ኣብ ኤርትራ: ልዕሊ 30 ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብዋሕስ ተፈቲሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብመዚ ኤርትራ 36 ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ሰብዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሑ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ካብቶም ትማሊ ሰንበት ዝተፈትሑ ኣመንቲ 14 ንኣስታት 4 ዓመት ኣብ ደሴት ዳህላክ ተኣሲሮም ዝጸንሑ'ዮም።
እቶም 22 ከኣ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 23 ኣመንቲ ኮይኖም ኣብ ማይሱርዋ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኩሎም ብዋሕስ ዝወጹ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
ካብ 2002 ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሓያሎ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ድሕሪ ምእጋዱ፡ ብዙሓት ካብ መራሕተንን ኣመንትን ክኣስር ምጽንሑ ይፍለጥ።
ልዕሊ 10 ካብቶም ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ፓስተራት ዝርከብዎም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ብዘይካኦም'ውን፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን 'መሐሃድ' ተባሂለን ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ይግለጽ።
ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት'ውን ብውሕዱ 7 ሰባት ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ዓሰብ ከምዝተኣስሩን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡን እቶም ምጭታት ጠቒሶም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽኣ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት 2020፡ "ኣብቲ ዓመት ጥራይ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ከምስተሰወሩን፡ ብመንግስቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ወይ ኣብ ማእሰርቲ ሞይቶም" ክኾኑ ከምዝኽእሉን ተገሊጹ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ጉጅለታት'ውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ ሒዝዎም ዝርከብ ናይ እምነት፡ ሕልናን ፖለቲካን ክፈትሖም ክጽውዑ ጸኒሖም።
ንዝቐርበሉ ክስታት ናጽነት ሃይማኖታት ኣመልኪቱ "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃና ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዛጊት ንምፍታሕ እቶም እሱራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን።
ኣብታ ሃገር ሃይማኖታዊ ስኒትን ናጽነትን ከምዘሎ ዝምጉቱ ሰብመዚ፡ እተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ክርስትያናት መሳርሒ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይኾና ነይረን ክብሉ ይስምዑ'ዮም።
እንተኾነ ግን ብወግዒ ዘቕረብዎ ጭብጢ ይኹን ክሲ ዛጊት የለን።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊትን እየን።
ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እተን ፍሉጣት ዝኾና ኣርባዕተ ሃይማኖት ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ብምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







