ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኬንያን ጉዕዞ ጀሚሩ

ጄፍሪ ፌልትማን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጄፍሪ ፌልትማን

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኬንያን ጉዕዞ ከም ዝጀመረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ጄፍሪ ፌልትማን ካብ ሰኑይ 31 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ ቀዳም 5 ሰነ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ኬንያን ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብዘን ሃገራት ኣብ ዘካይዶ ጉዕዞ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰን ጉዳያት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝዘራረብ ክግለጽ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ምስ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ከም ዝራኸብ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ የረድእ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ "ምስ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ተራኺቡ ኣብ ምዕባለን ምርግጋእን እቲ ዞባ ትኹረት ዝገበረ ዘተ ከካይድ'ዩ" ክብል እንከሎ፡ "ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኩሎም ወገናት ዝቕበሉዎ ስምምዕ ክብጻሕ" ዘኽእል ዘተ ከም ዘካይድ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከም ዘተሓሳሰቦ ዝገለጸ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ተመሊሱ ናብ ሃገራት ቀርኒ ፍሪቃ ከም ዝጉዓዝ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ናይ ሕጂ ትኹረቱ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝኾነ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት።

እተን ጄፍሪ ፌልትማን ምብጻሕ ዘካይደለን ሃገራት ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ወተሃደራውን ጉዳያት ዘለወን እጃም እናዓበየ ክመጽእ እንከሎ ኣብ ጎኒ ኣመሪካ እትገብሮ ጻዕሪ ንክስለፋ ጻዕሪ ንምግባር ከም ዝኾነ ይግመት።

ኬንያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ጽልዋ እናጎልሐ ይመጽእ ኣሎ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብምግባሩ፡ ብሓባር ሽብርተኝነት ንምቅላስ ኣብ ቀረባ ምስ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ልምምድ ንምግባር ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጡ ወተሃደራት ናብ ኬንያ ከም ዝልኣኹ ተገሊጹ'ዩ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘለዋ ጽልዋ ዝዓቢ ዘሎ ቀጠር ብወገና ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ድሕነትን ዲፕሎማስን እጃም ዝዓዘዘ ምዃኑ ይግለጽ።

ቅድም ኢሉ ምስ ሱዳንን ኤርትራን ጥቡቕ ዝምድና ዝነበራ ቀጠር ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ምስ ኢትዮጵያን ሶማሊያን'ውን ርክባ ክጠናኸር ገይራ እያ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኤርትራን ከምኡ'ውን ኤርትራን ጅቡትን ዝነበረ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብን ዓብዪ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ኮይነን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ዘይንዓቕ ግደ ከም ዘለወን ይዝረብ።

ክልቲአን ሃገራት ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዝምድና ዘለወን ኮይነን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልተ ዓሰርታት ዓመታት ዝዘለቐ ዘይምቅዳው ኣብ ምፍታሕ ሓጋዚ ተራ ከም ዝነበረን ይእመን።

ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ድሕነት ዘለወን ኣበርክቶ ቀሊል ከም ዘይኮነ ይግለጽ።

line

ጄፍሪ ፌልትማን ቅድም ኢሉ ዘካየዶም ጉዕዞታት

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኮይኑ ዝተሾመ ፌልትማን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣብ ግብጺ ሓዊሱ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ይዝከር።

ፌልትማን መጀመርታ ካብ 26 ሚያዚያ ክሳብ 5 ግንቦት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ናብ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተጓዒዙ ነይሩ።

እቲ ምብጻሕ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ ግደብ ሕዳሰ ንዓመታት ዝዘለቐ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ምንባሩ ይእመን።

ጉዕዝኡ ብግብጺ ዝጀመረ ፌልትማን ኣብ ካይሮ ምስ ፕሬዝደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝነበሮ ዘተ፡ ኣልሲሲ ግብጺ ካብ ሩባ ኣባይ እትረኽቦ ብጽሒት ክጎድል ኣይትዕገስን ክብል እንከሎ ኣምባሳደር ፌልትማን ብወገኑ ምምሕዳር ባይደን ኣብቲ ዞባ ዘለው ግዜ ዘይህቡ ጉዳያት ንምፍታሕ ትኹረት ከም ዝገብር ገሊጹ ክብል ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ነይሩ።

ፌልትማን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ምስ ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ዘተ ከካይድ እንከሎ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለው ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ኣመሪካ ብሓባር ክትሰርሕ ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊጹ ክብል ሚኒስትሪ ዜና የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ጄፍሪ ፌልትማን ብፍሉይ ንጉዳያት ኢትዮጵያ ክከታተል ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኮይኑ ኣብ ልዝብን ሽምግልናን መጽናዕቲ ብምክያድን ሃገራት ኣብ ምድርዳርን ሰፊሕ ተሞኩሮ ከም ዘለዎ ይግለጽ።

ኣማኻሪ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ባንኪ ሙንን ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተሬዝን ዝነበረ ፌልትማን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒሰትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ን26 ዓመታት ኣገልጊሉ'ዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሊባኖስ፣ ዒራቕ፣ እስራኤል፣ ቱኒዝያ፣ ሃንጋሪን ሃይትን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኮይኑ ኣገልጊሉ።