ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቻይና፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንምህዳእ ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዋንግ ዪ፡ ብሓሙስ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ዩ ነቲ ሓበሬታ ሂቡ።
"ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ካብቲ ክንገብሮ ዝጸናሕና ዝዓቢ ግደ ምጽዋት ክንቅጽል ኢና" ክብል ኣብቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ላዕለዋይ ቻይናዊ ብዓል ስልጣን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ተዘራሪቡ ነይሩ።
እቲ ሚኒስተር፡ ቻይና ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር በይናዊ እገዳ ከምዘይትድግፎ ብረቡዕ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ገሊጹ ነይሩ።
ዋንግ ዪ፡ ድሕሪ ናይ ኬንያ ዑደቱ ናብ ደሴታዊት ሃገረ ኮሞሮስ ከምርሕ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካብ ሓላፍነቱ ከምዝለዓል ዝተነግረሉ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብምጥቃስ ከምዝበሎ፡ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ኲናት ሕድሕድ እታ ሃገር ከብቅዕ ጸቕጢ ክፈጥር ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ኣመሪካዊ ልኡኽ፡ ነቲ ንትሸዓተ ኣዋርሕ ሒዝዎ ዝጸንሐ መዝነቱ ንምዝዛም ዝገብሮ ዘሎ ናይ መወዳእታ መገሻ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ጸብጻባት ኣሚቶም።
ዋላ'ኳ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን፡ ብሓይሊድዩ ብፍቓድ፡ እንተወጹ፡ ወግዓዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብዘይምህላዉ፡ እቲ ኩነታት ዛጊት ሃዲኡ'ሎ ክብሃል ከምዘይክኣል ይግለጽ።
ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ወገናትን ክፍተን ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።
ዘይርጉእ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ሱዳን'ውን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ኣምሪሑ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ መዝነቱ ተመሊሱ'ኳ እንተነበረ፡ ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ክሻረኽ ካብ ህዝቢ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ'ሎ።
ንወተሃደራዊ ዕልዋን ምምሕዳርን ዘይቅበሉ ሱዳናውያን ድማ ኣብ ቀጻሊ ህዝባዊ ናዕቢ ይርከቡ ኣለዉ።
ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምትፍናን ሶማልያ'ውን መሊሱ ተጋዲዱ ይርከብ። ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ካብ መዝነቱ ከምዘውረዶ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ መንጎ ክልኢኦም ወገናት ወጥሪ ሰፊኑ'ሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ ኣብ ስልጣኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዕድመ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ከምዘብቅዐ ብምምጓት ካብ ስልጣኑ ከምዘይወርድ ብምግላጽ መርገጺኡ ኣነጺሩ'ዩ። እቲ ኩነታት ናብ ተወሳኺ ኲናት ሓድሕድ ከየምርሕ ድማ ተሰጊኡ'ሎ።
እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ'ውን ጌና ነባሪ ፍታሕ ኣየረኸበን ዘሎ።
ኣብ ርእሲኡ'ውን፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያ ክሳብ ናብ ግጭት ዘምርሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ቻይና፡ ንኹሎም እዚኦምን ካልኦት ጸጥታዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ብድሆታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምህዳእን ንምፍታሕን ዝሓሸ ዕድል ዝህልዋ እንተኾይኑ ኣብ መጻኢ ዝረአ ክኸውን'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







