ግድብ ህዳሰ፡ ኣመሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ

ፌልትማን ምስ ኢትዮጵያውያን ተደራደርቲ

ምንጪ ስእሊ, FBC

ኣመሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ግድብ ህዳሰ ከምእትድግፍ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፈሪ ፌልትማን፡ ሃገሩ ነቲ ሰለስቲአን ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝሰሓሓባ ሃገራት፡ ብመሪሕት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካይደኦ ዘተ ንምሕጋዝ ድሉውቲ እያ ኢሉ።

እቲ ልኡኽ ትማሊ ምስ ሚኒስተር ማይ፣ ጻዓትን መስኖን ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ተዘራሪቡ።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ትማሊ ምስ ኣባላት ተደራዳሪ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ከም ዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ስለሺ በቀለ እውን ብዛዕባ እቲ ግድብ ዝበጸሖ ናይ ህንጸት ደረጃን እቲ ሕብረት ዝመርሖ ዘተን ኣመልኪቶም ምስ ኣምባሳደር ፌልትማን ንጹር ዘተ ከም ዘካየዱ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ እዩ፡፡

ኣመሪካ ብዘይ መድልዎ ሓገዝ ከም እትገብርን ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንሰለስቲአን ሃገራት ተጠቀምቲ ኣብ ዝገብር ስምምዕ ክበጽሓ ድልየት ከም ዘለዋን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ከም ዝገለጸ 'ውን ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፖለቲካዊ መራሕትን ሓለፍቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር፡፡

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፡ ሃገሩ ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናይ ጸጥታን ሰብኣዊ ጸገማትን ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ክፍትሑ ጻዕሪ ንምግባር ዘለዋ ውፉይነት ንምርግጋጽን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ናይ ትሕብብር ፖሊሲ ንምጥንኻርን እዩ ተባሂሉ፡፡

ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ከም ዝተመዘዘ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ንሱ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጽኡ፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፣ ሱዳንን ኤርትራን ከም ዝተዘራረበ ይዝከር፡፡

ኣምባሳደር ፌልትማን ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ሱዳን ጻንሒት፡ ናብ ኣስመራ ተጓዒዙ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኣርባዕተ ሰዓታት ከም ዝተዘራረበ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ኣብቲ ዘተ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ጸገማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ሓቢራ ንምስራሕ ውፉይቲ ምዃና ከም ዝገለጸ እውን እቲ ሚኒስተር ዜና ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ እዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ ምስ ፕረዚደንት ኣብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳሚህ ሽኩሪን ሚኒስተር ማይ እታ ሃገርን ከም ዝተራኸበ ይዝከር፡፡

ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ "ግብጺ ካብ ሩባ አባይ እትረኽቦ ብጽሒት ማይ እንተነክዩ ኣይክትዕገስን" ከምዝበለ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ እዩ፡፡

እቲ ልኡኽ ብወገኑ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ፍታሕ ኣብ ምርካብ ትኹረት ከም ዝገብር ምግላጹ ምንጪታት ብምጥቃስ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢሩ፡፡