራዕ።
ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ዝተኸተቡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ብዓልቲ ቤቱ ማላንያ ትራምፕን ይርከብዎም።
ክልቲኦም ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዋይት ሃውስ እዮም ተኸቲቦም።
ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ክታበታት ሞደርናን ፋይዘርን ኣብ ጥቅሚ ክውዕሉ እንከለዉ፡ እቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝውሃብ ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ኸኣ ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ብቀዳም ምሉእ ፍቃድ ረኺቡ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







