ኣብ መበል 32 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሓለፉ ውሳነታት እንታይ እንታይ እዮም?

ሕብረት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 10-11 ለካቲት 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ''ስደተኛታትን ተመለስትን ኣብ 2019'' ብዝብል ቴማ መበል 32 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘካይድ ቀኒዩ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ሓምሳን ሓሙሽተን ሃገራት ኣፍሪቃ ገሊአን ብመራሕተን ገሊአን ከኣ ብወኪላት ተሳቲፈን።

ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ክመሃራ ኣለወን ኢሉ።

ንዝሓለፈ ዓመት ብኣቦ መንበርነት ዘገልገለ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ካጋመ ኣብ ዘስመዖ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ንጊኒ ቢሳው፡ ቦትስዋናን ዚምባብወን ኣብ ስምምዕ ነጻ ንግዲ ኣፍሪቃ (AfCFTA) ምፍራመን ክንእደን እንከሎ፡ እተን ገና ዘይፈረማ ድማ ክፍርማ ኣተባቢዑ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቢል ገይትስ፡ መሻርኽቲ ኣቦ መንበር ቢልን መሊንዳን ገይትስ ፋውንደሺን፡ ከምኡ ውን ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ፕረዚደንት ፊፋ ዕዱማት ናይቲ ጉባኤ ነይሮም።

ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ፕረሲደንት ፍልስጥኤም እውን መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ፕረሲደንት ግብጺ ኣል ሲሲ መዝነት ኣቦ መንበርነት እቲ ሕብረት ካብ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ተቐቢሉ።

በዚ መሰረት ግብጺ ንዝመጽእ ዓመት ነቲ ሕብረት ብኣቦ መንበርነት ክትመርሖ ኢያ።

Presentational grey line

ኣብዚ ዋዕላ፡ እቲ ሕብረት ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ብምዝታይ ነዚ ዝስዕብ ዉሳኔታት አሕሊፉ፦

  • ብምኒስተራት ንግዲ እቲ ሕብረት ኣብ ምልዓል ታሪፍ ንግዲ ንዝቐረበ ለበዋ ተቐቢሉ።
  • ኣብ ትካላዊ ኣሰራርሓ እቲ ሕብረት ጽገና ንምግባር፥ ንስርዓታትን ሕጋጋትን ንክኽልስ ንፈጻሚ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ሂብዎ።

ውሳኔታት ኣብ ጉዳይ ሰላምን ጸጥታን

  • ኣብ ትሕቲ ጽላል ው.ሕ. ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዕርቂ ሊብያ ዝዓለመ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ንድፊ ኣቐሚጡ
  • ንሰላምን ምርግጋእን ኮሞሮስ ዘለዎ መብጽዓ ደጊሙ ኣርጋጊጹ
  • ኣብ ትግባረ 'መሰጋገሪ ዉጥን ሶማሊያ' (STP) ብዘርኣዮ ገስጋስ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማሊያ ንኢዱ፡ ከምኡ'ውን ንተራ ኣሚሶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ንኢዱ
  • ኣብ ድቡብ ሱዳን ገና ናብ ሰምምዕ ንዘይመጹ ተቓወምቲ ኣብቲ ስምምዕ ክጥርነፉ ጸዊዑ
  • ንመራሕቲ ጅቡትን ኤርትራን ዝምድና ሃገራቶም ናብ ንቡር ንምምላስ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ንኢዱ
  • ንሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንኢዱ፤ ኩሎም ኮንጎኣውያን ድማ ልዕሊ ማንም ሃገራዊ ረብሐኦም ከቀድሙ ጸዊዑ
  • ኣብ በበይኑ ክፍልታት እዛ ኣህጉር እናዛየደ ንዝኸይድ ዘሎ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብትሪ ብምኹናን፡ ኣፍሪቃ ካብ ግብረ ሽበራውነት ሓራ ንምግባራ መብጽዕኡ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ነዚ ክዉን ንምግባር ኣባል ሃገራት ናይ ፍታው ርእሰ-ማል ከበርክታ ተማሕጺኑ።
  • ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚተ ሊብያ፤ ኣጠቓላሊ ፍታሕ ክሳብ ዝርከብ መላእ ኣፍሪቃ ብሓደ ድምጻ ከተስምዕን፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ው.ሕ.ሃን ዝግብር ሓባራዊ ጻዕሪ ዝያዳ ክሕይልን ተማሕጺኑ።
  • ኣፍሪቃዊ ጽምዶ ኣብ ምምካት ኪሊማዊ ለውጢ ክሕይል ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ጉዳይ ጽገና ባይቶ ጸጥታ ው.ሕ.ሃ፡ ኣፍሪቃ ምሉእ ተወካልነት ክህልዋ ደጊሙ ጸዊዑ፤ ማለት-ኩሉ ስልጣንን መሰላትን ዘጠቓለለ ክልተ ቀዋሚ መናብር ክህልዋ
  • ሓሙሽተ ዘይቀዋሚ መናብር ክህልዋ፡ ከምኡ'ውን
  • እቲ ሕብረት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ንዝውክልዎ ናይ ምሩቋሕ በይናዊ መዝነት ክህልዎ
  • ኣብ ጥዕና ብፍላይ ድማ ኣብ ምክልኻል ዓሶ ሓያል ወፍሪ ክግበር ወሲኑ
  • ኣብ ምቁጽጻር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ተጨባጢ ስጉምቲ ክውሰድ ተማሕጺኑ
  • ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ስደትን፡ ኩለን ሃገራት ንውዕላት ስደተኛታት እቲ ሕብረት ክፍርማሉን ከጽድቐኦን ከተግብርኦን ተማሕጺኑ።
  • ፖለቲካዊ መብጽዓ ኣብ ምውጋድ ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ክሕደስ ተላብዩ
  • ኣብ ''ስደተኛታትን ተመለስትን 2019'' ዝብል ቴማ ኣቶኪሩ ድማ፤ ምኽንያት ስደትን ምብትታንን ዝኾኑ ግጭታት ንምፍታሕ ተባዕ ሰጉምቲ ክውሰድን፡ ብድጋሜ ከይኽሰቱ ጥንቃቐ ከም ዘድልን ኣስሚርሉ።
Presentational grey line

ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈቱ ንዝተተኽለ ሓወልቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብወግዒ መሪቕዎ።

ነዚ ዝተፈላለየ ስምዒታት ዝፈጠረ ፍጻሜ፡ ኣብ ኵንስ ዩኒቨርስቲ ናይ ታሪኽ ፕሮፈሰር ዓወት ወልደምካኤል ክገልጾ ከሎ፡ ''ሃይለስላሴ ነቶም ጉጅለ ሞንሮቭያን ጉጅለ ካዛብላንካን ተባሂሎም ዝተጎዛዘዩ መራሕቲ ናይተን ኣብ መወዳእታ 50ታትን መጀመርታ 60ታትን ነጻ ዝወጽኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓራቒ ማእከላይ ፍታሕ ብምቕራቡ'ዩ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክምስረት ዝኸኣለ ይብል።።

እንተኾነ ግን፡ ኤርትራውያንን ገለ ኢትዮጵያውንን ብስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣዝዮም ሰለ ዝተበደሉ፤ ሓድነት ኣፍሪቃ ንዝተኸሎ ናይ'ቲ ንጉስ ሓወልቲ ብትሪ ክቃወምዎ መሰልን ግዴታን ኣለዎም።

ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ድማ መንግስቲ ኤርትራ'ዩ ነዚ ኣርእስቲ ክዕጠቐሉ ዝግባእ ዝነበረ።

ብኩራት መንግስቲ ኤርትራ ካብ ምጥባቕ መሰል ኤርትራውያን ግን፡ እዚ ናይመጀመርታ ኣይኮነን።

ነዚ ተጋራጫዊ ናይ ህዝቢ ኣውያትን ናይ መንግስቲ ስቕታን ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረት ኣፍሪቃ ግዳያት ዝዝከርሉ ከምኡ'ውን ዝከሓስሉ ኣገባባት ክድህስስ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎ'' ይብል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ስነ ፈልጠት ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መረሳ ጸሃየ ብወገኑ፡ እዚ ተግባር ንህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ምኽንያታዊ ከም ዘይኮነን፤ እቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ ገይሮሞ ዝብሃል ውን ዝተፈብረኸ ታሪኽ እንበር ዝጋነን ትርጉም ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ብ23 ግንቦት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብ32 መንግስታት ኢዩ ተመስሪቱ።

ጸኒሑ ብ9 ሓምለ 2002 በቲ ናይ መወዳእታ ኣቦ ወንበሩ ማለት ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ታቦ ምበኪ ተበቲኑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተተኪኡ።

ዕላማ ናይዚ ውድብ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውህደት ምትብባዕ፡ ባዕዳዊ-መግዛእቲ ምብርቋቕ፡ ንዘመናዊ መግዛእቲ ምቅላስ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ/መሬታዊ ሓድነትን ናይ ሃገራት ምሕላው፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ኣፍሪቃ ምሕላው፡ ደረጃ ናብራ ዜጋታት ምምሕያሽ፡ ከምኡ ዉን ግርጭት ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ምፍታሕ ኢዩ።

ብመሰረት ዕላምኡ ገለ ነገር ክገብር እኳ እንተኻኣለ፡ ገና ብዙሕ ዝተርፎ ብዙሕ ከም ዘለዎ ግን ይውቀስ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ማዕረ ክንደይ እዩ ውጽኢታዊ? ነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤታቱ ዘሕልፎም ውሳኔታት የተግብሮም'ዶ? ኣብ ምፍታሕ ግጭት ኣባል ሃገራት ተርኡን ኣተሓሕዝኡን ከመይ'ዩ- ብፍላይ ኣብ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ? ዝብል ሕቶ ብዙሕ ግዜ ዝለዓል ኢዩ።

ፐሮፈሰር ዓወት ብዛዕባ'ዚ ከብርህ ከሎ፡ ''ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ይኹን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሃናጺ ተራ ኔሩዎም ክበሃል ኣይከኣልን።

ከም ኣህጉራውያን ውድባት ግን፥ መገምገሚኦም ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ክኸውን ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ድማ ብመንጽር ሕብረት ኣፍሪቃ ከርእዮ ዝጸንሐን ዘርእዮ ዘሎን ኣተባባዒ ኣንፈታት።''

ወሲኹ ፐሮፈሰር ዓወት፤ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ዘቤታውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ናይ ሓድነት ጉዕዞ በዳህን ዘገምታውን ክኸውን ባህሪያዊ ምዃኑ የስምረሉ።

ስለዚ ዓቕሊ ኣጽቢብካ 'እዚ ሕብረት ረብሓ ወይ ጥቕሚ የብሉን' ኢልካ ምርባጽን፡ ንኣገዳስነቱ ምንእኣስን ግጉይ ከም ዝኾነ ይምዕድ።

ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መረሳ ጸሃየ ብወገኑ፡ ወድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ደሓር ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመስረተሉ ዕላማ ጽቡቅ እኳ እንተኾነ፡ መሰረታዊ ናይ መሓውር ሽግር ስለ ዘለዎ ግና ኣድማዒ ኣይኮነን ብምባል ይገልጾ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከሰጋግሩ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ውጽኢቶም ግና በንጻሩ ኢዩ፤ ገሊኦም'ሲ አረ ካብ ባዕዳዊ ምግዛእቲ ዝኸፍኡ ከም ዝኾኑ ኢዩ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መረሳ ዘረድእ።

ኣመጻጽኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሓላለኸን ብዙሕ ጸገም ዘለዎን ስለ ዝኾነ ድማ - እዚ ድሕረ ባይታ ንባዕሉ - እዘን ሃገራት ንሓድሕደን ከም ዘይቃደዋ ገይርወን ኢዩ።

ኣብ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ፡ እዚ ሕብረት ዝኾነ ኣወንታዊ ተራ ከም ዘይተጻወተን፡ ክጻወት ውን ትጽቢት ከም ዘይግበረሉን ኢዩ ተተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር መረሳ ዝምጉት።

"እዚ ሕብረት መገልገሊ ሓያላን ሃገራት እንበር ናይ ፍትሕን ርትዕን ኣይኮነን። መራሕቱ 'ውን ሞራላውን ፖለቲካውን ልዕልና የብሎምን'' ይብል።