ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖበል ሰላም ሒዙ ናብ ኲናት ዘምርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሰንኪ'ቲ ፈለማ ዘርኣዮ ናይ ለውጢ ጸዓት፡ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ሰፊሕ ናእዳ ረኺቡ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ፈላሚ ምርጫ ከካይድ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ናይ ፈለማ ምስሉ ተደምሲሱ ይርከብ።
ካብ ውዳሰ ናብ ኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለም ክሰግር ዝወሰደሉ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር'ዩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2019፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናን ከም ዘብቅዕ ብምግባሩ፡ ሽልማት ኖበል ብምዕታር ኣብ ዓለም ዘለዎ ቦታ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ግን እቲ ዝነበሮ ክብሪ ተገልቢጡ'ሎ።
ኣብ ሚያዝያ 2018፡ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ። ዝነበሮ ናይ መንእሰይ ጸዓትን ድሙቕ ፍሽኽታን ተስፋ ዝህብ ነበረ።
እቲ ድሮ ክመርሖ ጀሚሩ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ጥምረት ኢህወዴግ፡ ዘመነ-ስልጣኑ ሰለስተ-ዓሰርተታት ዓመታት ክመልእ ቁሩብ'ዩ ተሪፍዎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ክስታት ምጭፍላቕን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ይቐርቡ ነይሮም። ቀንዲ ካብኦም ድማ፡ ተቓወምቲ ዝበሎም ወገናት ኣብ ቀይዲ ምእታውን፡ ምዕባስ ጋዜጠኛታትን'ዮም ነይሮም።
ኢህወዴግ፡ ኣብታ ሃገር ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከመዝግብ'ኳ እንተኸኣለ፡ ብዙሓት ግን ተረባሕቲ ኮይኖም ኣይተሰምዖምን።
እቲ ናይ ምግላል ስምዒታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣባላት ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ብሄር ኦሮሞ፡ ማዕበላዊ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ። እቲ ንባዕሉ ኦሮሞ ዝኾነ ኣብዪ ኸኣ፡ ኣብቲ ማዕበል ተወጢሑ ናብ መንበረ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ነቲ ዝነበረ ስምዒታት ንምፍታሕ፡ ርእስኻ ብዘዝውር ቅልጣፈ ጽገናታት ኣካይዱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ናጻ ፕረስ ዝነበረ እገዳታት ኣልዒሉን፡ ነቶም ተኣጊዶም ዝነበሩ ተቓወምቲ ጉጅለታት ካብ ስደት ናብ ሃገሮም ክኣትዉን ዓዲሙ።
ጓለ-ንስተይቲ ፕረዚደንት ክትከውን ደጊፉ፡ ኣብ ካቢነኡ ጾታዊ ምዕሩይነት ኣረጋጊጹን፡ ሚኒስትሪ ሰላም መስሪቱን።
ውዕዉዕ ንእስነት
እቲ ዝዓበየ ዝተጎናጸፎ ዓወት ግን፡ እቲ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላምን ምኽፋት ሓበራዊ ዶባትን'ዩ ነይሩ።
ኣብዪ፡ ነታ ሃገር ብምዛር፡ ነታ ብብዙሕነት ሄራታ እትፍለጥ ኢትዮጵያ ከስምራ ምዃኑ ተዛሪቡ። ነቲ ዝነበረ ብሄራዊ ምምቕቓል ብምግጣም ሃገራዊ ሓድነት ንምድንፋዕ፡ "መደመር" ዝተባህለ ሓድሽ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ሃንዲሱ። ነቲ ብዙሕነት ንምጽንባል ዝነበሮ ድሌት'ውን ኣርእዩ።
ኣብታ ሃገር ድማ ሰፊሕ ደገፍን ህቡብነትን ረኺቡ። እዚ ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ ዘካየዶ ሃንደበታዊ ለውጥታት፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ድሕረባይትኡን እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ምህርቲ ቡን ዝሕፈሰሉ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ እትርከብ በሻሻ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ ካብ ሰዓብቲ ክርስትናን እስላምን ዝኾኑ ወለዱ ምውላዱ፡ ነታ ዝተመቓቐለት ሃገር ከሕብራ'ዩ ዝብል ትጽቢት ተነቢሩሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ዝመጹ ተወለድቲ ብሄረ ኦሮሞ ብምዃኑ፡ ኣቶኩሮ ናይቶም ምሉእ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ክረኽቡ ዝጠልቡ ዝነበሩ መንእሰያት ረኺቡ።
ነቲ ዝነበሮ ውዕዉዕ ንእስነታዊ ጸዓት እናቃለሐ ድማ ኣብታ ሃገር ዑደት ኣካዪዱ። ምቕልሉነቱ፡ ምስቶም ዘፍርሑ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ተነጻጺሩ። ብዓይኒ ናይቶም ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዑደት ዝረኽቦም ዝነበረ ዜጋታት፡ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣይነበረን።
ይኹን ድኣ'ምበር፡ ወዲ ውሻጠ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ሰራዊት ዝነበረ ኮይኑ፡ ክሳብ ናይ ሌተናንት ኮለነል መዓርግ ዝበጽሐ'ዩ። ብድሕሪኡ ድማ፡ መስራትን ዳይረክተርን፡ ናይቲ ንመርበባዊ-ድሕነት ዝከታተል ትካል መርበብ ሓበሬታን ጸጥታን ኮይኑ። መንግስቲ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ኣትሪሩ ዝቆጻጸረሉ ዝነበረ እዋን ድማ'ዩ ነይሩ።
ቀጺሉ ድማ፡ ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኮይኑ ተመዚዙ።

ኣገደስቲ ዕለታት፡ ኣብዪ ኣሕመድ
- 1976፡ ካብ ኦሮሞ እስላም ዝኾነ ኣቦን፡ ኣምሓራ ክርስትያን ኣደን ተወሊዱ
- 1990፡ ኣንጻር ማርክሳዊ ስርዓት ደርግ ንምቅላስ ተሰሊፉ
- 2016፡ ንሓጺር እዋን፡ ሚኒስተር ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኮይኑ
- 2017፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብሰላምን ጉዳያት ጸጥታ ናይ ዶክትሬት ማዕርግ ረኺቡ
- 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ
- 2019፡ ሽልማት ኖበል ሰላም ተዓዊቱ
- 2020፡ ኲናት ትግራይ ተወሊዑ

እንተኾነ ግን፡ እቲ መጀመርታ እዋን ዝተፈጥረ ማዕበል ሓጎስ ምስ ሃፈፈ፡ እቲ እዋን መግዛእቲ ምልካውያን ስርዓታት ፈኽ-ፈኽ ዝብል ዝነበረ ዝተወርሰ ሕዱር ምትፍናን፡ ክግንፍል ጀሚሩ።
ዝደፍኣሉ ዝነበረ ብዙሕነት እናጸንበልካ፡ ሓድነት ምርግጋጽ ዝብል ኣካይዳ ጸገም ከጋጥሞ ጀሚሩ።
ውልቀሰባት ብሰንኪ ብሄሮም ግዳያት ብሄር መሰረት ዝገበረ ጎነጽን መጥቃዕትታትን ኮይኖም፡ ኣሽሓት ተቐቲሎም። ኣብ 2019፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ሃዲሞም ናብ ካልእ ክፋል እታ ገሃር ተፈናቒሎም።
ቅድሚኡ ሳሕቲ ዝነበሩ ቀንጸላታት ውልቀሳባት ብዘሰንብድ መጠን ክፍጸሙ ጀሚሮም።
ቅትለት ሙዚቀኛን ላዕለዎት መራሕትን
ኣብ ሰነ 2018፡ ኢታማጆር-ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ መራሒ ናይታ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ክልል ኣምሓራን ኣብ ሓደ ለይቲን ብኣማኢት ኪሎ ሜትራ ኣብ ዝረሓሓቕ ቦታን ተቐቲሎም ሓዲሮም። ሓያሎ ኣብ ኣሕተዋይ ደረጃ ዝርከቡ ሰበስልጣን'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሕዎም።
ኣብዪ፡ ነቲ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ጎነጽ ንምቁጽጻር፡ ናብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ መንግስታት ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ስልትታት ተመሊሱ።
ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ተሌፎንን ሓያሎ እዋናት ተቛሪጾም። ጥርጡራት ብጅምላ ተቐዪዶም። ገለ ካብኦም፡ ሳምንታት ወይ ኣዋርሕ ድሕሪ ምእሳሮም፡ ብዘይ ፍርዲ ተፈቲሖም።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ቋንቋ ኦሮሞ ዝኾነ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ። እቲ ፍጻመ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ ብሄር ምትፍናን መሊሱ ኣዕሪግዎ፡ ብሰንኩ ድማ ጸጥታዊ ስጉምትታት ወሲኹ።
ብሰንኪ'ቲ ቅትለት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ዝስዓበ ጎነጽ፡ ሂወት ልዕሊ 200 ሰባት ቀዚፉ።
ነቲ ጎነጽ ኣለዓዒልኩም ወይ ኣጋዲድኩም ብዝብል ክሲ፡ ሓያሎ ፍሉጣት ተቓወምቲ ባእታታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ሓያሎ ፖለቲካውያን ተጣበቕቲ ተወለድቲ ኦሮሞ ድማ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ ኦሮሚያ ዘጋጠሞ ተቓውሞ ንምድቋስ ዝወሰዶ'ዩ ክብሉ ኣንጻሩ ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ጀሚሮም።
ካብ ኩሉ ግን፡ ምስ ካልእ ኣብ ብሄር ዝተሞርኮሰት ክልል ዝፈጠሮ ዝምድና'ዩ ንዝንኡ ደዊንዎ ዘሎ።
ኣብ ግንቦት 2019፡ ንኢሂወዴግ ብምፍራስ፡ ብልጽግና ፓርቲ ምምስራቱ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ረጽሚ ኣእትይዎ'ዩ።
እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት፡ ኣብቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ ፈደራላዊ መንግስቲ'ውን መሪሕ ተራ ከምዝነበሮ ይዝከር።
ካብ ስልጣን ዝተገለለ ህወሓት፡ ኣባል ናይቲ ኣብዪ ዝመስረቶ ውድብ ከምዘይከውን ኣፍሊጡ፡ ናብቲ ክልል ኣንሳሒቡ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዝነበረ ምትፍናን ናብ ግጭት ኣምሪሑ።
ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ 8ይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት፡ "ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት" ክብል'ዩ ዝገልጾ ነይሩ። ግዜ እናወሰደ ምስ ከደ ግን፡ ጃምላዊ ጾታዊ ዓመጽ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻንን ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃምን ዝበሉ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ተፈጺሞም ዝብሉ ክስታት ይቐርቡ ኣለዉ።
ቃና ናይቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሻቕሎት መግለጺታት እናበርትዐ ይመጽእ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እታ ኣብቲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝነበነረት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም "ንቅልውላዉ ትግራይ ዝምልከት [ብባይቶ ኣመሪካ] ዝሓለፈ ውሳነ ዝጻረሩን ዝደጋገፉ" ውልቀሰባት ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢራ'ላ።
ኣመሪካ፤ ኣብቲ ትህቦ ዝነበረት ቁጠባዊን ናይ ጸጥታን ሓገዛት'ውን እገዳታት ገይራ እያ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣብዪን መንግስቱን ዝነበረ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ነገራት ምግልባጦም ዘገርም'ዩ።
ንምርጫ ብዝምልከት ግን፡ ዝያዳ ኩሉ እቲ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ተቐባልነት'ዩ ዘገድስ- ንሱ'ውን ተሃስዩ እዩ።
ዘይተርፍ ነቐፌታ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ፡ ገለ ወገናት ስልጣን ንምጭባጥ ዝዓለመ'ዩ ይብሉ ነይሮም።
"ቅድሚ ሕጂ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ወይ ኣንጻሩ ጸግዒ ዘይወሰዱ ገለ ተወለድቲ ኦሮሞ፡ ሕጂ ተገልቢጦሞ ኣለዉ" ይብል ኣብ ሆላነድ (ነዘርላንድስ) ዝነብር ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ኣደም ከ. ኣበበ።
ኣብቲ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ብጥርጣረ ዝራኣየሉ ዝነበረ ክልል ትግራይ ድማ "ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ዘይምትእማን ናብ ጽልኢ ዓብዪ'ሎ" ይብል።
ካብ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝረኽቦ ዝነበረ ደገፍ'ውን ኣይከምቀደሙን። እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል-ሙዝን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ጸልይዎ'ዩ።
እንተኾነ ግን፡ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ኣብ ማእሰርቲ ኣትዮም ወይ ድማ ነቲ ምርጫ ተሓሲሞሞ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ እቲ ብኣብዪ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ክዕወት ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ "ካብ ዘይክውንነታዊ ትጽቢትን፡ ኣብዪ ብዛዕባ ርእሱ ክሃንጾ ዝፈተነ ውልቀ-መለኮት" ዝብገስ ምዃኑ ኣቶ ኣደም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ካብ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ህዝብን፡ ሕጂ ድማ ካብ ቀንዲ መሻርኽቲ ምዕራባውያን ሃገራት እምነት ኣብ ዝሰኣነሉ ኩነታት፡ ሰላም፡ ደሞክራስን ብልጽግናን" ከምጽእ ምዃኑ ተመባጺዑ ነይሩ።
ንኣብዪ እቲ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከሻቕሎ ከምዝኽእል ግን ንጹር ኣይኮነን።
ምስ ጋዜጠኛታት ቃለ-መሕትት ካብ ምግባር'ኳ እንተ ተቖጠበ፡ ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ክኣቱ ግን ባህ ዝብሎ'ዩ ዝመስል።
ኣብ ዝተፈላለዩ መደረታቱ ደጋጊሙ ክብሎ ዝስማዕ፡ ዋላ'ኳ ኢትዮጵያ ዓቢ ብድሆ ኣጋጢምዎ እንተሎ፡ ክትሰግሮ ምዃና ዝገልጽ'ዩ።
እቲ ዝቐርበሉ ነቐፌታ፡ ዘይተርፍ ሳዕቤን ናይቲ ለውጢ ንምምጻእ ዘካይዶ ፈተነታት ምዃኑ ጌሩ ዝወስዶ'ዩ ዝመስል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







