ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብታ ሃገር ሰላም ከስፍን ኮሚቲ ኖበል ሰላም ተማሕጺኑ

ወተሃደራት የኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, SOLAN KOLLI

ኮሚቲ ሽልማት ኖበል ሰላም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ደው ብምባል ሰላም ኣብ ምስፋን ፍሉይ ግደ ክጻወት ጸዊዑ።

እቲ ንሽልማት ኖበል ዝህብ ኮሚቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።

"እቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣብ ሕማቕ ኩነታት'ዩ ዘሎ፡ እኹል ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ተጸበይቲ ዘይምእታዉ'ውን ቅቡል ኣይኮነን" ክብል እቲ ኮሚቲ ሓቢሩ'ሎ።

ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እዉጅ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ዕጽዋ ኣንቢሮም ኣለዉ ክብል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ካይኣቱ ከምዘይከልከሉ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ምዃኖም'ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ቦታታት ኣብ ዝተኻየዱ ደብዳባት ነፈርቲን ድሮናትን ብውሕዱ 76 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ደደቢት ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ መቃዕቲ ስዒቡ ዝተጎድኡ ሕክምናዊ ድጋፍ እናተገበረሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየዱ ደብዳባት ዝሃቦ ግብረመልሲ'ኳ እንዘየለ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ንሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም።

ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚቲ በሪት ረኢስ-ኣንደርሰን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተመሳሳሊ ቅሬታ ከምዘስምዐ'ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ።

"ከም ቀዳማይ ሚኒስተርን ሽልማት ሰላም ከምዝተዓወተን መጠን ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ምግባርን ሰላም ከስፍንን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዉ" ክብል እቲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኮሚቲ ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ።

እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዝተዋህቦ ሽልማት ኖበል፡ ቅቡል ትጽቢታት ዘንብር ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መገለጺ፡ ኣብዪ ኣሕመድ በቲ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሃገሩ ደሞክራስን ሲቪላዊ መሰላትን ክሰፍን ሓፈሻዊ ተበግሶታት ብምውሳዱን ነቲ ሽልማት ከምዝበቕዐ ኣዘኻኺሩ።

እቲ መግለጺታት ካብ ምሃብ ሕዩብ ዝኾነ ኮሚቲ፡ ከምዚ ዓይነት ነቐፌታ ከውጽእ ንቡር ኣይኮነን።

ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም ተቐቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለታት ቀጻሊ ርእይቶታት ክህብ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ኮሚቲ ኖበል ሰላም ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ክሳብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ።

ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብፍላይ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይንገር። ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።