ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ፍሉይ ልኡኽ ፕረደዚንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሎሚ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን፡ ነቲ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ብሆታት ንምክትታል ብፕረዚደንት ባይደን ምምዛዙ ይፍለጥ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ 4 ግንቦት ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ናብ ሃገራት ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዑደት ክገብር ምዃኑ ተሓቢሩ ነይሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት፡ ምስ ሕበራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ርክባት ከምዘካይድን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ተረኺቡ ትዕዝብቱ ከምዘስፍር ተገሚቱ ኣሎ።
ኣብቲ 4 ሰዓት ዝወሰደ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ "ጸገማት" ከምዝተዘራረቡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።
"ኣብቲ 4 ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ምስ ኣመሪካ ክትተሓባበር ድልውቲ ምህላዋ ኣስሚሩሉ" ክብል ኣቶ የማነ ገሊጹ'ሎ።
ኣምባሳደር ፈልትማን ብወገኑ፡ ሃገሩ ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸገማት ዝምልከት ዝሓዘቶ መረዳእታ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብሪሁሉ'ሎ።
ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ግጭት ትግራይ ከተውጽእ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ክትጽውዕ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ምስ ኣመሪካ "ብንጡፍ ጽምዶ" ክትሰርሕ ምጽንሓ ብምብራህ፡ ፖሊሲታት ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ነይሩዎም ክትብል ከሲሳ ነይራ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







