ቻይና፡ ንድኻ ሃገራት ትህቦ ልቓሕ ‘ከም መጻወድያ’ ድያ ትጥቀመሉ?

ቻይናዊ ሰራሕተኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ንድኻ ሃገራት ተለቕሕ እያ ብምባል ብዙሕ ነቀፌታ'ዩ ዝበጽሓ፤ እቲ ምኽንያት ኸኣ እተን ድኻታት ሃገራት ነቲ ልቓሕ ክመልሰኦ ስለዘይክእላ ናይ ቻይና ምእዙዛትን መጋበርያን ቻይና ይኾና ኣለዋ ዝብል እዩ።

እንተኾነ ቻይና፡ ነዚ ዘረባ ምዕራባውያን ሃገራት ምስሊ ቻይና ንምድዋን ኮነ ኢለን ዝፍብርኸኦ ዘለዋ ዘረባ እዩ ብምባል ትነጽጎ'ያ።

ቻይና "ካብ ዘለቓሕናየን ሃገራት ብሰንኪ ዕዳ [ብቻይና ትእወዶ] ኣብ መጻወድያ ዝኣተወት የላን" ትብል።

ብዛዕባ ቻይና ትህቦ ልቓሕ እንታይ ንፈልጦ ነገር ኣሎ?

ቻይና ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ልቓሕ ዝህባ ውልቀ ሃገራት እያ።

ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ንዘለወን ሃገራት ትህቦ ልቓሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብሰለስተ ዕጽፊ'ዩ ዛይዱ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ቻይና ዝሃበቶ ልቓሕ ናብ 170 ቢልዮን ዶላር ክብ ክብል ክኢሉ።

ቻይና ትህቦ ልቓሕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘርእዩ ዘሎ ወሰኽ ዘርኢ ቻርት
መግለጺ ስእሊ, ቻይና ትህቦ ልቓሕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዘርእዩ ዘሎ ወሰኽ ዘርኢ ቻርት

እንተኾነ እቲ ቻይና እትህቦ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ግምታት ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርስቲ ዊልያም ኤንድ ሜሪ፡ ብ'አይድዳታ' ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሃገራት ነቲ ካብ ቻይና ዝረኽበኦ ልቓሕ ብወግዒ ስለዘይሕበር እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝተገለጸ ክዛይድ ከምዝኽል'ዩ ዝድምድም።

እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ ካብ ቻይና ዝውሃብ ልቓሕ ክንዲ ካብ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ዝኸውን ካብ መንግስቲ ቻይና ናብ ብመንግስቲ ዝውነና ትካላት፡ ባንክታት፡ ውልቃውያን ትካላት ስለዝውሃብ ስታስቲካዊ ጸብጻቡ ምርካብ ኣጸጋሚ ካብ ዝግበሮ ነገራት ምዃኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ዓለምና ልዕሊ 40 ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ እቲ ካብ ቻይና ዝረኽበኦ ልቓሕ ልዕሊ 10 ሚኢታዊት ካብቲ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶተን ምዃኑ ኣግሂዱ ኣሎ።

ጅቡቲ፡ ላኦስ፡ ዛምብያን ግይሪግስታንን ከም ኣብነት እንተወሲድና ቻይና ልዕሊ 20 ሚኢታዊት ካብ ጃምላዊ እቶተን እያ ትእውደን።

መብዛሕትኡ እቲ ቻይና ዝሃበቶ ልቓሕ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡርን ወደብን ብመስራሕ፡ ኣብ ጽዓተን ኢንዱስትሪን ወፍሪ ብምግባርን 'ቤልት ኤንድ ሮድ ኢንሸቲቭ' ብዝብል ዝውሃብ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

'ዕዳ ከም መጻወድያ' ንዝብል እንታይ መርትዖ'ዩ ዘሎ?

ቻይና ኣብ ልዕሊ ካልኦት መወዳድርታ ሃገራት ጸብለልታ ንምርካብ ኢላን ነተን ሃገራት ኣብ ዕዳ ንምሽማመን ኢላ 'ንልቓሕ ከም መጻወድያ' ትጥቐመሉ ከምዘላ ሓላፊ ኤም16 [ናይ ብሪጣንያ ሓለፊ አጄንሲ ጸጥታ] ሪቻርድ ሞር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።

እቲ ክሲ፡ ቻይና ንድኻታት ሃገራት ክመልሰኦ ዘይክእላ ልቓሕ እንዳሃበት ከም መባድልቲ ንወሰንቲ ነገራት ናይታ ሃገር ከምእተሕድግ እዩ ዝግለጽ፡ ቻይና ግን ነዚ ክሲ እዚ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

እቶም ነቃፎ ከም ኣብነት ዘቕርብዎ ጉዳይ ስሪላንካ'ዩ።

ኣብ ሲሪላንካ፡ ቻይና ሃምባንቶታ ዝተብሃለ ኣዝዩ ግዙፍ ወደብ ንኽስራሕ ብመልክዕ ልቓሕ መዊላቶ።

እንተኾነ እቲ ብቢልዮን ዶላር ብልቓሕ ቻይናን ብቻይናውያን ኮንትራከተራትን ዝተሰረሐ ወደብ ተንጠልጢሉ እዩ ዘሎ፡ ስሪላንካ ልቓሓ ክትከፍልስ ይትረፍ ነቲ ወለድ ናይቲ ልቓሕ'ውን ክትመልስ ኣይክኣለትን።

ኣብ መወዳእታ ኣብ 2017 ስሪላንካ ሓደ ብመንግስቲ ቻይና ዝውነን ትካል 70 መኢታዊት ናይቲ ወደብ ን99 ዓመታት ክውንኖን ብኸምዚ እቲ ልቓሕ ክዳቐስን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክትበጽሕ ተገዲዳ።

ፖሊስ ስሪላንካ ነቶም እቲ ወደብ ንቻይናዊ ትካል ክውሃብ እዩ ምስ ሰምዑ ተቓውምኦም ከስምዑ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት እንዓገትዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ስሪላንካ ነቶም እቲ ወደብ ንቻይናዊ ትካል ክውሃብ እዩ ምስ ሰምዑ ተቓውምኦም ከስምዑ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት እንዓገትዎም

እንተኾነ ቻይና ኣብቲ ወደብ ቀጥታዊ ዋንነት ስለዘይብላ፡ ንስሪላንካ ስለዘለቃሓት'ዩ እቲ ወደብ ብቻይናዊ ትካል ተወኒኑ ኢልካ ደፊርካ ክትዛረብ ኣይትኽእል ኢኻ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ቻይና ንሲሪላካ ዝሃበታ ልቓሕ ምብዝሑ፡ ቻይና ኣብ ስራላንካ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንኸተዕቢ ከምዝተጠቐመትሉ ዝገልጹ'ውን ኣለዉ።

ልክዕ ከምዚ ናይ ስሪላንካ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ቻይናውያን ሰብ ርእሰ ማል ዝወነንዎ ወይ ብኸፊል ዝወነንዎ ዓበይቲ ነገራት ናይ ሃገራት ኣሎ።

እንተኾነ 'ኣይድዳታ' ብዝገበሮ መጽናዕቲ ብቻይናውያን ዝተወነነሉ ምኽንያት ብቐጥታ ምስቲ ልቓሕ ዝተሓሓዝ እዩ ክብሃል ከምይክኣል እዩ ዝድምድም።

ቻይና ትህቦ ልቓሕ ምስ ካልኦት ኣለቓሕቲ ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ከመይ'ዩ?

ቻይና ንሃገራት ዝሃበቶ ልቓሕ ብወግዒ ኣይትሓትሞን እያ፡ እተን ዝልቓሓ ሃገራት'ውን ዝተለቐሐኦ ክንገረለን ኣይደልያን'የን።

ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ናይ ልቓሕ ስምምዕ ብወግዒ ከይተነገረ ክስነድ ምግባር ኸኣ ንቡር ተርእዩ እዩ።

ፕሮፌሰር ሊ ጆንስ ካብ ኵን ሜሪ ዩኒቨርስቲ ለንደን'ውን ነዚ እዩ ዘራጉድ "ምስ ልቓሕ ኣብ ዝተሓሓዙ ውዕላት ምስጢራዊ ስምምዕ ክግበር ንቡር'ዩ" ይብል።

ብኣንጻሩ ዝበዝሓ እተን ምዕቡላት ሃገራት ዝህብኦ ልቃሕ ብመንግዲ እቲ ብኣባልነት ዝተምዝገብኦ 'ፓሪስ ክለብ' ኣቢለን ንህዝበንን ንዓለመን የፍልጣ'የን።

ቻይና ግን ነዚ ጉጅለ እዚ ክትጽንበሮ ዊንታ ኣየርኣየትን፡ እንተኾነ ብመንገዲ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ቻይና ትህቦ ልቃሕ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምንጽጻር ልዑል ምዃኑ ክፍለጥ ይክኣል።

ብደረጃ ዓለም ደረጃ ኣለቓሕቲ ዘርኢ ቻርት
መግለጺ ስእሊ, ብደረጃ ዓለም ደረጃ ኣለቓሕቲ ዘርኢ ቻርት

ተለቓሕቲ ሃገራት ልቓሕ ቻይና ክኸፍለኦ ይኸብደን ድዩ ኮይኑ?

ቻይና እትህቦ ልቓሕ ወለዱ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብምንጽጻር ዝበዘሐ'ዩ።

ቻይና እትህቦ ልቓሕ ወለዱ 4 ሚኢታዊት ኮይኑ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቲ ካብ ባንኪ ዓለምን ሃገራት ፈረንሳን ጀርመንን ዝውሃብ ወለድ እዩ።

ብዘይካ እዚ ቻይና እትህቦ ልቓሕ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ክኸፍል ኣለዎ ዝብል ክኸውን እንከሎ ካልኦት ሃገራት ግን እቲ ልቓሕ ዝኽፈለሉ ግዜ ክሳብ 28 ዓመታት'የን ዝመጠኦ።

ባጤራ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመንግስቲ ቻይና ዝውነና ኣለቓሕቲ ትካላት ቻይና፡ ተለቓሕቲ ምጡን ሰልዲ ዘለዎ ኣብ ወጻኢ ባንኪ ክኸፍታን፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሰልዲ እተን ኣለቓሕቲ ትካላት ከፊተን ክርእየኦ ዘኽእል መሰል ክውሃብን የገድዳ እየን።

ላዕለዋይ ዳይረክተር አይድዳታ፡ ብራድ ፓርክ ነዚ ኣመልኪቱ "እተን ተለቓሕቲ ሃገራት ዕደአን ክኸፍላ ምስ ዘይክእል እተን ቻይናውያን ትካላት ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ባንኪ ብቐጥታ ገለ ክፋል ናይቲ ዘለቐሐኦ ክወስዳ ዘኽእለን ውዕል እዩ፡ ነዚ ኸኣ ብሕጊ እየን ዝገብርኦ" ይብል።

ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ኸኣ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ሳሕቲ'ዩ ዝርአ።

ብቅልጡፍ ዝምዕብላ ዘለዋ ጉጅለ 20 [G20] እውን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንድኻታት ሃገራት ሂበንኦ ዝነበራ ልቓሕ ክስርዝኦ እየን ተራእየን።

ቻይና'ውን ከም ኣባል እቲ ጉጅለ መጠን ካብተን ዝበዝሐ ዕዳ ዝሰረዛ ሃገራት ከምዝኾነት እያ ተገልጽ።

ባንኪ ዓለም ካብ ግንቦት 2020 ልዕሊ 10.3 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ድኻታት ሃገራት ብጉጅለ 20 ከምዝተሰረዘ ኣብ ጸብዳቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ንባንኪ ዓለም እቲ ዝተረዘ ልቓሕ ናይ ብዓል መን ሃገራት ምዃኑ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህበና ኣብ ዝተወከሰናሉ፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከምዘይህበና'ዩ ገሊጹልና።