ኣብ ህንዲ ሓደ ደርሆ ንዋንኡ ቀቲልዎ

እቲ ንዋንኡ ዝቐተለ ደርሆ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡባዊ ህንዲ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ብገዛእ ደርሆኡ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።

ኣብ'ቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ቅልስ ደርሁ (ዋናታቶም ንደርሁቶም የቃልስዎም) ከምዝግበር ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቶም ዝቃለሱ ደርሁ ኣብ ጽፍሮም በሊሕ ነገር ይእሰረሎም እዩ።

እቲ ደርሆ ክሃድም ክብል ንዋንኡ ኣብ ከባቢ ረቃቒትኡ ስለዝሓረዶ፡ ዋና ደርሆ ተጸይሩ ናብ ሆስፒታል በጺሑ ብርቱዕ ደም ስለዝፈሰሶ ግን ክድሕን ኣይከኣለን።

እዚ ክስተት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ'ታ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ህንዲ ትርከብ ዞባ ቴሌንጋና ኣብ እትርከብ ላቱኖር ትብሃል ዓዲ እዩ ኣጋጢሙ።

ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ'ቲ ዘይሕጋዊ ቅልስ ደርሁ ተሳቲፎም ንዝበሎም 15 ሰባት ይደልዮም ከምዘለዎ ገሊጹ ኣሎ።

ፖሊስ እቲ ዞባ፡ እቲ ደርሆ ናብ'ቲ ቅልስ ናይ ደርሁ ክሳተፍ እናተዳለወ እንከሎ ካብ ዋንኡ ከምዝሃደመ ገሊጾም።

ዋና ናይ'ቲ ደርሆ ነቲ ዝሃድም ዝነበረ ደርሆኡ ክሕዞ ኣብ ዝፈተነሉ፡ እቲ ደርሆ በቲ ኣብ እግሩ ተኣሲሩ ዝነበረ በሊሕ ነገር ገይሩ ኣብ ረቃቒትኡ 7 ሴንት ሜትር ዑምቀት ዘለዎ ማሕረድቲ ከምዘስዓበሉ ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ'ቲ ቅልስ ናይ ደርሁ ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ብቅትለት ሰብን ዘይሕጋዊ ጠላዕን ክኽሰሱ ምዃኖም ኤኤፍፒ ገሊጹ ኣሎ።

ላዕለዋይ ፖሊስ እቲ ዞባ፡ ቢ ጀቫን ብወገኑ እቲ ደርሆ ንመርትዖ ምስ'ቲ ኣብ እግሩ ዝተገጠሞ ስሕለት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ምሕባሩ ኒው ኢንድያን ኤክስፕረስ ዝተባሃለት ማዕከን ዜና ገሊጻ ኣላ።

ህንዲ ካብ 1960 ጀሚሩ ቅልስ ደርሁ ዘይሕጋዊ እኳ እንተተገበረቶ፡ ኣብ ገጠራት ህንዲ ግን ገና ኣይተቋረጸን ዘሎ።

ዋናታት እቶም ደርሁ፡ ነቶም ደርሁቶም ኣቃሊሶም ገንዘብ ከምዝረኽቡ እዩ ዝግለጽ።

ሰብ ብደርሆ ክቕተል እዚ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኣይኮነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ኣንዳህራ ፕራዲሽ ሓደ ውልቀ ሰብ በቲ ኣብ እግሪ ደርሆ ተገጢሙ ዝነበረ ስሕለት ኣብ ክሳዱ ተሃሪሙ ምሟቱ ዝዝከር እዩ።