ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ደሃይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስድርኡ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ደሃይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስድርኡ ከምዘይረኸበ ተዛሪቡ።
ዶክተር ቴድሮስ ነዚ ዝበለ፡ ትማሊ ሰኑይ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝምልከት ናይ ዓመተ 2020 ናይ መወዳእታ መብርሂኡ ክህብ እንከሎ እዩ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ 2020 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓለምና በዳሂ ዓመት ምንባሩ ገሊጹ። ንዕኡ ብውልቁ ግን ዝያዳ በዳሂ ምንባሩ እዩ ተዛሪቡ።
"ካብ ኮቪድ ብተወሳኺ፡ 2020 ንዓይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ኸኣ ሃገረይ ኣብ ጸገም እያ ዘላ” ኢሉ።
እቲ ቅልውላው “ይገድድ” ምህላዉ ድማ እዩ ተዛሪቡ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ ድማ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።
ብዛዕባ ስድርኡ እንታይ እዩ ኢሉ?
እቲ ኣብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ “ኣዕናዊ ኵናት” ኣብ መረበቱ ክልል ትግራይ ከምዘጋጠመ ብምብራህ፡ አብ’ኡ ድማ ብዙሓት ኣዝማዱ ከምዘለዉዎ እዩ ዶክተር ቴድሮስ ተዛሪቡ።
ካብ’ቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስድርኡ ድማ ምንኣስ ሓዉ’ውን ከምዝርከቦም ዝገለጸ ዶከተር ቴድሮስ “ኣብይ ከምዘለዉ ኣይፈልጥን” ብምባል ድሃዮም ከምዘይብሉ ገሊጹ።
“መራኸብታት ስለዘየለ፡ ኣይረኸብኩዎምን” ኢሉ።
“ኮቪድ ከይኣክል፡ እዚ ኸኣ ተወሳኺ ሕማም ኮይኑኒ’ሎ” ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሻቕሎቱ ግን ንስድርኡ ጥራይ ከይኮነስ ኣብ’ቲ “ይገድድ” ዘሎ ኩነታት ተሸሚማ ንእትርከብ ሃገሩ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።
ኵናትትግራይን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን
ኣብ ትግራይ ጎንጺ ምስተወለዐ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዝ እዩ ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲስዎ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንህወሓት ንምድጋፍ "ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን" ድሕሪ ምባል "ኣጽዋር ንክረኽቡ ሰሪሑ'ዩ" ክብል ድማ ከሲሱ ነይሩ።
እቲ ጀነራል ግን ዝኾነ ጭብጢ ኣየቕረበን ነይሩ።
ዶ/ር ቴድሮስ ብወገኑ፡ ነዚ ክሲ ብምንጻግ “እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ኣነ ውግንናይ ንሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ ንሰላም” ዝብል መልሲ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።
ዶ/ር ቴድሮስ ቅድም ክብል፡ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ሰሪሑ'ዩ።
ንሱ፡ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







