ሰቲት፡ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ጋዜጠኛ ፕሮፌሰር ኣሮን ብርሃነ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Aaron Berhane
ኣብ ባሕቲ ግንቦት 2021 ብሃንደበታዊ ሕማም ዝተኾልፈ መስራትን ኣዳላውን ናይታ ፈላሚት ኤርትራዊት ጋዜጣ ብሕቲ "ሰቲት" ነበር፡ ድሕሪ ስደቱ ብዘኻዕበቶ ትምህርትን ፍልጠትን ናይ ፕሮፌሰር መዓርግ ዝተዋህበ ኣሮን ብርሃነ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት እዩ።
ሃንደበታዊ ሕልፈት ኣሮን ንብዙሓት ፈለጥቱን ፈተውቱን ተኸታተልቲ መደባቱን ኣዝዩ እዩ ኣሰምቢዱዎም። ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራ ንክረጋገጽ ኣብ ኤርትራን ስደትን ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ዝፈልጡዎ ብጾቱን መቓልስቱን ተኸታተልቲ መደባቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሞቱ ዝተሰመዖም መረር ሓዘን ይገልጹ ኣለው።
ኣሮን ብርሃነ መን እዩ?
ኣሮን ብርሃነ፡ ብ1969፡ ካብ ጽቡቕ ዝመነባበሮኣ ስድራ ቤት ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ምስ አሕዋቱን ስድርኡን ብፍቕሪ ማሚቚ ዓብዩ።
እንተኾነ ብ1975 ስርዓት ደርግ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣስመራ ብዙሓት ተሓባበርቲ ሻዕቢያ እዮም ንዝበሎም መንእሰያት ዝቐትለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምስ ህዝባዊ ግንባር ርክብ ዝነበሮ ወላዲኡ "ጠፋእካ" ምስተባህለ፡ ነብሱ ከውጽእ ደቁን ሓዳሩን ገዲፉ ንበረኻ ከይዱ።
ንወላዲኡ ኣቶ ብርሃነ ዝደለዩ ኣባላት ጸጥታ ደርግ ንገዛ መጺኦም፡ ብርሃነ ተሓቢኡ ከይህሉ ክፈታትሹ ነታ ገዛ ግልብጥብጥ ኣቢሎምዋ። ንኣቡኡ ስለዝሰኣኑዎ ከኣ ንጓል ሸሞንተ ወርሒ እትጠቡ ሕጻን ሓፍቱ ካብ ወላዲታ መንጢሎም ኣብ ዓራት ብምድርባይ ንኣዲኡ ኣሲሮም ወሲደምዋ። ሽዑ ኣሮን ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቖልዓ እዩ ነይሩ።
እቲ ዝዓበየ ወዲ 14 ዓመት ዓቢ ሓውን እታ ዝነኣሰት ጓል ሸሞንተ ወርሒ ሕጻን ሓፍቱ ዝርከቡዎም አሕዋቱ ግፍዒ ገዛእቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክፍጸም ርእዮም።
ብድሕሪኡ ቤተሰብ ናብ እንዳ ኣባሓጉኦም ወሲዶምዎም። ኣይደንጎየን ግን እቲ ገዲፉዎም ናብ በረኻ ዝወጽአ ተጋዳላይ ወላዲኦም፡ በዓልቲ ቤቱ ምስተፈትሐት ካብ ዓዲ ጠራኒፉ ንኹሎም ደቁ ሒዙዎም ንሳሕል ወሪዱ።
ኣሮን እምበኣር ካብ ዕድመ ቑልዕነቱ ብተመሳሳሊ ግፍዒ ጸላኢ ካብ ቤት ንብረቶም ምስ ዝተመዛበሉ መዘናታቱ ቖልዑ ኣብ በረኻታት ሳሕል ኣብ ኣጻድፍን በዓትታትን ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃንጸ ጎዳጉድን ከምዘሕለፎ ሓደ ካብ መተዓብይቱ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ጸጋይ ገብረሂወት ይዛረብ።
ጸጋይ፡ ንኣሮን ወዲ 10-11 ዓመት ኣቢሉ እንከሎ ኣብ ሳሕል'ዩ ዝዝክሮ። ኣብቲ ቖልዑት ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣሮን ከም ዝኾነ ቖልዓ ሃንደራእ ኢሉ ዘይዛረብ ኣዝዩ ስቕ በሃሊ ህዱእ ሰብ ምንባሩ ይዝክሮ።
ኣብ ቁልዕነቱ ሓጺርን ከቢብን ብምንባሩ "ኣሮን ከቢብ" ተባሂሉ ይጽዋዕ ምንባሩ፡ ዳሕራይ ኣብ ጉብዝንኡ ቁመት ምስ ወሰኸ ከኣ ንፉዕ ተጻዋታይ ባስኬተ -ቦል ምዃኑ ይነግር።
ኣሮን ኣብ መደብ ምጥፋእ መሃይመነት ኣብ ቃልሲ
ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ 1983 ኣብ ሓራን ሓውሲ ሓራን ገጠራት ንዝርከቡ፡ ብሰንኪ ኵናትን ማሕበራዊ ናብራን መጓሰን ሕርሻን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንዘይረኸቡ፡ ጓሶትን ሓረስቶትን ኣዴታትን ኣቦታትን ምጽሓፍን ምንባብን ንኪኽእሉ ዘንቀደ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣዊጁ።
እቶም ኣብዚ ዕማም እዚ ዝተሳተፉ ከኣ ኣብ ሓራ መሬት ሳሕል ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ቁሩብ ናይ ትምህርቲ መንቋሕቋሕታ ዝረኸቡ ኣሮንን ብጾቱን ነይሮም።
እዞም ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዘይመልኡ ትሕተ ዕድመ ቖልዑ በቲ ሓደ ብረት በቲ ሓደ ከኣ መምሃሪ መጻሕፍቲ ዝመልአ ማህደር ተሰኪሞም ብቕሳነት ክትምህረሉ ኣብ ዘይከኣል ጽንኩር ቦታታት ተበላሒቶም መሃይምነት ከጥፍኡ ስራሕ ጀሚሮም።
ኣሮን ዝርከባላ ኣሃዱ ምምህርና፡ ኣብ ዞባ እገላ ሓጺን ቴድረር ትምዝኣ፡ ኣብ ቀላይ በዓልቴት ስራሕ ጀሚራ። ኣሮን ኣወሃሃዲ እታ ጉጅለ ዘመተ ምምህርና ምንባሩ ሓላፊ ጋንትኡ ነበር ሰሎሞን ወልደንኪኤል (ሃለቃ) ይዛረብ።
ህዝቢ እታ ኣሮን ዝምህረላ ዝነበረ ቀላይ በዓልቴት እትበሃል ዓድን ከባቢኣን፡ ፈለማ ነቲ ወፈራ ምጥፋእ መሃይምነት ኣይተቐበሎን ነይሩ። ዳሕራይ ግን ብሓውሲ ግዴታን ምርድዳእን ክመሃሩ ምስ ረደዩ፡ ብልዑል ጻዕሪ በዓል ኣሮንን ብጾቱን ኣብ ዓመትን መንፍቕን ኣቢሉ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ክጽሕፉን ከንብቡብን ምስ በቕዑ፡ እቶም ዓዲ፡ " ብርሃን ይሃብኩም - ብርሃን ሂብኩሙና!" ብምባል ከምዝመስገኑን እዚ ከኣ ሳላ ጻዕሪ በዓል ኣሮን ምንባሩ ይዝክር ሰሎሞን።
ኣብ መስርሕ ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት ብዙሓት ትሕተ ዕድመ መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ብቃጻ ሃድን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐትሉን ተወጊኦም ዝተታሕዙን መንእሰያት ምንባሮም እቲ ወፍሪ ከቢድ ዋጋ ከምዝተኸፍሎ ይሕብር መጋይሽቱ።
ኣሮን ከም መስራትን ኣካያድን ጋዜጣ ሰቲት
ኣሮን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቓሊሱ፡ ሰለስተ ኣባጽሕ አሕዋቱ ከፊሉ ምስ ዝተረፉ አሕዋቱን ወለዱን ኣብ 1991 ናጽነት ክርኢ በቒዑ። እንተኾነ እታ ኣብ ሳሕል ኣብ አእምሮኡ ዝተሃንጸት፡ 'ንዜጋታት ብፍትሕን ልዕልና ሕግን እተነባብር፡ ብልጽግትን ስልጥንትን ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣይረኸብኩዋን' ይብል ኣሮን።
ነቲ ኣብ ብሰርዓት ደርግ ዝተወርሰ ንብረት ወላዲኡ ከጻርን ከምልስን ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ንዝዕዘቦ ዝነበረ ድኹም ምሕደራ ንኽመሓየሽ ብተደጋጋሚ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ደብዳበታት ቀጻሊ ርእይቶ ይጽሕፍ እኳ እንተነበረ ግን ሰማዒ ከምዘይረኸበ ምስ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ይዛረብ።
ብድሕሪኡ እምበኣር ድምጽኻ እተስምዓሉን ናይ ዘተን ልዝብን መድረኽ ዝኸፍት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣገዳሲ እዩ ስለዝበለ ብዓቕሞ ዝኽእሎ መጽናዕቲ ብምክያድ ብ1996 ሕጊ ፕረስ ምስተኣወጀ ቀዳመይቲ ነጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት መስሪቱ ንሓርነታዊ መሰል ዜጋታት ክቃለስ ጀሚሩ።

ምንጪ ስእሊ, PEN ERITREA/ ABRHAM T.
እቲ ብፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ጥራሕ ተባሒቱ ዝነበረ ጋዜጠኝነት ካልእ ርእይቶን ድምጽን ዘቕርቡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምስ መጽኡ ቀልጢፉ ዓብዩን ሰሲኑን። ደድሕሪ እታ ፈላሚት ጋዜጣ ሰቲት፡ ሌላና፡ ቀስተ-ደበና፡ ጽጌናይ፡ ኣድማስ፡ ዘመን፡ ዊንታና ካልእን ጋዜጣታት ፈልፊለን።
"ካብ መንግስቲ ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥመና እኳ እንተነበረ ብዝተኻእለና መጠን ስንና ነኺስና ቀጺልና" ይብል ኣሮን ቅድሚ ሕልፈቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት።
እተን ዝበዝሓ ኣብ ጽንኩር እዋን ኩናት ዶባት ዝተወልዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ብጾቱን ብዝተኸስተ ናይ ደሞክራሲያዊ ሕቶን ለውጥን ምኽንያት እተን ጋዜጣታት ርእይቶ ናይቶም ኣብ ጋዜጣታት መንግስቲ ርእይተኦም ከይቃላሕ ዝተነፍጉ ነቐፍቲ መራሕቲ ስለዘአንገዳ ብሰሉስ 18 መስከረም 2001 ብወግዒ ተኣጊደን ኣባላተን ከኣ ክእሰሩን ክህደኑን ጀሚሮም።
ኣሮን "ብዙሓት መሳርሕትና፡ መንግስቲ እዚ ነገር ክሳብ ዝሃደእ እዩ ዝኽልክለና ዘሎ እምበር እቲ ኩነታት ምስ ሃድአስ ስራሕና ክንቅጽል ከፍቅደልና እዩ" ዝብል ርእይቶ እኳ እንተነበሮም ኣሮን ግን " ደጊም ነገራት ተበላሽዩ እዩ ክንጥንቀቕ ጥራሕ እዩ ዝግበኣና" ዝብል ርእይቶ ከምዝነበሮ ዝተሰነደ ታሪኹ የረድእ።
ኣይደንጎየን ከኣ መንግስቲ ንኣሰናዳእቲ እተን ጋዜጣታት ክኣስሮም ምስ ጀመረ ኣብ ዶብ ብጠያይት አሕዋቱ ተሳሒቱ ንሱዳን ኣትዩ።
ካብኡ ንካናዳ ኣትዩ ኣብቲ ንሓርነት ዝግበር ቃልሲ፡ ፊተ መሪሕ ኮይኑ ክዋሳእ ከምዝጸንሐ ኣብ ሓያሎ መደባት ሓቢራቶ ዝሰርሐት ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ትሕብር።
ኣሮን ኣብ ከናዳ ድሕሪ ምእታው ደኺመ ከይበለ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ፡ ካብ 2003-2004 ኣባል ክፍሊ ጋዜጠኝነት፣ ካብ 2005-2006 ኣብ ጆርጅ ብራውን ኮሌጅ ኣብ 'ምትሕብባር ፍሉይ ፕሮጀትታት'ን መምህርን ኰይኑ ሰርሐ።
ጋዜጠኛ ኣሮን ሓያለ ኣህጕራዊ ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝረኸበን፡ ካብ 2005-2006 ኣብ ሸሪዳን ኮሌጅ ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2015 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርየርሰን ከም ተሓጋጋዚ ምርምር፣ ካብ 2016 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ክፍሊ Liberal Art & Science ኮሌጅ ጆርጅ ብራውን፡ መምህር [ፕሮፈሰር] ኰይኑ ክሰርሕ ጸንሐ።
በቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ኣበርክቶ ድማ ኣብ 2009 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ስቲፈን ሃርፐር፡ ሽልማት ክወስድ ዝበቕዐ፡ ዕውት በዓል ሞያ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Pen Eritrea
ኣሮን ከም ድምጺ ውጽዓት
ኣሮን ዕድለኛ ኮይኑ ካብ ሃድንን ማእሰርትን ስርዓት ኣስመራ እኳ እንተምለጠ ብዙሓት ካብቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ጋዜጠኛታትን ገዳይም መራሕቲ ግንባርን መንግስትን ተኣሲሮም ኣብ ዒላዒሮ ምስተዳጎኑ ኣብ ስደት እውን ኣይቀሰነን።
ለይትን ቀትርን ብሓሳብን ዝኽርን ምሰኦም እዩ ዝሓድር። ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያታት-ፍትሒ፡ ወጽዐኦም ክነግር ኣይደቀሰን። ጽልዋ ምስ ዘለዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ መጋባእያ ባይቶ ሕቡራት ሃገራትን እናቐረበ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የረደእን ውልቃዊ ተመኩሮኡ የካፍልን ነይሩ።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓንቲ ካብቶም ናይ ቀረባ መቓልስቱ ኤልሳ ጭሩም "ኣሮን ንካናዳ ምስተሰደ እውን ንቅሓት ህዝቢ ንምዕባይ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እትህብ "መፍትሕ" ዝስማ ጋዜጣ መስሪቱ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንኣስተምህሮኣዊ ጽሑፋት ከምዘበርከትን ንጸሓፍቲ ሓሳቦም ክገልጹ ባይታ ከምዝፈጠረን" ትሕብር።
ብተወሳኺ ኣሮን እቲ ኣብ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ናይ 2% ግዱድ ግብርን ጸቕጥን ብደረጃ መንግስቲ ካናዳ ደው ከምዝብል ዝገበሩን ዝጸዓሩን ውፉያት ሰባት ሓደ እዩ ክትብል ትገልጾ።
ኣብ ርእሲኡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ሰብኣዊ መሰላት እናተረኽበ ስለቶም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ናይ ስራሕ ብጾቱን ብምጽሓፉን ምምጓቱን ካብ ዝተፈላላዩ ማሕበራትን ትካላትን ሽልማት ከምዝተቐበለ ተረድእ።
ኣብ ካናዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ከኣ ከም ጋዜጠኛ፡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምስ ኢምግሬሽን ኣብ ዝተተሓሓዝ ጉዳያት ኣማኻርን መምህርን ኮይኑ ክነጥፍ ምጽንሑ ዝፈልጡዎ ይሕብሩ።
ኣሮንን ስድራ-ቤቱን
ስድራ-ቤታት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ኤርትራ ግዳይ ፖለቲካዊ ዓፈና ኮይኖም ከቢድ ዋጋ እዮም ዘሕልፉ። ንነገሩ ምልካዊ ስርዓታት ብስም እምበር ብተግባር ኣይፈላለዩን እዮም ዝብል ጸጋይ ገብረሂወት፡ መለኽቲ ኣፍ ተቓወምቶም ንምዕባስ ንትሕተ ዕድመ ቖልዑ ከይተረፈ ግዳይ ከምዝገብሩዎም ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ እዩ።
ስድራ ቤት ኣሮን ብርሃነ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ እዩ ኣጋኒፉዎም። ነቶም ነብሱ ከድሕን ደቂሶም እንከለው ስዒሙዎም ዝተሰናበቶም ደቁን በዓልቲ ቤቱን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ጽምዋ እዩ ዳሕራይ ኣብ ካናዳ ብመስርሕ ምጽንባር ስድራ ቤት ረኺቡዎም።
ካብ ቑልዕነቱ ኣብ ዝተቓለሰላን ከቢድ ዋጋ ኣብ ዝኸፈለላን ሃገር ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር ዘይከኣለ ኣሮን ብርሃነ ኣብ ሃገረ ስደቱ እውን መሊኡ ከየዕረፈ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ብሃንደበታዊ ሞቱ ዝሰምበዱ ኣሻሓት ኤርትራውያነ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







