ኣብ ፊሊፒንስ ፖሊስ ብደርሆ ተቐቲሉ

ቃልሲ ኣርሓ ደርሁ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይካየድ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፊሊፕንስ ሰሜናዊ ሳማር ኣብ ዝብሃል ዞባ፡ ፖሊስ ሕጋዊ ዘይኮነ ቃልሲ ኣርሓ ደርሆ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ንምሓዝ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ሓደ መኮነን ፖሊስ ብዓንዳፍ [ኣርሓ ደርሆ ) ከም ዝተቐተለ ተገሊጹ።

ተለንተ ክሪስቲን ቦሎክ፡ እቲ ደርሆ በቲ ኣብ ኣጽፋሩ ንመቃለሲ ተባሂሉ ዝተኣሰረሉ በሊሕ ሓጺን ኣብ ሰለፉ ብምህራም ኣብ ኣፍልቡ ብከቢድ ምስ ሓረዶ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ ህሞት ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ኣብ ፊሊፒንስ እቲ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎ ቃልሲ ኣርሓ ደርሁ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይካየድ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ እዩ።

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ቃልሲ ኣርሓ ደርሆ ኣብ ሰንበትን ካልኦት ዓበይቲ ፈስቲቫላትን በቶም ሕጋዊ ወረቐት ፍቃድ ዘለዎም ክካየድ ፍቁድ ምንባሩ ብመግስቲ እትውነን ፊሊፒንስ ኒውስ ኣጄንሲ ትሕብር።

ዞባዊ ሓላፊ ፖሊስ ኮሎኔል ኣርነል ኣፑድ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣጋጣሚ ‘ዘይተሓሰበ’ ምንባሩ ብምሕባር “እዚ እዩ ኢልካ ክግለጽ ዘይክኣል ሕማቕ ኣጋጣሚ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ኮሎኔል ብምስዓብ “ነቲ ጸብጻብ መጀመርታ ምስ ርኣኽዎ ክኣምን ኣይክኣልኩን፤ ከም ፖሊስ ኮይነ ን25 ዓመታት ሰሪሐ ኣለኹ ደርሆ ሰብ ቐቲሉ ዝብል ጸብጻብ ግን ሕጂ’የ ዝርኢ ዘለኹ” ኢሉ።

ዞባዊ ሓላፊ ፖሊስ ኮሎኔል ኣርነል ኣፑድ፡ መልእኽቲ ሓዘን ናብ ስደራ ግዳይ ከም ዝሰደዱ ብምግላጽ ምስዚ ክስተት ብምትሕሓዝ ሰለስተ ሰባት፡ ሸውዓተ ኣርሓ ደርሁ ከምኡ’ውን ተቋመርቲ ዘትሓዝዎ 550 ፔሶ (ሰልዲ ፊሊፒንስ) ተታሒዙ ከም ዘሎ ንፊሊፒኒስ ኒውስ ኣጄንሲ ሓቢሩ።

ኣብ ፊሊፒንስ ሰልዲ ኣትሒዝካ ዝግብር ቅልስ ኣርሓ ደርሆ ህቡብ ዓይነት ጸወታ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣብ ዕጹው መድረኽ ኮይኖም ዝቃለሱ ክልተ ኣርሓ ደርሆ መን ሰዓረ ንምርኣይ ብዙሓት ሰባት ከም ዝእከቡ እቲ ፖሊስ ገሊጹ።