ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ብምምጽኡ ገለ ሃገራት ዝኸስብኦን ዝኸስርኦን እንታይ'ዩ?

ዕጡቕ ጣሊባን ኣብ መፈተሺ ቦታ ካንዳሃር 17 ነሓሰ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

ጣሊባን ሓድሽ ምምሕዳር ኣፍጋኒስታን ምዃኑ ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ነዚ ናይ ስልጣን ለውጢ ክቕበልኦ ዝጓየያ ሃገራት ይርኣያ ኣለዋ።

ድሮ ካብ ሞስኮ ክሳብ ቤጂንግ፣ ካብ በርሊን ክሳብ ኢዝላማባድ ዲፕሎማሲያዊ ምልውዋጣት ተኻይዶም።

ብ26 ነሓሰ 2021 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ድማ፡ ገለ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣንጻር ምሕደራ ጣሊባን ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ዘርኢ'ዩ።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ድልየት ቑልፊ ተሳተፍቲ እቲ ዞባ ዝኾና ሃገራትን ዓለምለኻዊ መንግስታትን ግን እንታይ'ዩ?

ፓኪስታን

ጎበሬት ሃገር ፓኪስታን፡ ኣብ ካቡል ካብ ዝፍጠር ለውጢ ስልጣን እትኸስቦን እትስእኖን ጉዳይ ኣሎ።

ክልቲኤን ሃገራት ዝካፈልኦ 2400 ኪሎ ሜትሮ ዶብ ክህልወን እንከሎ፡ 1.4 ሚሊዮን ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብ ፓኪስታን ይርከቡ።

1.4 ሚሊየን ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብ ፓኪስታን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, 1.4 ሚሊየን ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብ ፓኪስታን

ካልኦት ብዙሓት ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ግን ኣብታ ሃገር ከም ዝነብሩ ይእመን።

ስለዚ፡ ፓኪስታን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝህሉ ዘይምርግጋእ እትስእኖ ብዙሕ ነገር ኣሎ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ኢዝላማባድ ምስ ጣሊባን ጥቡቕ ዝምድና ኣለወን ካብ ዝብሃላ ሃገራት ሓንቲ'ያ።

ቋንቋ ፓሽቶ ዝዛረቡ ጣሊባን ወይ ድማ "ተመሃሮ"፡ ብ1990ታት ኣብ ሰሜን ፓኪስታን ክምዕብሉ ጀሚሮም።

ብዙሓት ናብዚ ምንቅስቓስ ዝተጸምበሩ ኣፍጋናውያን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ፓኪስታን ዝተመሃሩ'ዮም ነይሮም።

ፓኪስታን ዋላ'ውን ብተደጋጋሚ እትኽሕዶ ጉዳይ እንተኾነ፡ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ሓዊሱ ሓንቲ ካብተን ጣሊባን ብ1990ታት ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣፍልጦ ዝሃባ ሃገራት እያ።

ምስዚ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ዲፕሎማሲያዊ ርክባ ዝበተኸት ሃገር'ውን ንሳ እያ።

ምስ ህንዲ ንዘሎ ንሕንሕ ንዝጥምቱ ሙሁራት ፓኪስታን፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ምምጽኡ ጽልዋ ህንዲ ኣዝዩ ዝተሓተ ክኸውን ዝገብሮ'ዩ ይብሉ።

ሙሁር ኢንስቲትዩት ለንደን ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዑመር ካሪም "ፓኪስታን ብቐንዱ ኣብ ከም ጃላላባድን ካንዳሃርን ዝበላ ኣብ ዶባት ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝርከባ ከተማታት ህንዲ ብምንባሮም ተደናጊሮም'ዩ ጸኒሑ። ቐንዲ መዋሊት ጸረ ፓኪስታን ዝኾኑ ንከም ቴህሪክ -ኢ-ጣሊባን ዝበሉ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ተነዓብቲ ጉጅለታት ገይራ'ያ ትቖጽራ" ኢሉ።

ስለዚ፡ ፓኪስታን ጣሊባን ኣብ ስልጣን ምህላው ኣብቲ ዞባ ክህልዋ ንዝኽእል ጸቕጢ ዳግም ክሃንጽ የኽእለኒ'ዩ ኢላ ትኣምን ይብል።

"ንግዳዊ ንጥፈት ብዙሓት ኣፍጋናውያን ካብ ፓኪስታን ዝመጽእ'ዩ፤ እዚ ከም ሕሩጽ፣ ሩዝ፣ ኣሕምልቲ፣ ስሚንቶን ኣቑሑት ህንጸትን ዝሓውስ'ዩ" ይብል እቲ ሙሁር።

ብተወሳኺ ፓኪስታን ብኣፍጋኒስታን ኣቢላ ኣብ ማእኸላይ ኤስያ ምስ ዘለዋ ሪፐብሊካት "ድልዱል ቑጠባ" ክትፈጥር ድልየት ኣለዋ።

እዚ ነታ ሃገር ምስ ዓብዪ ቑጠባ እቲ ዞባ ከተኣሳስራ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

እዚ ቑጠባዊ ድልየት፡ ጣሊባን ኣብ ጉዳያት ድሕነት ሓዊሱ ምስ ፓኪስታን ክሓብር ይገብሮ።

"ምምሕዳር ጣሊባን ድሮ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ይገጥሞ ስለ ዘሎ፡ ኣንጻር ፓኪስታን ክኸውን ኣይክእልን" ክብል ካሪም ርኢይትኡ ይኽንብት።

ሩሲያ

ኣባላት ሰራዊት ሩሲያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሰራዊት ሩሲያ፣ ኡዝበኪስታንን ታጂኪስታንን ብ10 ነሓሰ ኣብ ጥቓ ዶብ ታጂክ- ኣፍጋን ሓበራዊ ልምምድ ኣካይዶም

ሩሲያ፡ ሕጂ'ውን እቲ ካብ 1979 ክሳብ 1989 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሶቭየት ሕብረት ኣንጻር ጉጅለታት ኣፍጋኒስታን ዘካየደቶ ናይ 10 ዓመታት ኲናት ኣይረስዓቶን።

ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዋ ድልየት ውሑድ እንተኾነ'ውን፡ ኣብታ ሃገር ዝህሉ ዘይምርጋእ ግን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝህልዋ ጎረባብቲ ዓድታት ገዚፍ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

እዚአን፡ ግዝኣታት ሶቭየት ዝነበራ ኮይነን ክሳብ ሕጂ ምስ ሩሲያ ጥቡቕ ዝምድና ኣለወን።

ስለዚ ቐንዲ ስግኣት ሩሲያ፡ ኣፍጋኒስታን መዐንደሪ ካብ ዞባ ካውካሰስ ንዝብገሱ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ቐንዲ ጸላእቲ ሩሲያን ጣሊባንን ዝኾኑ ጅሃዳውያን ክትኸውን እያ ዝብል እዩ።

ጣሊባን ንካቡል ምስ ተቖጻጸረ፡ ሩሲያ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣቐዲማ ምስቲ ጉጅለ ርክብ ዝጀመረት'ያ።

ኤዲተር መጽሄት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ፍዮዶር ሉክያኖቭ "ሩሲያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ድርብ ፖሊሲ" እያ ትኽተል ዘላ ይብል።

"ብሓደ ሸነኽ፡ ፖለቲካዊ ርግኣት ንምውሓስ ምስ ጣሊባን ዝምድና ክትፈጥር ትጽዕር፤ በቲ ኻልእ ገጽ ድማ ኣብ ታጂኪስታን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ሩሲያ ኣለው። ኣብዚ ምስ ታጂኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብምፍጣር ካብ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ዕጡቓት ጉጅለታት ከይፈርዩ ክትከላኸል ትጽዕር" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ምውጽኣ ሩሲያ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ኤዥያ ንእትፈጥሮ ጽልዋ በሪ ዝኸፍተላ ገይራ ትወስዶ።

"ንዓና ጽቡቕ ዝኾነ ንኣመሪካውያን ፋል የብሉን፤ ንዓና ፋል ዘይብሉ ከኣ ንኣመሪካውያን ጽቡቕ'ዩ። ሕጂ እቲ ኩነታት ንኣመሪካውያን ሕማቕ ኣሎ፤ ንዓና ግን ጽቡቕ" ክብል ተንታኒ ፖለቲካ ሞስኮ ኣርካዲ ዱብኖቭ ንፋይናንሻል ታይምስ ተዛሪቡ።

ቻይና

ቻይና ቑጠባውን ናይ ድሕነትን ረብሓታት ኣለውዋ።

ኣመሪካ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ብምውጽኣ፡ ትካላት ቻይና ንጸጋታት ዕደና ኣፍጋኒስታን ክምዝምዙዎ ሰፊሕ ዕድል ረኺቦም ኣለው።

ክኢላታት ኣመሪካ፡ ኣፍጋኒስታን ሓደ ትሪሊየን ዶላር ዝግመት ዕቁር ሃብቲ ኣለዋ ኢሎም ይግምቱ።

እዚ ሰለስተ ዕጽፊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝብሎ'ዩ።

ትካላት ቻይና ግን ሕጂ'ውን ናይ ፖለቲካን ድሕነትን ስግኣት ከም ዘለዎም ይግለጽ።

ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግን ቭላድሚር ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክንቀሳቐስሉ ዝኽእሉ ዓቕሚ፡ ገና ሃገራት ምዕራብ ክወስድኦ ብዝኽእላ ስጉምቲ እገዳታት ዝውሰን'ዩ ክኸውን።

ብኣንጻሩ ናይ ብሕቲ ትካላት ቻይና "ኣሽሓት ክስርሑ ዝኽእሉ ነገራት ስለ ዘለው" ናብቲ ዕዳጋ ንምእታው ህንጡውነት ኣለዎም ክብል ግሎባል ታይምስ ጽሒፉ።

ብመንጽር ስትራቴጂካዊ ረብሓ ድማ፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኣፍጋኒስታን ንምእታው ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ።

እታ ሃገር ኣብ ወሳኒ መላግቦ ፕሮጀክታት ትሕተ ቕርጽን ንግድን ኢራንን ፓኪስታን ዝሓቁፍ ተበግሶ ቅናት ሲልክ ኢኮኖሚ ቻይና እትርከብ እያ።

ስለዚ ልክዕ ከም ሩሲያ ቻይና'ውን ኣፍጋኒስታን ኣብቲ ዞባ ፈጠርቲ-ራዕዲ ዝዕንድሩላ መነሃርያ ከይትኸውን ስግኣት ኣለዋ፤ ብቀንዱ ምዕራባዊ ዞባ ዢንጂያንግ።

ተንታኒ ዲፕሎማሲ ጆናታን ማርከስ ቻይና "ምስ ኣፍጋኒስታን ሓጺር ዶብ ትካፈል። ናይ ባዕላ እስላም ዜጋታት ትቐትል ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት ድማ ኣንጻር እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዕቑባ ከይረኽቡ ትሰግእ። ካብዚ ብዝብገስ ቻይና ብ ቀረባ ንጣሊባን እተርእዮ ዘላ ምቅርራባት ከደንቐና የብሉን" ይብል።

ብ25 ነሓሰ ፕሬዝደንት ዢ ጂንፒንግ ምስ ሩሲያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ "ካብ ዞባታት ኣፍጋኒስታን ክመጽእ ዝኽእል ስግኣታት ግብረ ራዕድን ዘይሕጋዊ ንግዲ ዕጸ ፋርስን ብሓባር ክቃለሱ" ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም'ዮም ኢሉ።

ኢራን

ዕጡቓት ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጣሊባን ካብ ዓለም ምንጻል ንኢራን ከም ዝጠቅማ ዑመር ካሪም ይዛረብ

ሙሁር ኢንስቲትዩት ለንደን ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ፡ ዑመር ካሪም፡ "ኢራን ንብዙሕ ዓመታት ምስ ጣሊባን ክትተሓባበር ጸኒሓ'ያ" ይብል።

እዚ በቲ ክንፊ ወያናይ ዘብዒ ኢራን (IRGC) ዝኾኑ ወግዓዊ ዘይኮነ ኲናት ዘካይድን ኣመሪካ ኣሸበርቲ እትብሎን ጉጅለ እትፍጽሞ ምንባሩ ይግለጽ።

በዚ "ምስ ጣሊባን ድልዱል ርክባት ሃኒጻ ጸኒሓ'ያ" ይብል ካሪም።

"መራሕቲ ጣሊባን ኣዕቚባ ነይራ፤ ናይ ኣጽዋርን ፋይናንስን ደገፍ'ውን ተቕርበሎም ነይራ። ጣሊባን ብግድኡ ንሺዓ ኣፍጋናውያን ብቐንዱ ማሕበረሰብ ሃዛራ ዝተለሳለሰ ነይሩ። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ማእከላይ ኣፍጋኒስታን ዋላ ሓደ ጥይት ከይተተኮሰ ኣብ ኢድ ጣሊባን ክኣትው ክኢሎም'ዮም" ክብል የረድእ።

ይኹን'ምበር፡ ዋላ'ውን ጣሊባን ነዞም ማሕበረሰብ ዝተለሳሰለ መርገጺ ነይሩዎ እንተተባህለ ኣጋር ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽሙዎ ግቡእ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ሕጂ ኣፍጋኒስታን ካብ ዓለም እንተተነጺላ ኢራን ኣብታ ሃገር ክትፈጥሮ ንእትኽእል ጽልዋ ንምስፋሕ ዕድል ከም ዝፈጥረላ ካሪም ይዛረብ።

"ኢራን፡ ስርዓት [system] ኣመሪካ ገዲፋቶም ዝወጽአት ሕጂ ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ዝርከቡ ዘመነዎት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ሚሳይላትን ካልኦት ኣጽዋራትን ንምርካብን ንምትንታንን ድልየት ክህልዋ ይኽእል። እዚኦም ጣሊባን ናይ ባዕሉ ፕሮግራማት ምክልካል ንምፍራይ ክጥቀሞም ይኽእል" ኢሉ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ርግኣት ክዓስል ምግባር ከኣ ቑጽሪ ናብ ኢራን ዝኣትው ስደተኛታት ክንኪ ይሕግዝ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 780 ሽሕ ኣፍጋናውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ኣብታ ሃገር ከም ዝርከቡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

መግለጺ ቪድዮ, ጣሊባን ተመሊሱ ፖለቲካዊ ስልጣን ምጭባጡ ዘሻቐላ ኣፍጋኒስታናዊት ጋዜጠኛ

ሃገራት ምዕራብ

መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ እቲ ን20 ዓመታት ጎስጓስ ዝግበረሉ ዝነበረ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዓወት ክጽምብሉዎ'ዮም ዝደልዩ።

ጣሊባን ግን እቲ ዓወት ናታቶም ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ዋላ ሓደ ዘጠራጥር ጉዳይ የለን።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ መራሒ ጣሊባን ሴኩንደር ኬርማኒ ንቢቢሲ "ንሕና ተዓዊትና፤ ኣመሪካ ተሳዒራ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣመሪካን መላፍንታ ዝኾና ምዕራብን ግን፡ ናይ ባዕለን ምስሊ ኣብ ምህናጽ ኣተዂረን ዓወት ናታተን ምዃኑ ከርእያ ይፍትና ኣለዋ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ግን እቲ ምውጻእ ሰራዊታት "ድሕነት ነቶም ዝተሓጋገዙ ዝነበሩን ጣሊባን ስልጣን ምስ ሓዘ ንከቢድ ህጹጽ ሓገዝ ዝተቓልዑን ኣፍጋኒስታናውያን ንምውሓስ ዝግበር ጻዕሪ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን" ክትብል ብ25 ነሓሰ ንባይቶ ሃገራ ተዛሪባ።

"እቲ ሸቶና፡ ከምቲ ን20 ዓመታት ዘዐወትናዮ ምክልኻል ክኸውን ኣለዎ" ኢላ።

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ብ24 ነሓሰ ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ ፕሬዝደንት ካውንስል ሕብረት ኤውሮፓ ቻርለስ ሚሸል "ምስ ሓደሽቲ ሰብ መዚ ኣፍጋን ክህሉ ዝኽእል ርክባት ንምውሳን እቲ ጊዜ ገና'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ወሲኹ እቲ ሓድሽ ዝምድና ኣብ "ተግባራትን ኣመለኻኽታን እቲ ሓድሽ ስርዓት" ዝድረኽ ክኸውን'ዩ ኢሉ።

እዚኦም፡ ጣሊባን ከምጽኦም ዝኽእል ፖለቲካዊ፣ ቑጠባውን ማሕበራውን ዓወታት ከምኡ'ውን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ውጹዓት ክፍሊ ሕብረሰተብን ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ክብል ኣብሪሁ።

ካብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ድማ፡ ብቐንዱ ድሕነትን ቓልሲ ኣንጻር ግብረ ራዕድን ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ ፋርስን ከረጋገጽ ትጽቢት ይግበሮ።

ኣፍጋኒስታን ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝፈርዩላ ከይትኸውን ካብ ምክልኻል ሓሊፉ፡ ሓድሽ ፍሰት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ምግታእ ሃገራት ምዕራብ ቐዳምነት ዝህብኦ ጠመተ'ዩ።

እስላማውያን ጉጅለታት

ሰብ ሞያ፡ ኣብ ኣመሪካ መጥቃዕቲ መስከረም 9 [9/11] ዝፈጸመ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዳግም ከይጠናኸር የጠንቅቑ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንኣፍጋኒስታን ክትወርር ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ዳይሬክተር ትካል ፖሊሲ ኣናላይስስ ፎር ኮንፍሊክት (IPAC) ሳና ጄፍረይ: ኣይኤስ ምልዕዓል ፈጢሩሎም ዝነበሩ ጂሃዳውያን ጉጅለታት "ብቑዓት ምዃኖም ንምምስካር ኣብ ጸቕጢ ክኣትዉ" ከም ዝኽእሉ ትገልጽ።

እዚ ደጋፊ ኣይኤስ ዝኾነ ጉጅለ ዓወት ጣሊባን "ምስ ኣመሪካ ብዝተበጽሐ እከይ ስምምዕ እምበር ብሓቀኛ ጅሃድ ዝመጽአ ኣይኮነን" ብምባል ኮኒኑዎ እዩ።

ይኩን'ምበር፡ ዓወት ጣሊባን "ንጉጅለታት ኣልቃዒዳ ጽቡቅ ዜና'ዩ" ክትብል ሳና ተረድእ።

"ኣብ ውሽጢ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ፡ በቶም ኣኽረርቲ ጉጅለታት ኣብ ዝዝወሩ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወግዓዊ መግለጺታትን ዓወት ጣሊባን ተባሂሉ ክጽንበል ርኢና ኢና። ካብዚ ዘይዛሪ ቓልሲ ዋጋ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ጥራሕ'ዮም ወሲዶም። እዚ ከኣ ካልኦት ጉጅለታት ክተባብዑ ምግባሩ ዘይክሓድ'ዩ' ኢላ።