ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ

ረድኤት ዝጽዓና መካይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ረድኤት ዝጽዓና መካይን

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ረዲኤት ከቋርጾ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ።

ብዓርቢ 14 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ወግእ ኣገዳሲ ረዲኤትን መሳለጥያታትን ናብቲ ከባቢታት ከሕልፍ ከምዘይክኣለ ሓቢሩ።

"'መግቢ የለ፡ ነዳዲ የለ፡ ገንዘብ የለ፡ ንጥፈታት ፕሮግራም ዓለም ክቋረጽ ተቓሪቡ'ሎ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ካብ ፍርቂ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ መቐለ ዝኣተዋ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቃፍላይ መካይን ረዲኤት ከምዘየለዋ'ውን ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ።

"ተኸዚኑ ዝጸንሐ ብሕጽረት መግቢ ንዝሳቐዩ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዝተደረዐ መግቢ ተወዲኡ'ዩ። እቲ ዝተረፈ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እኽሊ፡ ጥረምረን ዘይትን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዕደል'ዩ" ክብል ሓደገኛነት ናይቲ ኩናታት ገሊጹ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንገሊኡ ካብ ዓጸቦ ንምድሓን መን ይጠሚ ክንውስን ተገዲድና ኣለና" ክብል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ዳንፈርድ ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ'ሉ፡ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብ ትግራይ ብውሕዱ 108 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸመ ዝተገልጸ ናይ ኣየር መጥቃዕቲታት ካልኦት ኣስታት 75 ሰባት ከምዝቖሰሉ ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ሰባት ግዳያት ዝገበረ ደብዳባት ከምዝተኻየዱ መሰኻኽር ዓይኒን ሰራሕተኛታትን ረዲኤትን ምሕባሮም ይዝከር።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን ሓይልታቶም ንሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ዝገልጹ።

ብሰንኪ'ዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ግጭት 9́.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይኖም ምህላዎም'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ፕሮገራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ 2.1 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ 650 ሽሕ ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ዓፋር ን534 ሽሕ ሰባት ናይ መግቢ ረዲኤት ከብጽሕ ውጥን ከምዘለዎ ገሊጹ።

"ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጰያ ጸጥታን ውሕስነትን ዘለዎም መተሓላለፊ ኣፍደገታት ክህልዉ ህጹጽ ውሕስነት ክህቡ የድለየና ኣሎ" ክብል እቲ ትካል ጠሊቡ'ሎ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘለዎም ቀረባት ክውዳእ ከምዝኽእል ብምጥቃስ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንምቕራብ ተወሳኺ 337 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮን፡ ንዝቕጽል 6 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ሶማሊ ንዝህቦ ረዲኤት ድማ 170 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቲቱ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዘይኸልከለን ብኣንጻሩ ህወሓት ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎን ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ፌዴራል ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵስ ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ምስ ኣውጽአ፡ ህዝቢ እታ ህልል ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብመንግዲ ክልል ዓፋር ሰብኣዊ ረድኤት ክረክብ ጀሚሩ ምንባሩ ገሊጹ።

ካብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ መንግስቲ ምስ መሻርኽቱ ኣካላት ብምኳን ልዕሊ 10 ሽሕ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ከምዝሰደደ'ውን ገሊጹ።

እንተኾነ "ህወሓት ረድኤት ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝኣተዋ መካይን ነተን 1,010 ዓበይቲ መካይን ብምሓዝ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወራር ንምፍጻም መጎዓዓዚ ሰራዊት ተጠቂሙለን" ብምባል መንግስቲ ከሲሱ።

ሓይልታት ትግራይ ግና እተን መካይን ንመምለሲአን ዝኸውን እኹል ነዳዲ ከይሓዛ ከምዝኣትዋ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ ህወሓት ካብ ኮምቦልቻን ካልእን "ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስትን ናይ ግልን መኻዚኖታት ሰሪቑ፡ በቲ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝኣትወሉ ኣብዓላ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ነቲ መስመር ከምዝዕጾ ገይሩ" ብምባል ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ።

ብምስዓብ ዋላ'ኳ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ ልዕሊ 1,000 ዘይተመለሳ መካይን እንተሃለዋ፤ መንግስቲ ካልኦት መካይን ናብቲ ክልል ረድኤት ጽዒነን ንኽኣትዋ ፍቃድ ሂቡ እዩ ብምባል፡ ረድኤት ናብቲ ክልል ከይኣቱ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ 118 ናይ ውድብ መግቢ ዓለም ዝኾና መካይን ብምሉእ ዓቕመን ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከመላልሳን፡ መራሕተን ምሉእ ውሕስነት ከምዝረኽቡን ፍቓድ ምሃቡ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ግና ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢ ዝኾነ ዕንወት ከምዘይፈጸሙ ብምግላጽ ዓለምለኻዊ መርመራታት ክግበር ይሓቱ።

መንግስቲ ብኹሉ ሸነኻት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክርደና ከምዝኣወጀ ዘመልክቱ ሓለፍቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ነዚ ንምብታክ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክኣትዉ ከምዝተገደዱ እዮም ዝገልጹ።

ሕጂ'ውን እንተኾነ ሓለፍቲ ህወሓት እቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ተኣዊጁ ኣሎ ዝበልዎ ክርደና ንኽእለ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ክኣቱ ኣብ ምሕታት እዮም ዝርከቡ።

ረድኤት ንህዝቢ እናተዓደለ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ረድኤት ንህዝቢ እናተዓደለ

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ብምእዋጅ ካብ ክልል ትግራይ ምስ ወጽአ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ኵናት ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ኣተዉ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምብጻሕ ስጉምቲ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ጸኒሑ'ዩ።

ሕቡራት ሃገራትን፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ረድኤት ንኽኣቱ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ክምሕጸኑ ጸኒሖም'ዮም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ መድሃኒትን ካልእ ናውቲ ሕክምናን ናብ ትግራይ ንኸእቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ሕቶ'ኳ እንተኣቕረብ ክሳብ ሕጂ ክሰልጦ ከምዘይከኣለ ኣብዚ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ምሉእ ዘይእዉጅ እገዳ ስለዝርከብብ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዘሎን ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝቐረበሉ ክሲ ኣመልለኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ህወሓት ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝወረረሉ ሆስፒታላትን መደበራት ጥዕናን ኣብ ዝሰረቐሉን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽምን ክቀትልን እንከሎ" ውድብ ጥዕና ዓለም ኣይኮነነን ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሕ ይጽዕር ምህላዉ ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን፡ ነቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ህወሓት ክኹንን ጸዊዑ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተኻየደን ብዝካየድ ዘሎን ኵናት፡ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ምህላዎም ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ብዘይካ'ዚ ኣሽሓት ሞይቶም፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተሰዲዶም ሚልዮናት ኸኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ከምዘወለዉ'ዩ ጸበጻባት ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።