ዶሞኒካ ሪፓብሊክ ምስ ሃይቲ ዘዳውባ መሬት ብመንደቅ ክሓጽሮ እየ ትብል

ዶሞኒካ ሪፓብሊክ ነቲ ምስ ሃይቲ ዘራኽባ ዶባት ጽኑዕ ሓለዋ'ያ ትገብረሉ (ስእሊ 27 መስከርም 2018 )

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶሞኒካ ሪፓብሊክ ነቲ ምስ ሃይቲ ዘራኽባ ዶባት ጽኑዕ ሓለዋ'ያ ትገብረሉ

ፕረዚደንት ዶሞኒካ ሪፓብሊክ፡ ሃገሩ ነቲ ምስ ሃይቲ ዘዳውባ 380 ኪሎሜተር ብመንደቕ ክትሓጽሮ መደብ ከምዘውጽአት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዶሞኒካ ሪፓብሊክ ለዊስ ኣቢናደር፡ እቲ ናይ መንደቕ ሓጹር ሃገሩ ካብ ሃይቲ ዝመጽእዋ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ እውን ዕጸ ፋርስ ዘሰጋግሩ ውልቀሰባትን ምስግጋር ዝተሰረቓ መካይንን ንምቁጽጻር ከምዝሕግዛ ኣገንዚቡ።

ሃይትን ዶሞንካ ሪፓብሊክን ኣብ ካሪብያን ዝርከባ ሃገራት ኮይነን ብጀካ እቲ ንሓድሕደን ዝራኸባሉ ደረቅ መሬት፡ ምሉእ ንምሉእ ብኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝተኸባባ ደሴታት እየን።

ፕረዚደንት ዶሞንካ ሪፓብሊክ ለዊስ ኣቢናደር እቲ መስርሕ ናይ መንደቕ ኣብ'ዚ ዓመት እዚ ከምዝጅመር ገሊጹ ኣሎ።

ሃይቲ ሓንቲ ካብተን ኣብ መስመር ድኽነት ዝርከባ ሃገራት ኮይና፡ ኣብ ሞንጎኣን ኣብ ሞንጎ ዶሞኒካ ሪፖብሊክ ዝጸንሐን ዘሎን ርክብ ሓሽካር እዩ።

ፕረዚደንት ዶሞንካ ሪፓብሊክ ለዊስ ኣቢናደር ኣብ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ “ነዚ መንደቕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብምዝዛም ነቲ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ምዝውዋር ዕጸፋርን ስርቂ መካይንን ደው ከንብሎ ኢና” ኢሉ።

እቲ መንደቕ ክንደይ ብራኸ ከምዝህልዎን ክንደይ ዝኸውን ባጀት ከምዘህልኽን ግን ኣይተገለጸን።

ፕረዚደንት ዶሞንካ ሪፓብሊክ ለዊስ ኣቢናደር እቲ መንደቕ ኣብቲ ዘስግእ ቦታታት ኣዝዩ በሪኽ ከምዝኸውንን ምንቅስቃስ ሰባት ዝከታተል መሳርሒን ገጽ ሰብ ዘላሊ ካሜራን ከምዝግጠሞ ኣብሪሁ ኣሎ።

11 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ዶሞኒካ ሪፓብሊክ፡ ኣቀዲማ’ውን ኣብ'ቲ ምስ ሃይቲ ዘዳውባ ደረቕ መሬት ሓጺናዊ ሓጹራት ዘርጊሓ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ዶሞንካ ሪፖብሊክ ኣስታት 500,000 ስደተኛታት ተወለድቲ ሃይቲ ከምዘለዉን መብዛሕትኦም ናብ'ታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከምዝኣተዉን እዩ ጸብጻባት እታ ሃገር ዝሕብር።