ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ክልቲኦም ወገናት ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ክተሓባበሩ ጉተረዝ ጸዊዑ

ኣንቶኒዮ ጉተሬስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ተስፋ ምርካቡ ከምዘሐጎሶ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምዝተራኸበን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንሰላም ዕድል ዝህብ ግብራዊ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ ኢሉ ከምዝገለጸሉ ጠቒሱ።

"ድሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ዞባን ንሚልዮናት ዝጸለወ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭት፡ ሕጂ ሰላም ንምስፋን ክረጋገጽ ዝኽእል ጻዕርታት ምህላዉ የሐጉሰኒ" ክብል ጉተረዝ ተዛሪቡ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ'ውን ጉተረዝ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ንክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ንምትዕራቕ ዝጽዕር ዘሎ ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን ብውሕዱ ክልተ ግዜ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላም ክብሉ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝወጹ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። መንግስቲ ግን ነቶም ቦታታት ብሓይሊ ከምዝሓዞም'ዩ ዝገልጽ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ነቶም ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከምዝተኣዘዘ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እንተኾነ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መዋስንቲ ዶባት እተን ክልላት ሓሓሊፉ ግጭት ክረአ ጸኒሑ'ሎ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 100 ሰባት ምቕታሉን፡ ብሰንኩ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝተቛረጸን ትካላት ረዲኤት ገሊጸን ነይረን።

ጉተረዝ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵ ያዝቕጽል ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ነቲ ዝውስድ ዘሎ ናይ ምትእምማን ስጉምቲታት ከየተዓናቕፎ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ።

"ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ንኹሎም ወገናት ዘሳትፍ በታ ሃገር ዝምራሕ ልዝብ፡ ሰላም፡ ጸጥታን ናይ ዕርቂ መስርሕን ክድግፍ ድልዉ ኣሎ" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ።

በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ከምዝተሻቐለ ብምሕባር ድማ፡ ኩሎም ወገናት ንሃገራዊን ዓለምለኻውን ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ጻዕርታት ክድግፉን ክተሓባበሩን ተማሕጺኑ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃን ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበረሎም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድን ኣምባሳደር ሞሊ ፊን ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣትዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽበሉን ዘሎ።

እቲ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሲፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።