ኣፍጋኒስታን፡ ኣመሪካዊ ጀነራል 'እቲ ጨካን ጣሊባን' ክልወጥ ከምዝኽእል ግልጺ ኣይኮነን

ማርክ ሚሌይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ማርክ ሚሌይ አፍጋኒስታንን ያገለገሉ ወታደሮችን አመስግነዋል

ንጉጅለ ጣሊባን 'ጨካን' ክብል ዝገለጾ ኣመሪካዊ ጀነራል፡ እቲ ጉጅለ ባህሪኡ ክልወጥ ከም ዝኽእል ግልጺ ኣይኮነን ኢሉ።

ጀነራል ማርክ ሚሌይ፡ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ኣንጻር ግብረ ራዕዲ እስላማዊ ሓይልታት ብምትሕብባር ክትሰርሕ ከም እትኽእል'ውን ኣንፊቱ።

ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ዝወጽአ ኾይኑ፡ ንኣመሪካ እቲ 20 ዓመታት ዝወሰደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ጻንሒት ኲናት ተዛዚሙ ኣሎ።

ነታ ሃገር ዝተቖጻጸሩ እስላመዊ ሓይልታት፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ እዩ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ።

እቲ ጀነራል እንታይ እዩ ኢሉ?

ጀነራል ሚሌይ ምስ ሓላፊ ምክልኻል ሓይልታት ኣመሪካ ልሎይድ ኦስቲን ዝተዘራረበ ኾይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ኣመሪካ ካብ ካቡል ምስ ወጽአ ርእይቶ ዝሃብ ዘሎ ንፈለማ እዋን እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ዝወጽአሉ መገዲ ብሰፊሑ ተነቒፍሉ እዩ።

ሃንደበታዊ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ንዓመታት ዘሰልጠነቶም ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ክሰዓሩን ክበታተኑን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ከምኡ ድማ፡ መብረቓዊ ግስጋሰ ጣሊባን፡ ወተሃደራት ኣመሪካን ንዐኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታትን ናይ ምውጻእ ስራሕቲ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ።

እቲ ጀነራል፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘገልግሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመስጊኑ።

ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ንምውጻእ ምስ ጣሊባን ምትሕብባራት ኣመልኪቱ ሕቶ ዝቐረበሉ ኦስቲን፡ "ኣብ ውሳናት ጉዳያት ምስ ጣሊባን ሓቢርና ሰሪሕና ኢና፤ ከምኡ እዩ ነይሩ። ብዝኸኣልናዮ መጠን ሰባት ኣውጺና ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ጀነራል ሚሌይ ብወገኑ፡ "ኣብ እዋን ኲናት፣ ኣብ መስርሕ ምውጻእን፡ ወተሃደራትና ካብ ሞት ንምድሓን እቲ ክንገበሮ እንደሊ ዘይኮነስ ክንገብሮ ዝግባእ ኢና ገይርና" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ንቕድሚት ኣንጻር ኣይኤስ ምስ ጣሊባን ሓዊሱ ምስ ካልኦት እስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ሓቢራ ክትሰርሕ ትኽእል እያ ኢሉ።

ጉጅለ ኣይኤስ-ከይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራት ኣመሪካ ሓዊሱ፡ 170 ሰባት ግዳይ ኮይኖም።

አይኤስ-ከይ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዘለዉ ኣኽረርቲ ዝበሃሉ ጉጅለታት ኣዝዩ ጫፍ ዝረገጸ ከም ዝኾነ ይዝረብ።

ኦስቲን ግን፡ ንቕድሚት ምስ ጣሊባን ክህልዎም ዝኽእል ርክብ ኣመልኪቱ ኣፋፍኖት ኣይሃበን።

ይኹን'ምበር፡ ገለ ሰበ ስልጣናት ኣመሪካ፡ ጣሊባን ብፍላይ ምስ'ቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣይኤስ-ከይ፡ ዝህልዎ ርክብ ከም ዝውስኖ ይዛረቡ ኣለዉ።

ኣብቲ ዞባ ላዕለዋይ ኮማንደር ሰራዊት ዝኾነ ጀነራል ኬኔት ማክኬንዚ ብጠቕላላ ነፈርቲ ኣመሪካ ልዕሊ 123 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘግዓዛ ገሊጹ።

ኣብዚ መዓልታዊ ብማእከላይ ልዕሉ 7500 ሰባት ክግዕዙ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊቱ ካብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምግዓዝ "ገዚፍ ወተሃደራዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ሰብኣውን ተግባር" ምዃኑን ክሳብ ሕጂ ኣመሪካ ካብ ዝወገነቶም ኣጸገምቲ ጉዳያት እቲ ሓደ ምዃኑን ተዛሪቡ።

"ሓድሽ ምዕራፍ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኣብቂዑ ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ተጀሚሩ" እውን ኢሉ።

ይኹን'ምበር ጣሊባን ዜጋታት ብናጻ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ከፍቅድ፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኩሎም ዜጋታትን ክሕሉ፣ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብታ ሃገር ባይታ ከይረኽቡ ክከላኸልን ዘኽእሎ ውፍይነትን ግዴታን ንክህልዎ ሕጋውነት ክላበስ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ንዝሓለፉ 17 መዓልታት እዚ ስርሒት ኣብ ምፍጻም ንዝተዋፈሩ ኣመስጊኑ።

ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብምእታው ነፈርቲ ዘለዎ ኣመሪካ ገዲፋቶ ዝወጽአት መኽዝን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ቐረባት ወሪሶም።

ካብ 100 ክሳብ 200 ዝኾኑ ኣመሪካውያን ዛጊድ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝርከቡ ኣፍሊጣ ኣላ።

ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝኾነ ቪክቶሪያ ኑላንድ፡ ነቶም ዝተረፉ ኣመሪካውያን ንምውጻእ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺ ንምጥቃም እናተፈተነ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ጣሊባን ናይ መወዳእታ ናይ ደገ ሓይልታት ናይ ምውጻእ መሰል ዘኽበረ ኾይኑ፡ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ኣትኲሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።

ኣብ ቀጠር ዝርከብ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጣሊባን ሸር አባስ ስታኔክዛ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ሓድሽ መንግስቲ ክምስት ምዃኑን፡ ገለ ትሑት ደረጃታት ሓላፊነት ንደቂ ኣንስትዮ ከም ዝወሃብ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ምስ መንግስቲ ዝሰርሑ ኣካላት ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዘይካተቱ ኣፍሊጡ።