ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ ብጉዳይ ብልሽውና ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብጉዳይ ብልሽውና ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ ን3 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ክልተ ዓመት ካብኡ ግን ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ምዃኑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
ወዲ 66 ሳርኮዚ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሉ ዝቐረበ ካልእ ገበናዊ ክሲ ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ንሓደ ዳኛ ኣገዳሲ ናይ ስራሕ መዝነት ክህቦ ፈቲኑ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ።
ንሱ፡ ንማእሰርቲ ዝተፈረደ ፈላሚ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኮይኑ'ሎ።
እቲ ብላዕ ክቕበል ዝፈተነ ዳኛን ጠበቓ ሳርኮዚን ተመሳሳሊ ፍርዲ ተቐቢሎም ኣለዉ። ሰለስቲኦም ነቲ ፍርዲ ይግባይ ክብሉ ምዃኖም ትጽቢት ይግበር።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፕረዚደንት ነበር ሳርኮዚ፡ ኣብ እግሩ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ተኣሲሩሉ ነቲ ናይ ማእሰርቲ እዋን ኣብ ገዝኡ ከሕልፎ ከምዝኽእል'ውን ወሲኑ'ሎ።
ዳኛ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ዓቃባዊ ፖለቲከኛ "እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ" ክብል ብምግላጽ ንሱን እቶም ካልኦት ክልተ ብጾቱን "ምስሊ ናይ ፍትሒ ዘበላሸዉ'ዮም" ኢሉ።
ኣብ 2014፡ ፕረዚደንት ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ ምስ ጠበቓኡ ቴሪ ሄርዞግን፡ ብላዕ ክቕበል ዝፈተነ ዳኛ ጊልበርት ኣዚበርትን ዝገበሮ ዝርርብ ብምስጢር ብፖሊስ ድሕሪ ምቕድሑ'ዩ ክሲ ቀሪብሎም።
እቶም መርመርቲ ፖሊስ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ 2007 ዝቐረበሉ ናይ ገንዘብ ብልሽውና ክስታት እናመርመሩ እንከለዉ'ዮም ነቲ ሓበሬታ ረኺቦሞ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ወይ መፋርቕ ሚያዝያ ብዛዕባ'ቲ ካልእ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ'ዩ።
ኣብ 2011 ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር፡ ጃክ ሺራክ፡ ብግብሪ ዘይነበረ ጽፍሒ ስራሕ ንብጾቱ ፈጢሩ ተባሂሉ፡ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ 2 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ምንባሩ ይዝከር.





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







