ቅልውላው ትግራይ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ኣመሪካ ሰልፊ ተቓውሚ ኣካዪዶም

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia Press Agency
ብሰንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣንጻር ኣመሪካ ሰላማዊ ሰልፊ ልዕሊ10 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ክርከቡ እንከለው፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ተቓዊሞም።
ፕረዚደንት ባይደን እቲ ሻብዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዑ እዩ።
ሰልፈኛታት፡ ንኣመሪካ ዝኹንን ፖስተራት ክሕዙ እንከለው ገሊኦም ድማ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ንመራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግ ሞጊሶም።
ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።
በቲ ኲናት ዝበዝሑ ሲቪል ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለው፡ ብውሕዱ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እዩ።
እቲ ግጭት፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስጉምቲ ክውሰዶም ትእዛዝ ብምምሕልላፉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እዩ ተወሊዑ።
ሰራዊቱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ንርእሰ ከተማ እቲ ክልል ድሕሪ ምቁጽጻሩ ድማ፡ ኣቢይ እቲ ኲናት ከም እተዛዘመ ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግና ወተሃደራት ኢትዮጵያን፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወተሃደራት ኤርትራን ገና ምስ ሓይልታት ህወሓት ይዋግኡ ኣለው።
ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለው ክልቲኦም ወገናት፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ገበናት ኣንጻር ሲቪላውያን ከም ዝፈጸሙ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ትግራይ "ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ዝርከቦ መጠነ-ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ደው ክብል ክጠልብ እንከሎ፤ ተኽእሎታት ዓጸቦ ከምዘሎ'ውን ኣጠንቂቑ።
እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ "ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኢትዮጵያ ብዝጓሃሃር ዘሎ ጎንጽን እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዓሌታውን ክልላውን ምክፍፋል ኣዝዩ ከም እተሻቐለ" ገሊጹ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ቁጠባውን ጸጥታውን ደገፋት ቀይድታት ክገብር እንከሎ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊምዎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ ንዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዘነኣእስ ምዃኑ ብምግላጽ "ዘሕዝን" እዩ ኢልዎ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጠልብ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከመይ ነይሩ?
እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ብሚኒስትሪ መንእሰያት ኢትዮጵያ ዝተወደበ ኮይኑ ደገፍቲ ኣቢይ ኣሕመድ ተሳቲፎምዎ።
ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ ኩነት መደረ ዘስምዑ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ እያ ነይራ።
"ፈጺምና ኣይንምብርከኽን ኢና። እቲ ኣመሪካን መሻርኽታን ኣንቢረንኦ ዘለዋ ቅድመ ኩነታትን ናይ መገሻ እገዳን ፍጹም ተቐባልነት የብሉን። ክእረም ኣለዎ" ከም ዝበለት ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia Press Agency
ገለ ካብቲ እቶም ሰልፈኛታት ሒዞምዎ ዝነበሩ ጭርሖታት "ኢትዮጵያ መጕዚት ኣየድልያን እዩ"፡ "ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዋ መርገጺ ደጊማ ክትሓስበሉ ንጠልብ"፡ "ንናይ ወጻኢ ጸቕጢ ፈጺምና ኣይንምብርከኽን" ዝብሉ ይርከብዎም።
እቲ ንፕረዚደንትታት ሩስያን ቻይናን ዝምጉስ ፖስተራት፡ ኢትዮጵያ ካልኦት ሓያላን መሓዙት ከም ዘለዋ ንኣመሪካ ንምንጋር ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ቃልኪዳን ይበልጣል ገሊጹ።
ንኣመሪካ ዝኹንኑ ካልኦት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ፡ ሃረር፡ ጋምቤላን ካልኦትን'ውን ከም እተኻየዱ ተፈሊጡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







