ቱርክን ቀጠርን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ህልውና ጣሊባን ክቕጽል ዝገበራ ሃገራት

ፖለቲካዊ መራሒ ጣሊባን ዓብዱል ጋህኒ ባርዳር [ጸጋም] ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካቡል ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዶሃ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፖለቲካዊ መራሒ ጣሊባን ዓብዱል ጋህኒ ባርዳር [ጸጋም] ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ካቡል ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዶሃ ነይሩ

ኣመሪካን ካልኦት ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊት ኣውፊረን ዝነበራን ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብዚ ሰሙን ጠቕሊለን ካብታ ሃገር ክወጽኣ እንከለዋ ጣሊባን ናይ ደስ ደስ ካቡል ተኹሲ ጠያይቲ ሓሚሶምዋ'ዮም።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ግን ዕጫ መጻኢኦም'ውን ክርድኡዎ ኣብ ዘይኽእሉ ኩነታት ይርከቡ።

ምሕደራ ጣሊባን፡ ኣዝዩ ተረርቲ ሕግታት ሸሪዓ ዝኽተል ስለ ዝኾነ ካብ ዓለም'ውን ክንጽሎም ይኽአል'ዩ።

እዚ እስላማዊ ምምሕዳር ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ሃገራት ምዕራብ ጸቕጢ ንምግባር ይዳለዋ ኣለዋ።

ኣብ ሞንጎ ካብ ዓረብን እስላማውያን ሃገራትን ዝኾና ክልተ ሃገራት ድማ መተዓረቕቲ ሽማግለታት ኮይነን ምምጽአን ይዝረብ- ቀጠርን ቱርክን።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ ምስ ጣሊባን ዘለወን ዝምድና ክጠናኸር ይገብራ ኣለዋ።

ነናይ ባዕለን ዕድላት ከኣ ይጥምታ ኣለዋ፤ እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝጸንሐ ንሕንሕ ከየጎሃህሮ ይስጋእ።

ቱርክን ቀጠርን ኣብቲ ቀጠና ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ቀረባ ኮይነን ምስ ከም ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ዝበላ ሃገራት ብዙሕ ግዜ ናብ ውጥጥ ይኣትዋ።

እዘን ሃገራት ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ናይ ህልውና ስግኣት ገይረን'የን ዝወስድኦ።

ጣሊባን ናብ ስልጣን ምምላሱ፡ ብመሰረት ሕጊ እስልምና ህዝብን መንግስን ክእዝዝ ዝደሊ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ክመጽእ ይግባእ።

ምስ ጣሊባን ምዝርራብ

ኣብ 1990ታት፡ ጣሊባን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስቲ ጉጅለ ስሩዕ ርክብ ዝነበረት ሰለስተ ሃገራት ጥራሕ ነይረን።

እዚአን ፓኪስታን፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን እየን።

ድሓር፡ መስከረም 11/2001 ኣብ ኣመሪካ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ካብ ፓኪስታን ወጻእ ክልቲአን ብወግዒ ርክበን በቲኸን።

እንተኾነ ውልቀሰባት ስዑዲ ንዓመታት ብሕቡእ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩሉ ምጽንሖም ይግለጽ።

ሰብ መዚ ስዑዲ ቅድም ኢሉ ንጣሊባን እንገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ የለን ኢሎም ብምክሓድ ብውልቂ ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝ ጠጠው ንምባል ተሪር ስጉምታት ከም ዘለውዎም ይምጉቱ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምህላዎም ኣመሪካውያን ሕጉሳት ዘይምዃኖም ተደሚሩ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ክሰርሓ ንዝኽእላ ሃገራት በሪ ርሒው ኣሎ።

ቀጠርን ቱርክን ከኣ ምስ ጣሊባን ንምርኻብ ዝተፈላለዩ መገዲታት መሪጸን።

ቀጠር፡ ምምሕዳር ፕሬዝደንት ባራክ ኦባማ እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ 2011 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ናይ ሰላም ጻዕርታት ምስ ጣሊባን ንዝግበር ዘተ ከተአንግድ ጸኒሓ።

እዚ ኣዝዩ ዘካትዕ ጉዳይ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብታ ኣዝያ ድምቕቲ ከተማ ዶሃ ባንዴራ ጣሊባን ተሰቒሉ ምርኣይ ንብዙሓት ኣየሐጎሶምን።

ንቀጠር፡ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ንእትርከብ ሃገር ኣገዳሲ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ንምትግባር ን30 ዓመታት ዝዘለቐ ባህጊ ክዓቢ ሓጊዙ'ዩ።

ምስ ኣፍጋኒስታን ተሪር ታሪካውን ቀቢላውን ምትእስሳርን ዘለዋ ቱርኪ ድማ፡ ከም ኣባል ኔቶ ተዋጋኢ ዘይኮኑ ልኡኻት ብምስዳድ ክትሳተፍ ጸኒሓ'ያ።

ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ እዚ ኣጋጣሚ ምስ ጣሊባን ርክብ ምስ ዘለዎም ገለ ሚሊሻታት ጥቡቕ ናይ ስለላ ርክብ ክትፈጥር ሓጊዙዋ እዩ።

ብተወሳኺ ቱርኪ ጣሊባን መጀመርታ ዝመጽኡሎም ናይ ሃይማኖት ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ዘለዋ ፓኪስታን ድማ ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ።

መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብሓያል ዕግርግር ኣብ ዝተኸበበሉ እዋን ሰብ መዚ ቱርኪ ምስ ኣመራርሓ ጣሊባን ንሰለስተ ሰዓታት ይዝትዩ ነይሮም።

ወተሃደራት ቱርኪ ንሽዱሽተ ዓመታት ይጽበዩዎ ዝነበረ ናይ መጻኢ ኣሰራርሓ ከኣ ሓደ ካብ ዝተዘተየሎም ጉዳያት እዩ።

"ወራር" ኣፍጋኒስታን ንከብቅዕ ወተሃደራት ቱርኪ ምስ ካልኦት ሓይልታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ጣሊባን ይሓትት ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን እዚ ኣካል እቲ ሰፊሕ ኣጀንዳ ከም ዝነበረ ተንተንቲ ይገልጹ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣፍጋኒስታን፡ ምውጻእ ናይ መወዳእታ ወተሃደር ምልክት ምዝዛም ዝነውሐ ኲናት ኣመሪካ

ፕሬዝደንት ረሲጵ ጣይፕ ኤርዶጋን ካብ መራሕቲ ጣሊባን ዝተልኣኹ መልእኽታት "ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ብሩህ ተስፋ" ከም ዝርእዮም ገሊጹ።

ምስቲ ጉጅለ ብዛዕባ ዘለዎ ርክብ ተሓቲቱ፡ ምስ ዝኾነ ንምዝርራብ "ካብ ዝኾነ ፍቓድ ኣይሓትትን" ኢሉ።

"እዚ ዲፕሎማሲ'ዩ" ክብል እውን ተዛሪቡ።

ወሲኹ "ቱርኪ ንሓድነት ኣፍጋኒስታን ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ኩለ መደያዊ ድጋፍ ክትገብር ድልውቲ'ያ" ኢሉ።

ጣሊባን፡ ንካቡል ምስተቖጻጸረ ቀጠር'ውን ብዙሓት ምስ ጣሊባን ክዕቀቡ እትደልዮም ርክባት ከም ዘለው ተራእዩ'ዩ።

ዋላ'ኳ ስግኣት ዝተሓወሶ ይኹን ቱርኪ ግን ኣብ መሬት ምሕዝነታ ንምጉልባት ድልዱል መሰረት ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት እያ።

ቀጠር እቲ ናይ ምሽምግጋል ግድኣ እቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዓመታት ዝዘለቐ ሕምስምስ ክጎድል ክገብሮ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።

ዶሃ፡ ልዝባት ግጭታት ብዙሓት ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ማእከላይ ምብራቕ መሪሓ'ያ።

ድሕሪ ቀውዒ ዓረብ ግን ናይቲ ዞባ ተነሓናሕታ ዝኾና ሃገራት ንኣኽረርቲ እስላም ደጊፋ ክብላ ይኸስኣ።

ብ2017፡ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፣ ግብጽን ባሕሬንን ቀጠር ምስ ኢራን ናይ ቀረባ ዝምድና ከም ዘለዋ ብምግላጽ መደብር ዜና ኣልጄዝራ ተጠቒማ ዘይምርግጋእ ክሰፍሕ ገይራ'ያ ብምባል ርክበን በቲኸን።

ቀጠር ግን ነዚ ክስታት ትነጽጎ፤ ጸኒሐን ከኣ ርክባተን ሓዲሰን።

ሕጂ እዘን ክልተ ሃገራት ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ቀጻሊ ከኣ ቻይናን ሩሲያን ናይ ባዕለን ንሕንሕን ሒዘን ክመጽኣ ከም ዝኽእላ ይግመት።

ጣሊባን፡ ናብ ስልጣን ምምላሱ ብዙሓት ስግኣታት ክምዕብሉ ይገብር ኣሎ።

ህይወት ሚሊዮናት ዜጋታት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ንምግማቱ ኣጸጋሚ'ዩ።