መንግስቲ ኤርትራ ምግሃስ ናጽነት ሃይማኖታት ይቕጽሎ ኣሎ ክትብል ኣመሪካ ነቒፋ

ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን

ምንጪ ስእሊ, A.B.F

ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ናጽነት ሃይማኖት ዝከታተል ኣካል፡ ኮሚሽን ኣህጉራዊ ናጽነት ሃይማኖት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝቐጸለ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሰሉስ ዝወጸኣ ጸብጻብ 2020፡ ኣብ 2019 ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታት ጣልቃ ምእታውን ቀይድን ከም ዝወሰኸ ብምሕባር ጉዳይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝበኣሰ ገሊጹ።

ኣብ 2019 ብዙሕ ምዕባለታት ከም ዝተርኣየ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሱዳን ርኡይ ምምሕያሽ፤ ኣብ ህንዲ ግና ምንቁልቋል ናይ እምነት ናጻነት ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 2018 መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ከቲመን ኣብቲ ዞባ'ውን ርኡይ ፖለቲካዊ ለውጢ እንተሎ፡ ኤርትራ "ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ጸብጻባት ናጽነት" ሃይማኖት ዘለወን ሃገራት ኮይና ትቕጽል ምህላዋን ነዚ ንምምሕያሽ ዘርኣየቶ ቅሩብነት ሒደት ምዃኑን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ዛጊት ነዚ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ምላሽ እኳ እንተዘይሃበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኣብ ኤርትራ እኮ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኮይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል ናይ እምነት ተኽብር ሃገር እያ" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሓምለን ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ከም ዝተኣሰሩ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቀ ሰላም ዝጽውዕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትረ ኣብ መላእ እቲ ዓመት ብዝተፈላለዩ ኣብያተ እምነት ዝውነኑ ኣብያተ ትምህርትን 22 ማእከላት ጥዕናን ከም ዝዓጸወ እውን ገሊጹ።

ኣብ 2017ን 2018 እውን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ እስላማዊ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላሚያ ዝገበሮ ምትእትታው ንዝተቓወሙ፡ ኣባላት ቦርድ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝኣሰረ ሓቢሩ።

ወሲኹ'ውን ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ሓጅ ኢብራሂም ዩኒስ ዝርከቦም ገለ ካብ'ቶም ዝተኣሰሩ፡ ኣብ 2019 ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝሞቱ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣብ ኤርትራ መሰኻኽር የሆዋ፡ "ናይ ኣምልኾ ናጻነት ጥራይ ዘይኮነ መሰረታዊ ናይ ዜግነት መሰል'ውን የብሎምን፤ እዚ ዝኾነ፡ መሰኻኽር የሆዋ፡ ኣብቲ ኣብ 1993 ዝተኻየደ ሪፈረንደም ድምጾም ክህቡ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኮኑ እዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ብዘይካ'ዚ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ኣብ 2019 እውን ኣብ ቀይዲ ምህላዎምን፡ ኣብ ሚያዝያ ብስቱር ዝተስኣለ ቪድዮ እቶም ኣቡን ከም ዝተዘርግሐ ሓቢሩ።

ኤርትራ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ እምነት እሱራት ከም ዘለውዋ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተኣሰሩ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ከም ዘለው ገሊጹ።

እቲ ኮምሽን ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ለበዋ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርዝር ፍሉይ ኣተኩሮ ዝወሃበን ሃገራት ኮይና ክትቅጽል፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕሉፍ ምግሃስ ሃይማኖታዊ መሰላት ዝፍጽሙ ትካላት መንግስትን ውልቀሰባትን ምድስካል ርእሰማልን ናብ ኣሜርካ ካብ ምእታው ክእገዱን ጠሊቡ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ብምጥቃም ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝርከብዎም እሱራት ሃይማኖት ክፍትሑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ቀይዲ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ክሰርሕ ዝብሉ ዝርከብዎም ምኽርታት ለጊሱ።