ቶክዮ፡ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ተዛዚሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዕዳ ከየብዝሓን ኣብ ቅልውላው ዕዳ ከይኣትዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሸንዞ ኣቤ ተማሕጺኑ።
ንሱ፡ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኣብ ጃፓናዊት ከተማ ዮኮሃማ ክከካየድ ዝቐነየ ብዓለምለኻዊ ዋዕላ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ (Ticad) ዝፍለጥ ሓበራዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ጃፓንን ነቲ ለበዋ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ምሕጸና፡ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊ ንጥፈታት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቻይና፡ እትህቦ ዘላ ለቓሕን ዘነጻጸረ ምዃኑ ይግመት።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበ፡ ሃገሩ ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ኣብ "ዓይነት" ዘተኮረን፡ ብጃፓናውያን ትካላት ዝተደገፈ ክኸውን ከምዝደሊ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ጃፓን፡ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ንኪኢላታት ገንዘባዊ ለቓሕን ሓደጋታቱን ከተስልጥን መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጣ።
ቁጠባ ናይታ ኣህጉር ንምምሕያሽ፡ ተወሰኽቲ ነጋዶ ከም ዘድልይዋ እቲ ሓደ ካብቶም ነቲ ዋዕላ ዝመርሑ ሺንዞ ኣበ ተዛሪቡ።
እቲ ዋዕላ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ እናሰፍሐ ኣብ ዝመጽአሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ'ዩ።
ጃፓን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ስትራተጂ፡ ዘይከም ቻይና፡ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ገንዘባዊ ደገፍ ዝተመስረተ ምዃኑን፡ ነተን ሃገራት ኣብ ቅልውላዉ ዘየእቱን'ዩ ክትብል ትምጉት።
ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቁጠባዊ ፓሊሲ ነተን ብቐሊሉ ካብኣ ናይ ገንዘብ ልቓሕ ዝረኽባ ሃገራት ኣብ "ናይ ዕዳ ቅልቅላው" ኣእቲኻ ናብኣ ተጸጊዐን ከም ዝነብራ ምግባር'ዩ ዝብል ክስታት ክቐርበላ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ጸጥታ፡ ኣፈታትሓ ጎንጽታትን ሰላምን ዝብሉ ዛዕባታት'ውን ከም እተዘርበሎም ተፈሊጡ።
ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ተሳቲፎም። ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተሳተፈን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንዕኡ ወኪሉ መደረ ኣቕሪቡ።
ድሕረባይታ ዋዕላ ቶክዮ
እዚ ኣብ 1993 ንልምዓት፡ ጸጥታን ሰላምን ኣፍሪቃ ተባሂሉ ብመንግስቲ ጃፓን ዝተበገሰ መድረኽ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ዝደገፎን ከም መሻርኽቲ ጃፓን ብምዃን ንኣፍሪቃ ሓገዝ ንምጉስጓስ ዝፈለመ'ዩ።
ንፈለማ እዋን፡ እቲ ዋዕላ ኣብ 2017 ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተኻዪዱ ነይሩ።
ዓበይቲ ሃገራት፡ ነቲ እናሰፍሐን እናዓበየን ዝመጽእ ዘሎ ዕዳጋን ባህርያዊ ጸጋታት ኣፍሪቃ ንምምዝማዝን ተመሳሳሊ ዋዕላታት ከካይዳ ይርኣያ።
ቻይና፡ ህንዲ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንመራሕቲ ሃገራት ብምዕዳም ስሩዕ ዋዕላታት ከካይዳ ይረአያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







