ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ትግራይ ተዅሲ ክቋረጽ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ትግራይ ተጻብኦታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብሉን ጥሜት ከይስዕብ ዘይተገደበ ቐረብ ረድኤት ክበጽሕን ጸዊዑ።
እቲ ብቤት ጽሕፈት ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ትማሊ ረቡዕ ኣማስዩ ዝወጽአ መግለጺ ንጾታዊ ዓመጻት ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
"ካብ ዝኾነ ይኹን ዓሌትን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ስድራቤታት ኣብ ሃገሮም ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ኣብ'ቲ ክልል ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ ትግራይ ሓያል ጥሜት ከየጋጥም ስግኣቶም ከም ዝገለጹ ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ረድኤት ብዘይገደብ ክሓልፍ ከፍቕዱ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ ኩሎም ተጸባእቲ ሓይልታት ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብቲ ክልል ብቕልጡፍ ክወጽኡን ሓቲቱ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ 'ምጽናት ዓሌት' ይፍጸም ኣሎ ብምባል ንፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ ምኽሳሱን ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ምሕታቱን ይዝከር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብቲ ክልል ተፈጺሙ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምንጻግ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ምንቅስቓስ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ ብምባል ተቓዊሙዎ'ዩ።
ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብተደጋጋሚ ሻቕሎቱ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ብሰኔቱ ኣቢሉ ኣብ ጉዳይ'ቲ ክልል ውሳነ ኣሕሊፉ፤ ጸኒሑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ኣዊጁ።
እቲ እገዳ መገሻ ንገለ መራሕቲ ህወሓትን መራሕቲ ክልል ኣምሓራን'ውን ይምልከት እዩ።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ውሳነ እገዳ ነጺጎም መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።
ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት እቲ ውሳነ ነቲ ልዕሊ 100 ዓመት ዘቑጸረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምኽላስ ከም ዝግደድ'ውን ገሊጹ።
በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ፡ ሸውዓተ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት እንትቕተሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ንሱዳን ተሰዲዲም፤ ልዕሊ 1.7 ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ይግለጽ።
ከምኡ ድማ፡ ሰፊሕ ዝኾነ ዝምታን ጾታዊ ዓመጻትን ከም ዝተፈጸመን ሓያል ጥሜት ኣንጸላልዩ ከም ዘሎን ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይገልጻ።
ጆ ባይደን ካልእኸ እንታይ ኢሉ?
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ መግለጺኡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተጋደደ ዝመጽኡ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ከምኡ'ውን እናኸፍአ ዝመጽእ ዘሎ ዓሌታዊን ክልላውን ምትፍናናት ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ ሓቢሩ።
ሓድነት እታ ሃገር ንክሕሎን መሰል ህዝብታት ንክኽበርን መራሕቲ ኢትዮጵያን ትካላቶምን ንዕርቂ፣ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ'ውን ብዝሓነት ንምኽባር ክሰርሑ ጸዊዑ።
ነዚ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ኣርኣእያ ዘለዎም ኣካለት ዝሳተፍሉ ሃገራዊ ዘተን ምይይጥን ክግበር ክፈቕዱ ሓቲቱ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ነዚኦምን ካልኦት ከም ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ዝኣመሰሉን ዞባዊ ጸገማት ፍታሕ ንምንዳይን ንምሕጋዝን፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጆፍሪ ፌልትማን ንኻልኣይ ግዜ ተመሊሱ ናብቲ ዞባ ተንቀሳቒሱ ጻዕሪ ከም ዘካይድ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







