ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ንምዝርራብ ፍሉይ ልኡኽ ክሰድድ'ዩ

ዝተመዛበሉ ስድራቤታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ሰነተር ክሪስ ኩንስ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቶም ክስታት "መሰረት የብሉን" ክብል ነጺግዎ'ዩ።

ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት'ውን፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓባራዊ መርመራ ንኽገብሩ ከምዝተሰማመዐት ኣፈኛ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ብ03 ሕዳር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ፡ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ "ሰሜን እዝ" መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ4 ሕዳር " ስርሒት ሕጊ ምኽባር" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ ቅልውላዉ ትግራይ ዝውዕል 52 ሚልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት-ንብረቶም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ካብ ቤቶም ዝሃደሙ ልዕሊ 60, 000 ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ መቐለ፡ እቲ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ እንተነበረ፡ እቲ ኩናት ግን ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ቀጺሉ ይቕጽል ኣሎ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ኣባላት ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል፡ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ካብ ዝተመዛበሉ ቘልዑትን ኣደታትን ንሕማምን ጥምየትን ተቓሊዖም ከምዘለው ገሊጹ።

እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ እቲ ትካል ጠቒሱ።

ሓላፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ጃን ኢገላንድ፡ ''ኣብ ሽራሮ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ጽንኩር እዩ። ስድራ ቤታት መዓልታዊ እየን ዝመጽኣ ዘለዋ። እቲ ዘሎ መግብን መድሃኒትን ድማ እናተወደኣ ይኸይድ ኣሎ'' ኢሉ።

እቲ ሓላፊ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ እዋኑ እንተዘይበጺሑ፡ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ'ውን ኣጠንቒቑ። ንሱ ብተወሳኺ፡ ''ብንሰኪ ጥምየት እተን ዘጥብዋ ኣደታት ንደቀን ጸባ ስኢነናሎም'' ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብቶም ቅድም ኢሎም ዓንዮም ዝነበሩ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽን ሸመልባን ከምዝበጽሑ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ፡ ኣብዘን ክልተ መዓስከር ስደተኛታት፡ ኣስታት 33000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ እቲ ኵናት ግን ናብ ሽረን ከባቢኡን ከምዝተበተኑን፡ ካልኦት ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተውን ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብተን መዓስከራት፡ ዝኾነ ስደተኛ ከምዘየለን፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ 3,000 ሰባት ኣብቲ መዓስከራት ከምዘለውን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝተዓቚቡ ስደተኛታት ኣስታት 100, 000 ከምዝነበሩ ጸብጻት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።

ሓላፊ ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል ጃን ኢገላንድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸበጽሕ ዝከኣሎ ክገብር ድማ ተማሕጺኑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ምስ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብምዃን ነቶም ተመዛቢሎም ዘለው ሰባት ሐገዝ ንምሃብ ተወሃሂዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ ኩናት ብኸመይ ተጀሚሩ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

ብ3 ሕዳር 2020 ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።