ኣመሪካ ሰራዊታ ንመወዳእታ ግዜ ብምውጻእ ን20 ዓመታት ኣብ ኣፍጋን ዝነበራ ኲናት ዛዚማ

ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሑ ሰራዊት ኣመሪካ ዝጽዓነት ናይ መወዳእታ ነፋሪት ሰራዊት ኣመሪካ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ወጺኣ።

እዚ እቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኣካታዒ ህላወ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታንን እቲ ዝነውሐ ኲናት ኣመሪካን ከብቅዕ ዝገበረ እዩ።

ሰብ መዚ እታ ናይ መወዳእታ ሲ17 ነፋሪት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሓወሰት ምንባራ ሓቢሮም።

ቅድሚ እቲ ጣሊባን ዘቐመጦ ናይ ግዜ ገደብ ምውጻእ ዜጋታት ምውድኡ ክግዕዙ ዘይክኣሉ ንምሕጋዝ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ክቕጽል ምዃኑ ግን ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣነጺሮም ኣለዉ።

እታ ነፋሪት ክትብገስ እንከላ፡ ጣሊባን ናይ ደስ ደስ ጠያይቲ ክትኩስ ተሰሚዑ።

ኣመሪካ፡ ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ነዚ እስላማዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ኣልያ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብምሕጋዝ ክትዋግኦ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እቲ ናይ ሕጂ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ እታ ሃገር ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ እዚ እስላማዊ ስርዓት ምእታዋ ዘመላኽትን ካብ 14 ነሓሰ ዝጀመረ ምውጻእ ምውድኡን ዘመላኽት እዩ።

ኣብቲ ዞባ ላዕለዋይ ኮማንደር ሰራዊት ዝኾነ ጀነራል ኬኔት ማክኬንዚ ብጠቕላላ ነፈርቲ ኣመሪካ ልዕሊ 123 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ከም ዘግዓዛ ገሊጹ።

ኣብዚ መዓልታዊ ብማእከላይ ልዕሉ 7500 ሰባት ክግዕዙ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊቱ ካብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምግዓዝ "ገዚፍ ወተሃደራዊ፣ ዲፕሎማሲያውን ሰብኣውን ተግባር" ምዃኑን ክሳብ ሕጂ ኣመሪካ ካብ ዝወገነቶም ኣጸገምቲ ጉዳያት እቲ ሓደ ምዃኑን ተዛሪቡ።

"ሓድሽ ምዕራፍ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኣብቂዑ ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ተጀሚሩ" እውን ኢሉ።

ይኹን'ምበር ጣሊባን ዜጋታት ብናጻ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ከፍቅድ፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ኩሎም ዜጋታትን ክሕሉ፣ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብታ ሃገር ባይታ ከይረኽቡ ክከላኸልን ዘኽእሎ ውፍይነትን ግዴታን ንክህልዎ ሕጋውነት ክላበስ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ወሲኹ ኣመሪካ ኣብ ካቡል ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ህላወ ብምቁራጽ ናብ ቀጠር ከም ዘዛወረቶ ብምሕባር ኣመሪካውያንን ፓስፖርት ኣመሪካ ዝሓዙ ኣፍጋኒስታናውያንን ካብታ ሃገር ክወጽኡ እንተደልዮም ክትሕግዞም ምዃናን እውን ገሊጹ።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ንዝሓለፉ 17 መዓልታት እዚ ስርሒት ኣብ ምፍጻም ንዝተዋፈሩ ኣመስጊኑ።

ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብምእታው ነፈርቲ ዘለዎ ኣመሪካ ገዲፋቶ ዝወጽአት መኽዝን ሓዊሱ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ቐረባት ወሪሶም።

ገለ ዕጡቓት'ውን ወተሃደራዊ ክዳንን ዕጥቅን ኣመሪካ ተኸዲኖም ተራእዮም።

ኣብ ቀረባ ኣመሪካ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመትን ንወተሃደራት ኣመሪካ ኣተርጓሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ዝርከቡዎም ኣፍጋኒስታናውያን ሰላማውያን ሰባት ብዛዕባ ዝቐተለ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ዝምልከት መብርሂ ክትህብ ትጽቢት ይግበር።

ስድራ ግዳያት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመን ብግጉይ ሓበሬታ ዝበጽሐ ምዃኑን ይዛረቡ።

ፔንታጎን ብወገኑ ነቶም ጸብጻባት ይምርምር ኣለኹ ኢሉ።