ኣብ ኢንግላንድ፡ ለድበሪ ቤተ-ክርስትያን ጥንታዊ ቅብኣ ድራር ጎይታ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Ronald Moore
ንልዕሊ 100 ዓመት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምእመናን ተንጠልጢላ ዝተረኽበት ቅብኣ ፡ ምስ ስርሓት ውሩይ ቀባኢ ዘበነ ተሃድሶ ቲትያን ዝተተሓዘት ምዃና ይእመን።
እቲ ናይ መወዳእታ ድራር ክርስቶስ እተርኢ፡ ኣብ ኩሉ ኣብያተ- ክርስትያንን ምእመናንን እትረአ ቅብኣ፡ ብ1909 ኣብ ለድበሪ: ሄርፎርድሻየር: ንቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤልን ንቤተ-ክርስትያን ኩሎም መላእኽትን ብህያብ እተዋህበ እዩ።
ተመራማሪ ታሪኽ ቅብኣ ሮናልድ ሙር ፡ ኣብታ ዝተረኽበት ቅብኣ እቲ ውሩይ ኣርቲስት ቲትያን ኣብ ድሕሪ እታ ቅብኣ ክታሙ ከም ዘንበረ ይኣምን ።
"ኵሉ ሳዕ ቲትያን ከምኡ ክገብር ከምዝኽእል ይግምት እኳ እንተነበረ ክሳብ ኣብዛ ሕጂ ዝተረኽበት ስእሊ ብጭቡጥ ዘለልዮ ግን ክፈልጦ ኣይከኣለን። ሕጂ ግን እቲ እቲ ነገር በሪሁልና እዩ” ይብል።
ሚስተር ሙር፡ ብዝምልከቶም ኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብታ ዝተረኽበት ቅብኣ ግቡእ ምርምር ድሕሪ ምግባር ፡ ነቲ 3.6 ሜትር ዝጎድኑ ናብ ጥንታውነቱ ከሐድሶን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ስራሕ ተዋሂቡዎ።
ንሱን ተሓጋጋዚኡ ፓትሪሽያ ኬኒን፡ ምስቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ቤኔሳዊ ስነ-ጥበባዊ ንኸተሓሕዙዎ ን11,000 ሰዓታት ሰሪሖም።

ምንጪ ስእሊ, Ronald Moore
ቲታያን ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ ስነ-ጥበባዊ ኢጣልያዊ ቀባኢ ቲዛኖ ቬቸልዮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቤኔትያን ዝዓበየ ቀባኢን ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ኢጣልያውያን ቀባእቲ ዘበነ ተሃድሶ እዩ ነይሩ ።
ተመራማሪ ቅብኣ ሚስተር ሙር፡ ብድሕሪ እቲ ገዚፍ ቅብኣ፡ ካልእ ብቐሊሉ ዘይልለን ዘይረአን ረቂቕ ጥበብ ገይሩ ክታሙ ዘስፍር ኣብ ዓውደ ቅብኣ ዝተራቐቐ ክእለትን ሞያን ዘማዕበለ እምበር ማንም ተራ ቀባኢ ክገብሮ ዘይክእል ምዃኑ ይገልጽ።
ሙር፡ ሓያል ጸርጊ ብርሃን ተጠቒሙ’ዩ ነቲ ቲትያን ኣብ ታሕተዋይ ጸጋማይ ክፋል እታ ስእሊ ዘንበሮ ክታም ረኺቡዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ቲትያን ንሓደ ካብቶም ሃዋርያት ምስ መልክዑ ብምስስሳል ከምዘቐብኦ ክግንዘብ ክኢሉ።
ኣብታ ምስሊ ድራር ፋሲጋ እተርኢ ፖርትረይት ቅብኣ ካብ ዘለው ሃዋርያት እቶም ክልተ ንደቂ ቲትያን ከምዝመስሉን፡ እዚ ድማ ቲትያን ነታ ድራር-ጎይታ ብስድራ ቤታዊ ምስሊ ከምዝሃነጻ ወይ ከምዝቐየራ ኣብ ምርምሩ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ሚስተር ሙር፡ እታ ብሓልዮት ማሕበር ቤኔታይን ደናግል ንኽትቅባእ ዝተደልየት ስራሕ ቲትያን ድሕሪ ምማቱ ሓደ ዓመት ብ1576 እያ ተዛዚማ።
ቲትያን "ኣዝዩ ህቡብን ብስራሕ ትሑዝን ስነ-ጥበባዊ እዩ ኔሩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ነታ ቅብኣ ወዲኡ ከረክባ ዘይከኣለ ይመስለኒ፡" ይብል ሙር ።
ምናልባት፡ እቲ ፍሉጥ ቀባኣይ ቲትያን ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ብሕማም ፌራ ዝሞቱሉ ዝነበረ እዋን ምስ ሞተ፡ ወዲ ቲትያን ቀባኣይ ነቲ ስእሊ ናብ ምስሊ ስድራ ቤት ክቕይሮ ተገዲዱ ክኸውን ይኽእል" ይብል ሙር።
እቲ ስነ-ጥበበኛ ኣብ ቨኒስ ዓቢ ቤት-ዕዮ እዩ ነይርዎ። ኣብቲ ዘበን እቲ ቬኒስ ስሙያት ስነ-ጥበባውያንን ጸሓፍትን ቀባትን ዝእከቡሉ ቦታ ምንባሩ ሙር ይጠቅስ። ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ስነ-ጥበበኛታት ንላዕሊ እውን ኣብታ እተዛርብ ዘላ ቅብኣ ሰሪሖም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከኣ ይግምት።
ተመራማሪ ቅብኣ ሚስተር ሙር፡ እቲ ጥንታዊ ቀባኢ ቲትያን "ነቲ ንድፊ ናይቲ ቅብኣ ምስ ወዱ ኮይኑ እኳ ኣልዒሉዎ ክኽውን ዝኽእል እንተኾነ፡ ንብምሉኡ ወይ ንመብዛሕትኡ እቲ ቅብኣ ባዕሉ ዝቀብኦ ዘመላኽት ነገር ከምዘይረኸብ ይሕብር።
"እቲ ዘሐጕስ ነገር ፡ እዚ ቅብኣ ካብ ቤት ዕዮ’ቲ ውሩይን ፍሉጥን ቀባኢ ቲትያን እተረኽበ ክሳብ ሕጂ ከይተፈልጠ ዝጸንሐ ቅብኣ ምዃኑ እዩ" ይብል ሙር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







