ቅልውላዉ ትግራይ፡ ወድብ ዓረና፡ ብሰንኪ ኲናት ንብረቶም ዝዓነወን ዝተዘምተን ካሕሳ ክረኽቡ ኣለዎም ይብል

ብኸቢድ ኣጽዋር ዝዓነወ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ካብ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ናይቲ ክልል ዝኾነ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉአላዊነትን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ዘጻሪ 'ዘይሻራዊ ኮሚሽን' ክምስረት ጸዊዑ።

እቲ ኣካል ናይቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓረና፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ጉድኣትን ዕንወትን ኣውሪዶም ክብል'ውን ከሲሱ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ከተማ ኣክሱም "ጃምላዊ ቅትለት" ፈጺሞም ክብል ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ጉጅለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምኽሳሱ ይዝከር።

እንተኾነ ግን ኤርትራ እቲ ክሲ "ዘይመስል" ክትብል ብምግላጽ ብትሪ ነጺጋቶ'ላ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ሃገሩ ነቲ "ኣብ ልዕሊኣ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ዘይመስል ክስታት ብቑጠዐን ብትርን ትነጽጎ" ኢሉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝምልከት "ሓበሬታ ካብ ኤርትራ ንምርካብ ዝገበሮ ዝኾነ ፈተነ የለን" ክብል'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓል ስልጣን ነቒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናት ክምርምሮ ምዃኑ ቃል ብምእታው፡ ጸብጻብ ኣምነስቲ ርእይቶ ሰብመዚ ዝጎደሎ'ዩ ብምባል ንተኣማንነት ምንጭታት ናይቲ ጸብጻብ ኣብ ሕቶ ምልክት ከምዘእትዎ ገሊጹ ነይሩ።

ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወጹ መግለጽታት ብዛዕባ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይጠቐሱን። ክልቲኦም መንግስታት ንተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ክነጽጉዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

"ማእከላይ መንግስቲ [ኢትዮጵያ] ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ የለን'ኳ እንተበለ፡ ህላዌኡ ህዝብን ኣባላትናን ብጭቡጥ ዝተዓዘብዎ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጽና ኢና" ይብል መግለጺ ዓረና።

"እቲ ኲናት ዘስዓቦ ዕንወትን ዝምታን ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ዓረና ኣረጋጊጹ'ዩ። እቲ ዕንወት ዝምታን ብጉጅለ ህወሓት ጥራይ ዝተፈጠረ ዘይኮነ ኣብዚ ኲናት ብዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ዝተኻየደ ምዃኑ ዜጋታትና ይዛረቡ" ድማ ኢሉ።

መግለጺ ውድብ ዓረና

ምንጪ ስእሊ, ARENA

እቶም ንብረቶም ዝዓነወን ዝተዘምተን፡ ካሕሳ ክኽፈሎም ወይ ድማ ንብረቶም ክምለሰሎምን ክህነጸሎምን ክብል እቲ መግለጺ ይጽውዕ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ከባቢታት ክልል ትግራይ ክወጹ'ውን ዓረና ጸዊዑ። ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብን ደቡብን እቲ ክልል ገለ ቦታታት ሒዞም ከምዘለዉ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክልላት ናይ ወሰን ምስሕሓብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዓረና፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝዕደል ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ቁጽሪ ተፈናቐልትን፡ ረድኤት ዘድልዮም ሰባትን ዘይዳረግ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ናብቲ ክልል ክስደድ፡ ብፍላይ ናብቲ ክብጻሕ ዘይተኻእለ ከባቢታት ዝበጽሓሉ መንገዲ ክናደ ኣለዎ ኢሉ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 60,000 ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ምህላዎም ትካላት ረዲኤት ይገልጹ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ካልኦት'ውን ተጸበይቲ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ረዲኤት ትካላት "ብዘይገደብ" ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘፍቀደ ኣፍሊጡ'ሎ። ድሮ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝርከቦም ትካላት ረዲኤት ቀረባት መግቢ ይዕድሉ ምህላዎም ይፍለጥ።

ዓረና ብተወሳኺ፡ እቲ ብ3 ሕዳር ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ብመጥቃዕቲ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ ዝተጀመረ ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ኲናት "ህዝቢ [ትግራይ] ተዘራሪብሉ ዝተገብረ ኣይነበረን። ህዝብስ ይትረፍ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከይዘተየሉ ዝተገብረ'ዩ" ኢሉ።