ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሾሞንተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, American Embassy
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ድሕነትን ህይወትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘለው ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክሕልው ጸዊዑ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተቐትሉን ኣብ ካልእ ከባቢ እታ ሃገር'ውን ካልእ ሓደ ሰራሕተኛ ከም ዝሞተን ገሊጹ።
ስለ ዝኾነ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓዊሱ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ምሕላው ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ዘይተገደበ፣ ቐጻልን ውሑስን መገዲ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከፍቅዱን ንሰራሕተኛታት ሓገዝ'ውን ከየተዓናቕፉን ጸዊዑ።
"ኩሎም ነቲ ብምኽንያት ግጭት ዝተሃሰየ ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ እናሃለው'ዮም ተቐቲሎም" ይብል እቲ መግለጺ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝበጽሕ ዘሎ ቕትለት ከም ዝኹንኖን፡ ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምኡ'ውን ነዚ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሉ።
"ኣብ ቀረባ፡ ን28 ሚያዚያ 2021 ኣብ ቆላ ተምቤን ሓደ ኣባል ዩኤስኣይዲ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቲሉ'ዩ። መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝበሉዎ ከኣ እቲ ውልቀሰብ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዃኑ ብምግላጽ እቶም ሰራዊት ከይቐትሉዎ ተማሕጺኑዎም'ዩ" ይብል።
እዚ፡ መዓልታዊ ድሕነት ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለው ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ የንቆልቁል ምህላው፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሰብኣዊ መሰላትን ምህላዩ ዘመላኽት'ዩ ብምባል ኮኒኑዎ።
ህይወቶም ንሓደጋ ተቓሊዑ እናሃለወ፡ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ኮይኖም ኣገልግሎት ንዝህቡ ዘለው ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝእንድ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ቅትለታት ክኹንኖም፣ ገበናት ኣጻርዩ'ውን ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ከፍልጥ ኣተሓሳሲቡ።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ትካል ሓገዝ ኣመሪካ ዝኾነ ዩኤስኣይዲ፡ ኣበየናይ ክፋል እታ ሃገር ምዃኑ እንተዘይገለጸ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ጥምየት ምህላው ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሰኔት ኣመሪካ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምግምጋም ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሓሳብ'ውን፡ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ደው ክብል ክሓትት እንከሎ መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምምሕያሽ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ከየዕንቅፉን ንዝግበሩ ምጽራይ ገበናት ክተሓባበሩን ጸዊዑ።
ብዘይካ እዚ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኩሎም ሓይልታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ክካየድን ጠሊቡ'ዩ።
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን፡ ንክልተ ዓመታት ፈኸም እናበለ ዝጸንሐ ፍሕፍሕ ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዘምርሕ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ከም ዘለውን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ይግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







