ኣፍጋኒስታን፡ ፕረዚደንት ባይደን ሰራዊቱ ካብ ኣፍጋን ምውጽኡ ተኸላኺሉ

ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ስልጣን ክምለሱ ዝገበረ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዘሎ ውሳነ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝምልከት ተኸላኺሉ።

ትማሊ፡ ኣመሪካ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ካቡል ዝጸንሐ ሰራዊታ ጠቕሊላ ከም ዘውጽአት ይፍለጥ።

ጣሊባን ብወገኑ ነቲ ዓወት ኢሉ ዝሰምዮ ጸምቢሉ።

እቲ ፕሬዝደንት ንህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ግዜ ምጽናሕ ኣማራጺ ኣይኮነን ኢሉ።

እቶም ወተሃደራት ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ንዝገበሩዎ ምትሕብባር ኣመስጊኑ።

ኣመሪካ፡ ድሕሪ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 9/11 እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣልቃዒላ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብምንባሩ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንኣፍጋኒስታን ብምውራር ኣብ ስልጣን ንዝነበረ ጣሊባን ኣልያቶ።

ፕሬዝደንት ባይደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ኣመሪካ ዝወጽአሉ መገዲ፡ ነቲ ሰራዊት ኣመሪካ ንዓመታት ዘሰልጠኖን ብገንዘብ ዝደገፎን ትጽቢት ዘይተገብረ ምፍራስ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ኣስዒቡ'ዩ ብዝብል ኣብ ኣመሪካን ደገፍቱን ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዎ'ዩ።

ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት ንመላእ ሃገር ክቆጻጸሩ እንከለው፡ ብ15 ነሓሰ 2021 ናብ ርእሰ ከተማ ካቡል ኣትዮም።

ፕሬዝደንት ባይደን ድማ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ዜጋታት ኣመሪካ፣ ወጻእን ምስኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያንን ንምውጻእ ንመዓርፎ ነፈርቲ ዝቆጻጸሩ 6000 ወተሃደራት መዲቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ብብዝሒ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ክጸቓቐጡ ተራእዮም ነይሮም።

ባይደን ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ንሰራዊት ሃገሩ ብምምስጋን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣመሪካውያን ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ቐጻሊ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ይኹን'ምበር ንውሳንኡ ዝምልከት ብዝግባእ ተኸላኺሉ።

"እዚ ዘልኣለማዊ ኲናት ኣየናውሕን፤ ዘልኣለማዊ መውጽእ'ውን ኣይኣወጅኩን። ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኲናት ኣብቂዑ'ዩ" ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ጣሊባን ንካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዋ?

ኣመሪካ ንርእሳ ንምክልኻል ኣብ መሬት ሰራዊት ከም ዘየድልያ'ውን ተዛሪቡ።