መጥባሕቲ እናኣካየደ፡ ውዕሎ ፍርዱ ‘ብዙም’ ዝተኸታተለ ዶክተር

መጥባሕቲ እናኣካየደ፡ ውዕሎ ፍርዱ 'ብዙም' ዝተኸታተለ ዶክተር

ምንጪ ስእሊ, zoom

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ሓደ ዶክተር ንሓደ ተሓካሚ መጥባሕቲ እናኣካየደሉ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ነቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበሮ ጉዳይ ‘ብዙም’ ከምዝተኸታተሎ ተገሊጹ።

እቲ ስኮት ግሪን ዝተባሃለ ሓኪም፡ መጥባሕቲ ከካይድ እንከሎ ዝኽደኖ ክዳን ገይሩ መጥባሕቲ እናኣካየደ እንከሎ እዩ ነቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበሮ ጉዳይ ብዙም ዝተብሃለ መተግበሪ፡ ንመጋባእያ ብቪድዮ ዝከታተሎ ነይሩ።

እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ተረኛ ዳኛ፡ ዶክተር ስኮት ግሪን ነቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ክኸታተሎ ዝጥዕሞ እንተኾይኑ ምስ ሓተቶ፡ ዶክተር ስኮት ግሪን ጉዳይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ክከታተሎ ከምዝኽእል ብምሕባር “ኣይትሰከፉ ኣብ ጥቃይ ካልእ ክኢላ መጥባሕቲ ዝኾነ ዶክተር ኣለኒ” ኢሉ መሊሱ።

እቲ ዳኛ ግን እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ብኸምዚ ክቅጽል ከምዘይክእል ብምምልካት እቲ ውሳነ ናብ ካልእ መዓልቲ ክሰጋገር ወሲኑ።

ሚዲካል ቦርድ ካሊፎርንያ ብወገኑ፡ ነቲ ዘሎ መስርሕ ባዕሉ ከምዝከታተሎ ብምሕባር፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ውሽጢ ስራሕ ኮይኖም ስርሖም ኣብ ዘከናውንሉ እቲ ክኸውን ዘለዎ መስርሓት ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ሕጊ ትራፊክ ዝጥሓሱ ሰባት መስርሕ ፍርዶምን መቅጻዕቶምን ህዝቢ ክዕዘቦ ዘፍቅድ እዩ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ዶክተር ስኮት ግሪን’ውን ኣብ ዩቱዩብ ብቀጥታ እዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ መስርሕ ፍርዲ ዶክተር ስኮት ግሪት ኣብ ዩትዩብ ብቀጥታ ይፍኖ ምህላዉ ምስ ሓበሮ’ውን “ኣብ ጥቃይ ካልእ ክኢላ መጥባሕቲ ስለዘሎ ክንቅጽል ንኽልእ ኢና” ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ።

ተረኛ ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ ጌሪ ሊንክ መስርሕ ፍርዲ ንኽጅምር ኣብ ወንበሩ ኮፍ ክብል እንከሎ ዶክተር ስኮት ግሪን ስርሑ ደው ከየበለ መጥባሕቲ እዩ ዘካይድ ነይሩ።

እቲ ዳኛ “እንተዘይተጋግየ ኣብዚ ስዓት እዚ መጥባሕቲ ኢኻ ተካይድ ዘለኻ፡ ሓቐይ እንድየ?” ክብል ሓቲትዎ።

ዶክተር ስኮት ግሪን ብወገኑ “እወ ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ዳኛ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ክንቅጽል ንኽእል ኢና” ብምባል መሊስሉ።

ዳኛ ግሪ ሊንክ ብወገኑ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ከምዚ ኩነታት ክካየድ ጽቡቕ ከምዘይስመዖ ብምግላጽ “እዚ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ግቡእ’ውን ኣይኮነን፡ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ መጥባሕቲ ኾይካ ንሓደ ሕሙም መጥባሕቲ እናኣካየድካሉ መስርሕ ፍርዲ ክትከታተል ኣይትኽእልን ኢኻ ቅኑዕ’ውን ኣይኮነን” ብምባል መስርሕ ፍርዲ ናብ ካልእ መዓልቲ ክሰጋገር ወሲኑ።