ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንክልተ መዓልታት ናብ ሱዳን ገይሹ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ናብ ሱዳን ከምዝተበገሰ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን'ውን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣሰንይሞ ናብ ሱዳን ከይዶም ኣለዉ።
ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምንታይ ዝዓለመ'ዩ እኳ እንዘይገለጸ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳን ግብጽን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ጻዕርታት ክትገብር ምጽናሓ ይፍለጥ፡ እዚ'ውን ከም መቐጸልታ ናቱ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ግብጺ፡ ሱዳን ኢትጵያን ብጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ንምክያድ ኣብ ትሸባሸባሉ ዘላ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይበጽሓ ክፈላለያ ጸኒሐን እየን።
ብፈላይ ሱዳንን ኢትዮጵያን በቲ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኣልፋሽጋ ዝብሃል ልሙዕ መሬት ኣብ ብረት ምውጥዋጥ እየን ዘለዋ።
ሱዳን ነቲ ናተይ እዩ ኢላ ዝኣመነትሉ ቦታታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐጸጸረቶ ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ዝነበረቶ ቦታ እሞ ሰራዊታ ትስሓብ ጸገምና ብዘተ ንፍትሓዩ ዝብል መርገጺ እያ ሒዛ ዘላ።
ብኻልእ ወገን፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ካብ 4 ግንቦት ክሳብ 13 ግንቦት 2021 ናብ ሃገራት ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዑደት ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት፡ ምስ ሕበራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ርክባት ከምዘካይድን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ተረኺቡ ትዕዝብቱ ከምዘስፍር ተገሚቱ ኣሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







