ተዘክሮኣዊ ጽሑፍ ኦባማ፡ ኣብ ፑቲንን ካልኦት መራሕትን ዝነበሮ ኣተሓሳስባ

ኦባማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ኣብቲ ቀዳማይ ቅጺ ናይ ክልተ ክፋል ዘለዎ ተዘክሮኣዊ መጽሓፉ፡ ንቭላድሚር ፑቲን ምስ ሓደ ሓያል ናይ ቺካጎ “ሓለቃ ዞባ” ከመሳስሎ እንከሎ፡ ንናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ ከኣ “ኣምሰሉ” ክብል ገሊጽዎ።

ብፕሮሚስድ ላንድ እትፍለጥ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ከኣ ኣብተን ናይ መጀመርያ 24 ሰዓታት ኣስታት 890,000 ቅድሓት ዝተሸጠት-ናይ ፐንግዩን ራንደም ሃውስ ቤት ማሕተም ዝለዓለ ዝተመዝገበላን እዩ። ኣብ ታሪኽ ከኣ እታ ዝበዝሐ ዝተሸጠት ተዘክሮኣዊ ጽሑፍ ፕረዚደንት ክትከውን ትጽቢት ይግበረላ።

ኣብታ መጽሓፍ ባራክ ኦባማ ከም መበል 44 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዝገበሮ ዑደቱን ምስ መራሕቲ ዓለማት ምርኻቡን ይዝክር። ስለዚ ብጽቡቕ ዝመሰጦን ዘይመሰጦን መን ኮን ክኸውን ይኽእል፧

ዳቪድ ካሜሩን

ኣብ ኤቶን ዝተማህረ ዓቃባዊ ኮይኑ ካብ 2010-2016 ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለን፡ “ሓደ ናይ ሂወት ጸገማት ብዙሕ ዘይሃሰዮን” ከምኡ’ውን “ምቅሉልን ተኣማንነት ዘለዎን” እዩ።

ባራክ ኦባማ ከም ዝሓበሮ፡ ከም ሰብ የድንቆ ከም ዝነበረ እኳ እንተ ገለጸ፡ (“ሽሕ እኳ ብዙሕ ግዜ ንካታዕ እንተነበርና ብውልቀይ እፈትዎ ነይረ”፡ ምስቲ ቁጠባዊ ፖሊሲታትቱ ይሰማማዕ ከም ዘይነበረ ግን ካብ ምግላጹ ዓዲ ኣይወዓለን።

“ካሜሩን ምስቲ ቅንዕና ነጻ ዕዳጋ ዝነበሮ ርክብ ብቀረባ ብምብታኽ፡ ንመረጽቱ ናይ ምጉዳል ክሳራን ንኣገልግሎታት መንግስቲ ዝቁረጽን ኣብ ናቱ መድረኽ ምስቲ ሕግታት ሕዳሰን ብምስምማዕ፡ ንዓባይ ብሪጣያ መጠነ ሰፊሕ ንግድን ሓድሽ መድርኽ ውድድርን ከምጽኣላ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሎም” ክብል ጽሒፉ። “ብኣንጻሩ ግን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቁጠባ ናብ ዓቢ ውድቀት ገጹ ኣንቆልቚሉ።”

ቫላዳሚር ፑቲን

ባራክ ኦባማ፡ መራሒ ሩስያ ነተን ኣብ መጀመርያ ስርሑ ኣብ ቺካጎ ዘጋጠምዎ ፖለቲካውያን ጎባለል ከም ዘዘኻኸሮ ሓቢሩ። ንሱ “ብዘይካ እቲ ዝውንኖ ኣጽዋርን መሰል ኣንጻር ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ምምራጽን፡ ከምቶም ናይ ኣውራጃ ሓለውቲ እዩ” ኢሉ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊርዎ።

ንሱ ብምቕጻል፡ “ፑቲን ብሓቂ ነቶም ብቺካጎ ማሺን ወይ ከኣ ታማኒ ሆል [ናይ ከተማ ኒውዮርክ ፖለቲካዊ ውዳቤታት] ኣዘኻኺሩኒ-እዚኦም ሓያላትን፡ ንዝኾነ ህሞት ብኸመይ ግብረ መልሲ ክህቡ ዝኽእሉን፡ ርህራሀ ዘይብሉ ጠባይ ዘለዎም፡ ብዘይካ ናቶም ካልእ ዘይፈልጡ፡ ካብ ጸቢብ ዓንኬል ተመኩሮኦም ዘይወጹ፡ ንጉቦን፡ ዕግርግርን፡ ምጥፍፋእን፡ ሓሓሊፍካ ንዝግበር ጎንጽን ከም ሕጋዊ መስርሓት ናይ ንግዲ ገይሮም ዝድግፉን እዮም።

ኒኮላስ ሳርኮዚ

ብመሰረት ትዕዝብቲ ባራክ ኦባማ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ፡ “ስምዒቱ ዘይቆጻጸርን ኣምሰሉን” ድሕሪ ምባል፡ “ከምቲ ፈረንሳዊ ሰኣላይ ስነ-ጥበበኛ ቱሉዝ ሉትሪክ ይመስል” ይብሎ።

“ዝርርብ ምስ ሳርኮዚ ካብ ምዝንጋዕ ናብ ዝገደደ ይኸይድ፡ ኣእዳዉ ብዘይዕረፍቲ ይንቀሳቐሳ፡ ኣፍ ልቡ ከም ነገረኛ ተባዕታይ ደርሆ ንቅድሚት ይውርወር፡ ናይ ውልቁ ተርጓማይ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኑ ኮይኑ ብህዉኽ መንፈስ ደድሕሪ ምልክታቱን፡ ዝቀያየር ድምጹን እናተመልከተ፡ ነቲ ካብ ብናእዳ ጀሚሩ ናብ ዕግርግር ገጹ ዝንቖት ሓቀኛን ዓሚቊ ኣስተብህሎን ብምክትታል፡ ካብቲ መባእታውን ብጉልባብ ረብሓታቱን ካብ ምዝራብ ከይወጸ፡ እቲ ዋና ስርሑ ናይ ዝግበር ንጥፈታት ሽምን ዝናን ክወስድ ዝጽዕር እዩ።”

ኣንጀላ መርከል

እታ መራሒት ጀርመን ከም “ጽንዕትን፡ ቅንዕትን፡ ሓይላ ሊቅን፡ ብባህሪኣ ከኣ ሕያወይቲ” ተባሂላ ትፍለጥ። ኦባማ፡ ንሳ ኣብቲ መጀመርታ ብሰንኪ እቲ ልዑል መደረኡን፡ ናይ ኣዘራርባ ክእለቱን ከም ዝተጠራጠረት ኣስተውዒሉ። “ከም መራሒት ናይ ጀርመን ተኽእሎታት ምዝመዛ ህዝቢ ምጽላኣ ነውሪ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።”

ሲፕ ታይፕ ኤርደ

ኦባማ ንመራሒ ቱርኪ “ፍሕሹውን ንሕቶታተይ ዝምልስን” ኮይኑ ረኺበዮ ይብል።

“እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ ዘረባኡ ክሰምዕ እንከለኹ፡ ቁሩብ ግብጥ ዝበለ መሳርዑ፡ ኣብ ዝኾነ ከቢድ ወይ ከኣ ቀሊል ሽግር ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ 'ኦክታቭ' ብዝመስል ሓያልን ሓጺርን ንጹርን ዝኾነ ዘረባኡ ዝህቦ ግብረ መልሲ የርኢ።”

ማንሞሃን ሲን

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነበር ማንሞሃን ሲን ከም “ጥበበኛን፡ ዓሚቚ ሓሳብ ዘመንጩን፡ ዒብ ዘለዎ ቅኑዕን” ከምኡ’ውን “ዋና ሃንዳሲ ቁጠባዊ ለውጢ ናይ ህንዲ” ተባሂሉ ይግለጽ። ብትዕዝብቲ ናይ ኦባማ፡ ኣቶ ሲን “ምቕሉል 'ተክኖክራትን'፡ ንስምዒታት ህዝቡ ብምልዕዓል ዘይኮነስ ልዕል ደረጃ መነባብሮ ብምምጻእን፡ ካብ ብልሽውና ነጻ ብዝኾነ ክብርን ብህዝቡ ከም ዝእመን ገይሩ።”

ቫክለፍ ክላውን

ባራክ ኦባማ፡ ድሕሪ ሰውራ ናይ ቨልቪት ንዝነበረ ቀዳማይ መራሒ ቸክ ሪፓብሊ ቫክለፍ ሄቭል ኣድናቂ ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ ግን ንዕኡ ስዒቡ ንዝመጸ ቫክለፍ ክላውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ገሊጹ።

ኣብ ጽሑፋት ከም ዝገለጾ ኣቶ ኦባማ ነዚ መራሒ ጸረ ሕብረት ኤውሮጳ (Eurosceptic) ድሕሪ ምባል፡ ምልዕዓል ናይ ብየማናይ ክንፊ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ክቅበሎ ጀሚሩ፡ “እቲ ናይ 2008-2009 ቁጠባዊ ጸገም ኣብ ሃገራውነት ህዝባውነት ብዝብል ስነ-ሓሳብ ከጋድዶ ጀሚሩ፡ ጸረ-ስደተኛታት ጽልኢ ከም ዝተኣታቶ ገይሩ፡ ብዛዕባ ኤውሮጳዊ ምትሕግጋዝ ከኣ ጥርጣረታት ከተኣታቱ ጀሚሩ።”

ንሱ ደጊሙ፡ “እቲ ነቲ ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝነበረ ዝጸራረገን ማዕበል ተስፋ ናይ ዲሞክራስን፡ ሓርነትን፡ ምትሕጋግዝን ዝነበረ ተርእዮ ክዘናበል ጀሚሩ” ይብል።