ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰራሕተኛታቱ ብፍላጥ ዝተገብረ'ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
ዓለምለኻዊ ትካል ግብረሰናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤም-ኤስ-ኤፍ) እቲ ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ብፍላጥ ዝተገብረ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።
ጓል 31 ዓመት ስጳኛዊት ማርያ ሀርናንዴዝን ወዲ 31 ዓመት ዮሃንስ ሓለፎምን ምስ ናይቲ ትካል ዘዋሪ መኪና ወዲ 31 ዓመት ቴድሮስ ገብረማሪያምን ብ17 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ እናሃለዉ ከምዝተቐተሉ ይዝከር።
ነቲ ቕትለት መን ከምዝፈጸሞ ዛጊድ ዝተረጋገጸ ነገር ከምዘየለ ፕረዚደንት 'ኤም-ኤስ-ኤፍ' ስፐይን ፓውላ ጊል ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ተዛሪባ።
"መሳርሕትና ዮሃንስ ሓለፎም፣ ቴድሮስ ገብረማርያምን ማሪያ ሀርናንደዝን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕተሉ ድሕሪ 6 ወርሒ'ውን መን ሓላፍነት ከምዝወስድን ብዛዕባ ዝተቐትሉሉ ኩነታንን ብዝምልከት ንጹር መረዳእታ ኣይረኸብናን" ኢላ።
"ኤምኤስኤፍ ንዝረኸቦም ሓበሬታ ብምውዳብ ተንቲኑ'ሎ። ብ24 ሰነ ካብቲ ፕሮጀክትና ዝርከበሉ ዓብዪ ዓዲ ከምዝተበገሱን ዝቖሰሉ ሰባት ንምእካብ ንኣንፈት ደቡብ ከምዝኸዱን ርግጸኛታት ኢና። ካብ ዝብገሱ ድሕሪ ሓደ ሰዓት መኪንኦም ደው ክትብል ተገይራ።
"ጸኒሕና ድማ ኣስከሬኖም ካብታ መኪና ርሒቑ ረኺብናዮ። ካብ ቀረባ ርሕቐት ብዝተተኮሰ ጠያይቲ እዮም ተወቒዖም። ካብዚ ዝተገንዘብናዮ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ብዝተፈጸመ እምበር ግዳያት ልውውጥ ተኹሲ ከምዘይኮኑ እዩ" ብምባል ገሊጻ።
እቲ ቅትለት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ምዃኖም እናተፈለጠ ከምዝተፈጸመ ዘዘኻኸረት እታ ፕረዚደንት መኪንኦም እውን ምልክት ናይቲ ትካል ዝተጠቅዓ ከምዝነበረት ሓቢራ። ዝተቐትሉሉ ዅነታት ንኽፃረን ዉፅኢቱ ንኽንገሮምን ምስ ሰበስልጣን ኢንትዮጵያን ህወሓትን ከምዝተዘራረቡ ሓቢራ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, Msf
ኣብቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ዶብ-ኣልቦ ሓካይምን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝበሉ ትካላት ረዲኤት ነቶም ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝተፈናቐሉን ቀረባት መግብን ኣገልግሎት ጥዕናን ክህቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን ብሰንኪ'ቲ ዘይርጉእ ኩነታትን ደብዳባት ኣየርን ናብቲ ክልል ዝኣቱ ረዲኤት ብስሩዕ ከምዘይኣቱን ኣብ ገለ ከባቢታት'ውን ከምዘቋረጸን ትካላት ወሃብቲ ረዲኤት ገሊጾም ኣለዉ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሰራሕተኛታትና ምጽራይ የካይድ ምህላዉ ኣረጋጊጹልና'ሎ። ኤም ኤስ ኤፍ ናብ ህወሓት እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። ግን ከኣ ክሳብ ሕዚ ውጽኢት ናይቶም ምርመራታት ኣይበጽሐናን።
"ኣብቲ እዋን ኣብቲ ቦታ ብዛዕባ ዝነበሩ ዕጡቓትን ምንቅስቓሶምን ብዝምልከት ንጹር መብርሂ ንክወሃበና'ውን ሓቲትና ኢና። ናብ ህወሓት እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና" ክትብል ፓውላ ጊል ተዛሪባ።
ኤምኤስ ኤፍ ንቕትለት ሰራሕተኛታቱ ስዒቡ ካብ ሰነ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮዻ ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ዓብይ ዓዲ፡ ዓዲ ግራትን ኣኽሱምን ዝገብሮም ዝነበረ ዝተወሰኑ ንጥፈታት ደው ከምዘበለ ኣዘኻኺሩ'ሎ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ኣብ ክልላት ኣምሓራ: ጋምቤላ: ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ (ሽረን ሸራሮን) ከምኡውን ኣብ ክልል ሶማሌ ዝገብሮም ዝነበረ ንጥፈታት ምእጋዱ ይዝከር።
እቲ እገዳ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተለዓ ኮይኑ፡ ደሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህጹጽ ጊዜ ግን ብሰንኪ ስግኣት ድሕንነት ሰራሕተኛታቱ ንቡር ንጥፈታቱ ክጅምር ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ዝተጎድአት ትግራይ: ሕክምናዊ ቀረባት ንምብፃሕ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሕክምናዊ ቀረባት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተሓተተ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።
እቲ ውድብ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሕክምናዊ ቀረባት ከብፅሕ ከምዝኸኣለን፡ ናብ ትግራይ ግና ከምዘይተፈቕደሉ ሓቢሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ናብ ክልል ዓፋር 14 ሜትሪክ ቶን ናብ ክልል ኣምሓራ ድማ 70 ሜትሪክ ቶን ሕክምናዊ ቀረባትን መሳርሒታትን ከምዘከፋፈለ ዝገለፀ ዶክተር ቴድሮስ፡ ህይወት ንምድሓን እቲ ቀንዲ ነገር ሰብኣዊ ሓገዝ’ዩ ኢሉ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ክሳብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ።
ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብፍላይ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይንገር። ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







