ኣይቮሪኮስት: ብኮቫክስ ክታበት ተዓዲላ ምኽታብ ዝጀመረት ናይ መጀመርታ ሃገር ክትከውን እያ

ዝተዓሸገ ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት ኣቢጃን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሮም ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ክኽተቡ ክጅምሩ እዮም።

በዚ መሰረት ኣይቮኮስት በቲ ብሕቡራት ሃገራት ንድኻታት ሃገራት ክታበት ከመቃርሕ ዝቖመ ፕሮግራም ኮቫክስ ክታበት ተዋሂባ ምኽታብ ዝጀመረት ናይ መጀመርታ ሃገር ክትከውን እያ።

ሃገረ ኣይቮሪኮስት ብመንገዲ ፕሮግራም ኮቫክስ ፍርቂ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ብኦክስፎርድ ዝፈረየ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ እዩ ተዋሂብዋ።

እተን ኣቐዲምን ብመንገዲ ኮቫክስ ክታበታት ዝተቐበላ ጋናን ናይጀርያን’ውን ካብ ሰሉስ ጀሚረን ምኽታብ ከምዝጅምራ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ፕሮግራም ኮቫክስ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝዓበየ ውህደት ምክፍፋል ክታበታት እዩ።

ኮቫክስ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበታት ናብ ድሩት ዓቕሚ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከከፋፍል እዩ ተሊሙ ዘሎ።

እንተኾነ፡ እዚ ክልተ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ 20 ሚእታዊት ህዝቢ ናይተን ክሕገዛ ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ስለዝኾነ እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝግለጽ።

ሃብታማት ሃገራት ንምሉእ ህዝበን ዝኸውን ዝተፈላለየ ዓይነት ክታበት ኣቐዲመን ምስተን ክታበት ዘፍርያ ትካላት እናተሰማማዓ ይዕድግኦ ስለዘለዋ፡ ኣብ መስርሕ ክታበት ድኻታት ሃገራት ድሕሪት ከይተርፋን ግዳይ ከይኾናን ውድብ ጥዕና ዓለም ብተደጋጋሚ ስክፍትኡ ክገልጽ ይስማዕ እዩ።

ኮሮና