ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ቅትለት ቤንሻንጉል ጉሙዝ '40 ሰባት ቀቲሉ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ምስ’ቲ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈጸመ ቅትለት ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 40 ሰባት ቀቲሉ።
ኣብ’ቲ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዘጋጠመ ቅትለት፡ ህጻናት ሓዊሱ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ሓሙሽተ ናይ ሕጂን ነበር ሰብመዚን እቲ ክልል ድማ ምስ’ቲ ዘጋጠመ ቅልውላው ጸጥታ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።
ኣብ’ቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ቅትለት፡ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓጸሉ፣ ነበርቲ ድማ ብጥይትን ብካራን ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድሕሪ ምብጽሑ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ ተፈጺሙ።
መንነት ናይቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣይተፈለጠን፡ እንተኾነ ኣብ’ቲ ከባቢ “ሰፊሮም” ንዝበሃሉ ውሑዳን ማሕበረሰብ ዒላማ ከምዝገበሩ፡ ዓለማዊ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካ፣ ዓሌትን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት እናወሰኹ እዮም መጺኦም።
እታ ሃገር ኣብ 2018፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዘለውዋ ሃገር ምንባራ ይዝከር። ኣስታት 1.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።
እዞም መጥቃዕትታት ድማ ዝያዳ ስልጣንን መሬትን ብዝጠልቡን፡ ጓኖት ኢሎም ንዝጽውዕዎም ሰባት ካብ ከባብታቶም ከርሕቑ ብዝደልዩን ጉጅለታት ከምዝፍጸሙ ይጥቀስ።
ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ መጥቃዕቲ “ዘሕዝን” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ነቲ ጎንጺ ፍታሕ ንምግባር ናብ’ቲ ከባቢ ሓደ ሓይሊ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ሚድያ ኢትዮጵያ፡ መንነት ብዛዕባ እቶም ብስርሒት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሃዲኖም ዝተቐትሉን ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተብሃሉን 42 ሰባት ኣይገለጸን።
ቀስትታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ከምዝተትሓዙ ግን ገሊጹ።
ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ክልላዊ መራሕቲ ድማ፡ ሓደ ሚኒስተር ዴኤታ’ውን ከምዝርከቦም እቲ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሓቢሩ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ገሊኦም ኣብ’ቲ ናይ ጸጥታ ቅልውላው “ኢድ ነይርዎም” ብዝብል ክኸውን ከሎ፡ ገሊኦም ድማ ‘ሓላፍነቶም ብግቡእ ኣይተዋጽኡን’ ብዝብል እዮም ተኣሲሰሮም ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣብ’ቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ውሃቢ ቃል ናይ’ቲ ምስ መንግስቲ ርክብ ዘለዎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብረቡዕ ለይቲ ሰዓት ዓሰርተ (ኣርባዕተ)፡ ዕጡቓት ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።
"ግዳያት ኣብ ዝደቀስሉ እቶም ዕጡቓት ናብ’ቲ ቁሸት ብምእታው ንኣባይቲ ኣቃጺሎም፡ ንሰላማውያን ሰባት’ውን ብጥይት ቀቲሎም” ኢሉ ኣሮን መዓሾ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድማ ንሓሙሽተ ካብ’ቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሰባትን ሓደ በዓል ስልጣንን ዘዘራረበ ኾይኑ፡ ካብ ብሄር ጉሙዝ ዝኾኑ ሰባት ነቶም ካብ ብሄር ኣምሓራ፣ ኦሮሞን ሺናሻን ዝኾኑ ሰባት ከምዘጥቅዑ ንኣምነስቲ ከምዝሓበሩ ኣፍሊጡ።
እቲ ዓብዪ ስእሊ እንታይ እዩ?
ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ናይጄርያ ቀጺላ ካልኣይቲ እያ። ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኮይና፡ ኣስታት 80 ዝተፈላለዩ ብሄራት ኣለውዋ።
ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ስልጣን ዝዓተረ ኾይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ንሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ስልጣን ምስኣለዮ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ።
ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ኣብ'ታ ሃገር ምልካዊ ስርዓት ከብቅዕ ከምዝሰርሕ ዝተመጻበዐ ኮይኑ፡ ተኣጊዶም ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ዓዶም ክኣትዉ ብምግባርን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ እሱራት ብምፍታሕን ለውጥታት ኣተኣታትዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ዋላ'ኳ እዚ ለውጥታት እንተተገብረ፡ ብሄራዊ ስምዒታት ክግንግንን ጎንጽታት ክረኣይን ጀሚሩ።
በቲ ዝጸንሐ ስርዓት ተወጺዕና ዝብሉ ጉጅለታት ኣብ ክልሎም ዝያዳ ናጽነት ክረኽቡን ንናይ ቋንቋን ባህላውን መሰላቶም ኣፍልጦ ክወሃቦምን ይጠልቡ።
እቲ ናይ ቤንሻንጉልመጥቃዕቲ ምስ ትግራይ ይዛመድ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
እቲ ኣብ ቤንሻንጉል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ምስ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ምትእስሳር የብሉን።
እንተኾነ፡ ንትግራይ ክልል ዘመሓድር ዝነበረ ውድብ ህወሓት፡ ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ብህወሓት ዝተነድቀን ኣብ ብሄር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ፌደራሊዝም ከፍርሶ ከምዝደሊ ብምግላጽ ከም ስግኣት ክርእዮ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት ንልፍንቲ ኢህወዴግ ብምቛም እዩ ንማእከላይ መንግስቲ ክመርሕ ጸኒሑ።
ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ነዚ ልፍንቲ እዚ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት ብምፍራስ፡ ሓድሽ ብልጽግና ዝበሃል ሰልፊ ብምፍጣር ንልፍንቲ ኢህወዴግ ተኪእዎ።
ደገፍቲ ኣብዪ፡ ብልጽግና ነቶም ብሄር መሰረት ዝገበሩ ሰልፍታት ናብ ሓደ ምውሃዱ ሓድነት ዘምጽእ ገይሮም ይርእይዎ።
ህወሓት ግን ዘይከም እቶም ካልኦት ኣብ ኢህወዴግ ዝነበሩ ሰልፍታት፡ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ኣይሕወስን ክብል ሓንጊዱ።
እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንዘሎ ርክብ ከሐርፍፎ ጸኒሑ፡ ህወሓት ድማ ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ብዘይ ተወካሊ ተሪፉ።
ህወሓት ናብ'ቲ ጽንኩር ድጋፍ ዝረኽበሉ ክልል ትግራይ ብምንስሓብ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ማእከላይ መንግስቲ ዘይደለዮን ዘይተቐበሎን መረጻ ኣካይዱ።
እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ምትፍናን ዘጋደዶ ኾይኑ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ወተሃደራዊ ጎንጺ ተላዒሉ።
ብሰንኪ'ዚ ጎንጺ ክሳብ ኣሸሓት ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝግመት ኮይኑ፡ ልዕሊ 50,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲሞም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







