ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ቁጠባዊ ድዩ ፖለቲካዊ?

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት (5 ጥሪ 2022) ንኤርትራ ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብ ክልተኣዊ፡ ዞባዊን ዓለም ለኻውን ሓባራዊ ጉዳያት ግብራዊ ምትሕግጋዝ ክግበር ከምዝዘተዩ ሓቢሮም።
እተን ሃገራት ኣብ ክልተኣዊ ልምዓታዊ መደባት፡ ኤርትራን ቻይናን - ብቐንዱ ድማ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ምምዕባል ወደባት ባጽዕን ዓሰብን፡ ከምኡ'ውን ዕደና ኣተኲረን ክሰርሓ ተሰማሚዐን ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግ፡ ብሚኒስተር ዋንግ ዪ ኣቢሉ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ስትራተጅያዊ ባህሪ ዝምድና ሃገሩ ምስ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝቐልጠፈ ዝከኣል እዋን ተራኺቡ ክዘራረብ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ'ሎ።
እቲ ምኒስተር፡ ሃገሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር በይናዊ እገዳ ከምዘይትድግፍ ክገልጽ እንከሎ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ከኣ ብመትከላት "ሓንቲ-ቻይና" ንታይዋን ከይተረፈ ዘጠቓለለት ቻይና ከምዝድግፉ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕጂ እውን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ህንጻ፡ ዕደና፡ ጥዕናን ትምህርትን ክተሓጋገዛ ከምዝጸንሓን ምትሕግጋዘን ከዕብየኦ ከምዝደልያን ከኣ ሓቢረን።
ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኣብ ህዝብን መንግስትን ዝህልዎ ጽልዋን ትርጉምን ብዝምልከት ንምሁር ዓውደ ቁጠባ ዶክተር ኪዳነ መንግስተኣብ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ንዶክተር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን ምሁር ስነ-ከባብን ባሕርን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ኣገዳስነት ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ኣብ ቁጠባ
ምስ ቻይና ኮነ ካልኦት ኣውፈርቲ ሃገራት ዝግበር ናይ ቁጠባ ርክብ ብመትከል ጠቓምን ኣገዳስን ምዃኑ ዝገልጽ ዶክተር ኪዳነ መንግስተኣብ "መንግስቲ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ኢንዱስትርን ትሕተ ቅርጽን ከምዝተሓጋገዙ ዝገልጽ እንተዘይኮይኑ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ስለዘይተዋህበ፡ ብዙሕ ክንዛረብ ኣይንኽእል" ይብል።
ርእይቱኡ ብምቕጻል፡ በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርናን ጎረባብትናን ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኵናትን፡ ኣመሪካን ምዕራብን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጥን እገዳን ይገብራ ብምህላወን፤ ቻይና ግን ነቲ ጸቕጥን እገዳን ስለዘይትድግፎ፡ እቲ ናይ ሕጂ ርክብ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ካብ ቁጠባዊ ረብሓ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ሚዛኑ ከምዝዓዝዝ ይዛረብ።
"እቲ ናይ ፖለቲካ ደገፍን ሓገዝን ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ኣይኮነን" ከኣ ይብል። ምኽንያቱ እቲ ምስ ቻይና ዝተገብረ ስምምዕ ዝርዝራቱ ከይረኣኻዮ ጠቓሚ'ዩ ወይ ጎዳኢ ክትብሎ ከምዘይከኣል ይሕብር።
ዶክተር መብራህቱ ኣተወብርሃን ብወገኑ ብዙሓት ኩባንያታት ቻይና ኣብ ዕደናን ዳህሳስን ወርቅን ነሓስን ይነጥፋ እኳ እንተለዋ፡ ዕደና ካብ ዝጅምራ ክሳብ ሕጂ ግን ካብቲ ጽላት ዝተረኽበ ገንዘብን እቶትን ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝወዓለ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ይሕብር።
ፎካስ ኦን ኤርትራ ዝተሰምየ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበር ኣብ ዝወጽአ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ንኣብነት፡ ከም ቻይና ሲቹዋን፡ ሻንጋይ ፎረይን ኤኮኖምን ቴክኖሎጂን፡ ሁቤ ጂኦሎጂካል፡ ላንድ ኤነርጂይ ግሩፕ፡ ቤጂን ሲኖማ፡ ቻይና ኣፍሪካን ሲቹዋን ሮድ ከምኡ እውን ዞንግ ቻንግ ዝተባህላ ትካላትን ኣብ ዕደና ኤርትራ ይሳተፋ ምህላወን ይጠቅስ።
ካብተን ብዙሓት ዝተጠቕሳ ኩባንያታት እቲ ሲቹዋን ሮድ ዝተባህለ ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ትካል ጥራሕ ኣብ መጀመርታ 2016 ካብ መሻርኽቲ እቲ ብፕሮጀክት ኣስመራ ፈቓድ ዕደና ዝረኸበ ትካል፡ ካብ ናይ ኣውስትራልያ ሳንሪጅ ካምፓኒ ብ88 ሚልዮን ዶላር 60% ብርኪ ከምዝዓደገን፡ ካብቲ ንእምባ ደርሆ፣ ዓዲ ነፋስ፣ ጉፖ ጎልድን ድባርዋን ዝሽፍን ዕደና ፕሮጀክት 574,000 ቶን ነሓስ፡ 930,000 ኦውንስ ወርቅን 1.2 ሚልዮን ቶን ዚንክን ክሕፈስን ኣብ 2016 ምህርቱ ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠቅስ ጽሑፍ ሰፊሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ዝኾነ ብልቓሕን ሓገዝን ዝካየድ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ዕደናን ካልእ ጽላትን እታ እትልቃሕን ኣውፈርቲ እተአንግድን ሃገር ንጸጋታታ ብኸመይ ትጥቀመሉን ንእቶታት ኣራቢሓ ዕዳኣ ከፊላ መኽሰባ ተረጋግጽ እቲ ዓቢ ብደሆን ሓላፍነትን ምዃኑ ዝጠቅስ ዶክተር ኪዳነ መንግስትኣብ፡ ክሳብ ሕጂ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዕደናዊ ወፍርን ንጥፈታትን ብዙሕ ዝኸሰባ ከምዘየለዋ ይሕብር።
እተን ሃገራት ነቲ ናይ ዕደና ኮንትራት፡ ብፖለቲካዊ ውሳነ ሰበስልጣናትን መራሕቲ ሰልፍታትን እምበር ብተሳትፎ ናይ ዝተፈለላየ ዓውድታት ኪኢላታት ብመጽናዕትን ሰብ ሞያን ስለዘይገብረኦ ረብሐአን ከምዝጎደል የረድእ።
"ናይ ዕደና ውዕል ክትገብር እንተኼንካ፡ ነብሲ ወከፍ ጽላት ናይ ገዛእ ርእሱ መጽናዕቲ ብምክያድ ክዋሳእ ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ኢንጂነሪንግ ኪኢላታት፡ ናይ ዕዳጋን ኣሸያይጣኡን ኤኮኖሚስት፡ ኣታውን ወጻእን ሕሳብ ዝጸባጸቡ ኣካውንታትን፡ ንዝርዝር ቀይድን ቅጥዕን ዝርእዩ ናይ ሕጊ ኪኢላታት ክሳተፉ የድሊ" ክብል እቲ ክኸውን ዝግበኦን ዝኸውን ዘሎን ብዙሕ ፍልልይ ከምዘለዎ ይሕብር።
ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት ናይ ዕደና ኩባንያታት ኣብቲ ዝግበር ውዑል ንዘሎ ዝርዝር ነጥብታት ብምምዝማዝ ንወጻኢታተን ኣብዚሐን ንኣታዊታተን ከአ ኣጉዲለን ብምቕራብ ነተን መሻርኽተን ሃገራት ብሓውሲ ሕጋዊ መገዲ ዝሰርቀአን ውሑዳት ኣይኮናን ይብል ዶክተር ኪዳነ።
"ሓንቲ ሃገር ማዕድን ተረኺቡዋ ማለት እቲ ህዝቢ ሓሊፉሉ ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ዳርጋ'ቲ ኣብ ብዙሕ ማዕድን እተረኽበሉ ሃገራት ዝነብሩ ህዝብታት ካብቲ ዝሓርሱሉን ዝጓስዩሉን ዝነበሩ መሬት ሕርሻን መጋሃጫን ክግዕዙ ስለዝግደዱ ህይወቶም ብቐጥታ እዩ ዝትንክፍ። ኣብ ኤርትራ ከኣ እቶም ኣብ ከባቢ ቢሻ ዝነብሩ ዝነበሩ ሓረስቶትን ጓሶትን ካብቲ ዕደና እንታይ ተጠቒሞም ዝብል ሕቶ ምምላሽ ኣገዳሲ እዩ" ክብል ዕደና ተረኺቡ ዝተባህለ ማዕድንን ዝተራእየ ውጽኢትን እኹል ምላሽ ምዃኑ ይሕብር።
ኣብዚ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ እናወሰኸትን እናከተመትን እትኸደሉ ዘላ እዋን ናይ ቻይና ወፍሪ እውን ብኡ መጠን ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ።
ቻይና ዘይከም ምዕራባውያን ሃገራትን ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን ኣብ ዝህቦ ሓገዝ ኮነ ልቓሕ ከም ደሞክራስን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሪከርድ እተን ሃገራት ስለዘይትጸባጸብ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ቻይና ብምምሕዛው ቁጠባዊ ሽርክነት ይፈጥሩ ከምዘለው ዶክተር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን የረድእ።
"እተን ንርግጸት ሰብኣዊ መሰላት አህዛብ ዕሽሽ ኢለን ምስ ምልካዊ መንግስቲ ዝሻረኻ ናይ ምዕራብ ኩባንያታት እንተኸፍአ ከም ነቭሱን ኣብ ዓዓደን ክሲ መስሪትካ ከተረኻኽበለን ይከኣል እዩ። ንኩባንያታት ቻይና ግን ኣብ ቤጂንግ ኬድካ ክትከሰን ኣይከኣልን እዩ" ብምባል እቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቻይና ዘሻርኸን ካልእ መገዲ እውን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝጸባጸበን ኣውፋርን ኣለቃሕን ዘይምህላው ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, CHINA NEWS SERVICE
ኣብ 2050 ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብዕጽፊ ብምዕባይ፡ ኣስታት 1.1 ቢልዮን ከምዝኸውንን 80% ናይቲ ዕቤት ከኣ ኣብ ከተማታት ኣፍሪቃ ከም ዘጋጥምን እተን ከተማታት ከኣ ንብዝሒ ነበርተን ዝመጣጠን ትሕተ ቕርጺ ክሃንጻ ምስ ቻይና ይሻረኽ ምህላወን ኣብ ፎርበስ ዝተሓትመ ጽሑፍ የረድእ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንትሕተ ቅርጺ ኤርትራ ወደባትን ጽርግያን ንምሕዳስን መገብቲ ጽርግያታት ንምስራሕን ምስ ቻይና ከምዝሻረኽ ገሊጹ ኣሎ።
አይ ኤም ኤፍ ዕቤትን ምስፍሕፋሕን ከተማታት ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጠባዊ ዕድላት ክፈጥር ከምዝኽእልን እቲ ቁጠባ ብትሪልዮን ዶላር ከምዝዓብን ኣሚቱ። እታ ቀንዲ ኣውፋሪትን ሃናጺት ትሕተ ቅርጽን እተን ከተማታት ከኣ ሃገረ ቻይና ምዃና እቲ ጽሑፍ የረድእ።
ኤርትራ እምበኣር ኣብዚ እዋን እዚ ብቑጠባን ፖለቲካን ቀንዲ መሻርኽቲ ከምዘላ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ የረድእ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







