ኤርትራ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ 26 ዓመት ካብ ቤት-ማእሰርቲ ተፈቲሖም

ኤርትራዉያን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መንግስቲ ኤርትራ፡ ን26 ዓመት ዝተኣስሩ ዝርከብዎም 28 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፈትሐ ሮይተርስ ሓቢሩ።

መሰኻኽር የሆዋ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዘለው ኣባላቱ እቶም 28 ከምዝተፈትሑን ካልኦት 24 ሰባት ግን፡ ገና ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከምዘለው ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምፍታሕ ናይዞም እሱራት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኤርትራ መሰል እምነት ኣይሕሉን ክበሉ ብቐጻሊ ክነቕፉዎ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ግን "ምስሊ ኤርትራ ንምድዋን'' ዝግበር ሽርሕታት ክበል ነቶም ክስታት ክነጽጎም ጸኒሑ።

ብዙሓት ኣመንቲ ዩሆዋ፡ ኣብቲ ኣብ 1993 ናጽነት ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ህዝባዊ ረፈረንደም ድምጺ ንምሃብ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝተኣሰሩ ተኸተልቲ እቲ እምነት ከም ዘለው ተሓለቕቲ ነጻነት ሃይማኖት ይገልጹ።

ካልኦት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣይንሳተፍን ዝበሉ ሰዓብቲ ናይቲ እምነት'ውን ሲቪላዊ፡ ቁጠባዊን ሰብኣዊ መሰላቶምን ተቐንጢጡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ፡ ብዙሓት መምሃራን ሃይማኖት ምስልምና ብዘይ ፍርዲ ከምዝተቐየዱ ተሓለቕቲ መሰላት ይዛረቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ንፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ካብ ስልጣኖም ኣልዩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዘእትዎም ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ተጣበቕቲ ሃይማኖታዊ መሰላት እንታይ ይብላ?

ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንጉዳይ ናጽነት ሃይማኖት ዝከታተል ኣካል፡ ኣብ 2020 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2019 ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሃይማኖታት ጣልቃ ምእታውን ቀይድን ከም ዝወሰኸ ብምሕባር ጉዳይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝበኣሰ ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ጸብጻብ ብቐጥታ እኳ ምላሽ እንተዘይሃበሉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኣብ ኤርትራ እኮ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኮይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል ናይ እምነት ተኽብር ሃገር እያ" ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊትን እየን።

ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እተን ፍሉጣት ዝኾና ኣርባዕተ ሃይማኖት ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ብምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።