ቅልውላው ትግራይ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትግራይ ሓባራዊ መርመራ ክገብሩ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓባራዊ መርመራ ንኽገብሩ ከምዝተሰማመዐት ኣፈኛ እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ኩሎም ሓይልታት፡ ጥሐሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት ከምዝፈጸሙ ዘርኢ ኣፈናዊ ትንታነ ከምዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።
"ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓበራዊ መርመራ ንምክያድ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ሕቶ ብኣውንታ ተቐቢልዎ'' ክብል ኣፈኛ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጆናታን ፋውለር ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ህወሓት፣ ሰራዊት ኤርትራ ከምኡ ድማ ክልላዊ ሓይልታት ኣምሓራን ሚሊሻታቶምን፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት፡ ከምኡ'ውን ገበናት ኩናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓበሬታታት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምሩ መደብ ከምዘለዎም እቲ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ጠቒሱ።
ኣብዚ ሰሙን ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣስታት 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከምዝዓነዉን ኣቑሑቶም ከምዝተዘምተን ሓቢሩ።
እቲ ኩነታት ድማ ኣብቲ ህዝቢ "ከቢድ ሃስያ" ኣስዒቡ ምህላዉ እቲ ማሕበር ገሊጹ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ዝበዝሑ ካብቶም ትካላት ንቡር ስርሖም ከምዝጀመሩ'ዮም ዝገልጹ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ4 ሕዳር "ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ መቐለ፡ እቲ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ እንተነበረ'ኳ፡ እቲ ኩናት ግን ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ቀጺሉ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።
ካብቲ መረበቶም ዝሃደሙ ልዕሊ 60, 000 ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣመዓባብላ ጎንጺ ትግራይ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ መንግስትን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ግን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ፡ "ዘይሕጋዊን ትርጉም ኣልቦን" ምዃኑ ብምግላጽ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
'ክራይስስ ግሩፕ' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ጎነጽ ከየምረሐ እንከሎ ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2020 ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፋና ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ክልል ትግራይ ናይ ምውጋእ መደብ እንተለዎ ምስ ተሓተተ፡ "ናይ ዕብዳን ዘረባ'ዩ፡ ካብ [ባሃሊኡ] ደጋሚኡ" ክብል መሊሱ። ንሱ ይኹን እቲ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ሃቐነ ከም ዘይብሎም'ውን ገሊጹ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







