ፓኪስታን፡ ህይወት ሓደ ኮተቴ ንሓዋሩ ዝቐየረ ጻውዒት ስልኪ

ወዲ 17 ዓመት ኢሳር፡ ቴሌፎኑ ክትጽውዕ እንከላ ደቂሱ ነይሩ። እዚ "ኣብ ህይወተይ ፈጺመ ዘይርስዖ ስልኪ'ዩ" ክብል ይገልጾ።
ሙሉእ መዓልቲ ዋርድያ ኮይኑ ክሰርሕ ስለ ዝወዓለ ደኺሙ ክድቅስ እንከሎ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነይሩ።
ኣብዚ ውድቕቲ ለይቲ ስልኪ ዝደወለ ሓው'ዩ፤ ገለ ሰባት ናብ መንበሪ ገዛ ስድራቤቶም ብምእታው ንኣቡኦም ጎቲቶም ኣውጺኦም ከም ዝቐተሉዎ ይነግሮ።
"ቐልጢፍካ ናብ ገዛ ተመለስ ኢሉኒ" ይብል ኢሳር። ንድሕነቱ ክንብል ሽሙ ቐይርናዮ ኢና።
ኣብ ኦራክዛይ፡ ሓንቲ ካብ ሸውዓተ ምምሕዳራት ፓኪስታን ኢና ረኺብናዮ። እዛ ኣብ ዶብ ኣፍጋኒስታን እትርከብ ግዝኣት ብብዝሒ ፓሽቱን ዝተባህሉ ሕብረተሰብ ዝነብሩላ ዓዲ'ያ።
ኣቦ ኢሳር ምስ ተቐትለ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ-ኬይ ሓላፍነት ወሲዱ።
እዚ ጉጅለ ወላዲ ኢሳር ንሰራዊት ፓኪስታን ሓበሬታ የቐብል ነይሩ ክብል ይኸሶ፤ ኢሳር ግን ኣይቕበሎን።
"ኣቦይ ኣብ ኦራክዛይ ድኳን ነይራቶ። ንደቂ ዓዱ ብፍላይ ድማ ነቶም ብምኽንያት ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ክሕግዝ ይኽእል'ዩ። ጸላኢ ኣይነበሮን፤ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለው ዓበይቲ ዓዲ'ውን ሓደ ነይሩ" ይብል።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባንን ኣይኤስ-ኬይን ንሓድሕዶም ደማዊ ውግእ የካይዱ ኣለው። ኣብ ፓኪስታን ክኣ ዝኸፍአ ደልሃመት ኣሎ።
እናወሰኸ ዝመጽአ ናዕቢ
ኣቦ ኢሳር ኣብ ዝተቐትለሉ መዓልቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ካልእ ሰብ'ውን ተቐቲሉ። እዚ'ውን ንሰራዊት ፓኪስታን "ሓበሬታ" ይህብ ነይሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ።
ኣይኤስ-ኬይ ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።
ኦርካዛይ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣኒያ ካብ ዝነበራ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ 2018፡ ምስ ግዝኣት ፓኪስታን ዝኾነት ኪሃይበር ፓክቱንክዋ ተጸምቢራ ኣብ ሓደ ምምሕዳር ኮይና።
ኣብዚ ዓመት ግን ብዙሕ ጎንጺ ተላዒሉ። ነዚ፡ ቴህሪክ ጣሊባን ፓኪስታን [ቲቲፒ] ዝተባህለ "ስነ ሓሳባዊ መንታ" ጣሊባን ዝኾነ ጉጅለ ሓላፍነት ይወስድ።
ቲቲፒ፡ ኣሰር መሪሕነት ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጣሊባን ክኽተል ይደሊ - እዚ ማለት ፓኪስታን ብጽኑዕ ሕጊ ሸሪዓ ክትመሓደር ኣለዋ ኢሉ ይኣምን።
ከም ጸብጻብ ኢንስቲትዩት መጽናዕታት ሰላም ፓኪስታን፡ እዚ ጉጅለ ኣብ 2020 ኣብ ፓኪስታን 95 መጥቃዕታት ክፍጽም እንከሎ፡ 140 ሰባት ቐቲሉ።
ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ድማ 44 መጥቃዕታት ፈጺሙ።
ጣሊባን ኣብ ፓኪስታን ሓይሉ እናበርትዐን ዝተፈላለያ ምምሕዳራት እናተቖጻጸረን ምስ መጽአ ድማ፡ ቲቲፒ'ውን ምንቅስቓሳቱ ኣሐይሉ።
በዚ መሰረት ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካልእ 44 መጥቃዕታት ብምፍጻም 73 ሰባት ቀቲሉ።
እዚኦም መብዛሕትኦም ኣባላት ኤጀንሲታት ምኽባር ሕጊ ፓኪስታን ዝነበሩ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ከምዚ እናበለ፡ ኣብቲ ዞባ ስግኣትን ወጥርን ወሲኹ። ገለ ነበርቲ ካብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝኾኑ ኣባላት ገንዘብ ኣምጽኡ ዝብል ጻውዒት ስልኪ ክበጽሖም ጀሚሩ።
ኣሕመድ [ሽሙ ዝተቐየረ] ኣብ ምምሕዳር ባዡር ዝነብር ነጋዳይን ክኢላ ማሕበራዊ ዕዮን ኮይኑ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ቴሌፎን ይድወሎ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እዞም ሰባት፡ ኣባላት ጣሊባን ከም ዝኾኑ ብምግላጽ ገንዘብ ይሓቱ።
"ብዙሕ ገንዘብ ይሓቱ ነይሮም። ኣነ ግን ኣይህብን ስለ ዝበልኹዎም፡ ብዋትሳፕ ንዓኻን ንስድራኻን ክንጎድኣኩም ኢና ዝብል ናይ ድምጽን ጽሑፍን መልእኽቲ ብተደጋጋሚ ይበጽሓኒ ነይሩ" ይብል።
ነዚ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ንምምሕዳር እቲ ኸባቢ ጥርዓን'ኳ እንተኣቕረበ፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ጻውዒት ስልኪ ኣብ በይንኻ ኣይኮነን። ኣብ ባዡር ንብዙሓት ተላኢኹዎም'ዩ፤ ንኹሉ ክኣ ሓለዋ ክንገብር ኣይንኽእልን" ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦ ይዛረብ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንርእሱ ብንቕሓት ክሕሉን ኣብ ገዝኡ ካሜራ ክተክልን ከም ዝሓበሩዎ ይገልጽ።

ቲቲፒ መን'ዩ?
ቲቲፒ፡ ኣብ መወዳእታ 2007 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ደቡብ ዋዚሪስታን ብባቱላህ መስዑድ ኣንጻር እቲ ኣብ ኢስላማባድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ መስጊድ ላል ማስጂድ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝተመስረተ ጉጅለ'ዩ።
እዚ መስጊድ ሓደ ሕሉፍ ሰባኺ ተቖጻጺሩዎ ከም ዝነበረ ይንገር። እዚ ኣብ ሓደ እዋን ንኤጀንሲ ስለያ ፓኪስታን ቐረባ ከም ዝነበረ ይዝረበሉ።
ከም ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኣካዳሚ ሰራዊት ኣመሪካ ዶክተር ኣሚራ ጃዶን፡ ኣብ ሞንጎ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ፓኪስታን ዘሎ ርክብ ካብ መጥቃዕቲ መስከረም 9/11ን ምውዳቕ መንግስቲ ጣሊባን ኣብ 2001ን ዝጅምር'ዩ።
ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ምስ ወረረት፡ መራሕቲ ፓኪስታን ጣሊባን ዓሌት ፓኪስታን ኣብ ዝነብሩለን ከባቢታት ናይ መግቢ፣ መጽለልን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ብምግባር ኣብ ጎኒ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ኮይኖም ከም ዝተዋግኡ ተንተንቲ ይገልጹ።
ቲቲፒ ምስ ተመስረተ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ሓይልታት ጸጥታን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣንጻር ፓኪስታን ክነዓብ ጀሚሩ።
ሰራዊት ፓኪስታን ስጉምቲ ብምውሳድ ንመራሕቲ እቲ ጉጅለ ናብ ኣፍጋኒስታን ክደፍኦም እንከሎ፡ ክሳብ 2015 ዓ.ም ኣብኡ ዓሪዶም ንኣሽቱ መጥቃዕታት ክፍጽሙ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ናብ ካቡል ግስጋስኡ ምስ ኣሐየለ፡ ቲቲፒ ክጎልሕ ጀሚሩ።
ኣዛዚ ጣሊባን ፓኪስታን ኑር ዋሊ መስዑድ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዓወት ጣሊባን ኣፍጋን "ንመላእ ህዝቢ ሙስሊም ዓወት" ክኸውን ይኽእል'ዩ ብምባል ንፓኪስታን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"ቓልስና ኣብ ፓኪስታን ኮይኑ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ፓኪስታን እንገጥሞ'ዩ። ኣብ ዶባት ፓኪስታን ዘለው ዞባታት ሓራ ከነውጽኦም ኢና" ኢሉ።
ማእኸሉ ኣብ ሲንጋፖር ዝገበረ ተንታኒ ግብረ ሽበራ ዓብዱል ባሲጥ: ዓወት ጣሊባን ኣፍጋን ንቲቲፒ "ብርግጽ ኣትቢዑዎም'ዩ" ኢሉ ይኣምን።
"ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተሳዒራ እንተወጺኣ፡ ፓኪስታን እንታይ ክትገብር ትኽእል ኢሎም ክሓስቡ ገይሩ'ዩ። ብተወሳኺ ዓሌታዊ ጎንጽን ናዕብን ከለዓዕሉ ጸኒሖም'ዮም" ይብል።
ይኹን'ምበር፡ ኣማኻሪ ሃራዊ ድሕነት ፓኪስታን ዝነበረ ጡረተኛ ጀነራል ናስር ጃንጁ ቲቲፒ "ዘንሳሕብ ክስተት'ዩ" ክብል ይገልጾ።
"ቲቲፒ ኣብ መብዛሕትኡ ቕቡልነት ስኢኑ'ዩ፤ ሕጂ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋን ስለ ዝወጽአት ፓኪስታን ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ስለ ዝተሰለፈት ኢና ንቃለስ ዘለና ዝብል ተረኽ ዋጋ የብሉን። እቲ ብተደጋጋሚ ዘብጽሑዎ ዘለው መጥቃዕቲ ድማ ናይ ህልውና ቓልሲ'ዩ" ኢሉ።
ጽቡቕ ጣሊባን፣ ሕማቕ ጣሊባን
ፓኪስታን፡ ምስ ጣሊባን ኣፍጋኒስታን ዝምድና ከም ዝነበራን ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝተኸሎ ሓድሽ ስርዓት: ዓለም ንክቕበሎ ጸቕጢ ትገብር ምዃናን ይእመን።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣንጻር ጣሊባን ፓኪስታን ደማዊ ውግእ ክተካይድ ጸኒሓ፤ በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባትን ሓይልታት ጸጥታን ተቐቲሎም።
ካብዚ ብዝብገስ ፓኪስታን፡ "ሕማቕን ጽቡቕን ጣሊባን" ዝብል ስትራቴጂ ከም እትኽተል ይግለጽ።
እዚ ማለት፡ እቶም ናይ ኣፍጋን ጣሊባን ከም ጽቡቕ ብርሃን ዝርኣዩ ኮይኖም፡ እቶም ናይ ፓኪስታን ድማ ከም ሕማቕ ብርሃን ይርኣዩ።
ሰራዊት ፓኪስታን፡ ነዞም ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከባ ናይ ዓሌት ከባቢታት ዘለው ጣሊባን ፓኪስታን ንምውጋድ ብዝወሰዶም ስጉምታት ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም'ዮም።
መንግስቲ ፓኪስታን፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት ምስቶም ኣብ ውሽጢ ጣሊባን ፓኪስታን ዘለው ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስምምዕ ሰላም ክገብር ጻዕሪ ገይሩ'ዩ።
እንተኾነ ኣይኤስ-ኬ ኣብቲ ከባቢ ምህላው ካልእ ጸገም ክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ።
ኣይኤስ-ኬይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጣሊባን ኣፍጋን ምስ ኣመሪካ ስምምዕ ክፍርም እንከሎ ንጅሃድ ንጎኒ ገዲፉ ክብል ኸሲሱዎ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ከም "ክሓዲ" እዩ ዝርእዮ።
ገለ ተንተንቲ፡ ታሕተዎት ካድረታት ቲቲፒን ኣብ ፓኪስታን ዘለው ኣይኤስ-ኬይን መብዛሕትኡ ግዜ ንክልቲኡ ጉጅለ ዝሰርሑን ተመሳሰልቲ ኣባላት ዝሓቖፈን'ዩ ይብሉ።
ይኹን'ምበር፡ ኣይኤስ-ኬይ ንርእሱ "ብሕታዊ ሕጋዊ ኣመሓዳሪ ህዝቢ እስላም" ገይሩ ከም ዝወስድ ዶክተር ጃዶን ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዚ ምኽንያት፡ ብዙሕ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምህላዩ ሰላማውያን ሰባት ኣዝዮም ይጽገሙ።
ብዙሓት ከም ዝሞቱ፣ ኣባይቲ ከም ዝዓነው፣ ገሊኦም ኣእዳዎም፣ ገሊኦም ድማ ኣእጋሮም ከም ዝስኣኑ፤ ፈጺሙ ኢድን እግርን ዘይብሎም ከም ዘለው፣ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ከም ዝተመዛበሉ ግዳያት ይገልጹ።
ኢሳር'ውን "እቲ ኲናት ቅድሚ 14/15 ዓመት ክጅምር እንከሎ ካብ ምምዝባል ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን፤ ስድራይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተመሊሶም። መንግስቲ ሰላም ኮይኑ'ዩ ናብ ዓድኹም ተመለሱ ይብለና፤ ግን ሰላም ኣበይ ኣሎ" ክብል ይሓትት።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







