ህጻናት ዝርከቡዎም ተመዛበልቲ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም -ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ክልል ትግራይን ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ኣብ 39 ተበጻሕቲ ከባቢታት ጥራይ ልዕሊ 131 ሸሕ ሰባት ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም) ብዘካየዶ ዳህሳስ ከምዝረኸበ ገሊጹ።
እቲ ካብ 22 ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ 14 ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ [ማለት'ውን ምዕራብ፣ ደቡብ ምዕራብ፣ ደቡባዊ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን] ዘትኮረን፡ ነተን ኣብቲ እዋን ተበጸሓእ ኣይነበረን ዝበለን ማእከላይን ምብራቓውን ዞባታት ትግራይ ከምዘይሓውስን ኣብ'ቲ ጸብጻቡ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ጎንጺ፤ 4 ሕዳር ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ዘቑጸረ ኾይኑ፡ ዳርጋ መላእ ከባብታት እቲ ክልል ተጸልዩ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
እቲ መረዳእታ፡ በዝሒ ህዝቢ፣ ተቓላዕነትን ድልየት ዝተመዛበሉ ሰባትን ኣመልኪቱ ሓበሬታ ንምእካብን ንምትንታንን ብዝጥቀመሉ ሓዱሽ መስርሕ (ዲ ቲ ኤም) ኣቢሉ ከምዝረኸቦ እቲ ኤጀንሲ ፍልሰት ውድብ ህቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
በዚ ድማ 30,383 ስድራቤታት፡ ምምዝባሎም ከምዘረገጋጸ ዓለማዊ ትካል ፍልሰት ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ከምዝሓበሮ፡ እቶም ብዙሓት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም ተመዛበልቲ ህጹጽ ሓገዝ መጽለሊ፣ ምግቢን ጽሩይ ማይን ዘድልዮም እዮም።
"እቲ መረዳእታ ፡ ብምኽንያት እቲ ቅልውላው ዝተመዛበሉ ጠቕላላ በዝሒ ሰባት ዘመልክት ዘይኮነስ እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ኣብ ተበጻሕቲ ከባብታት ዝረኸቡዎም ተመዛበልቲ ጥራሕ ዘርእይ እዩ" ይብል ኣይ ኦ ኤም።
ክልል ትግራይ፡ ነቲ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ቅድም ክብል ነቲ ክልል ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን ዝተወለዐ ኩናት ማእከል ኮይና ጸኒሓ እያ።
ክልቲኦም ሓይሊታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓወታሃደራዊ ወፍሪ ምስ ጀመረ ናብ ቅሉዕ ኩናት ኣትዮም።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ዝነበረ ፍሕፍሕ፡ ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ 'ሓይሊታት ህወሓት ወታሃደራዊ ማእከል ኣጥቂዖም' ኢሉ ድሕሪ ምኽሳስ፡ ሕዳር 4 ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ኣዋጀ፡ ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ምምርሑ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር፡ ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ይገልጹ።
ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ኣማኢቲ ኣሻሓት እንትመዛበሉ፡ ናብ ሱዳን ድማ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ምስዳዶምን፣ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ይዝረብ።
ኣብቲ ክልል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







