ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ግጭት ከምዝነበረ ተገሊጹ

ትግራይ አፋር ካርታ

ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ዝዳወቡ ከባቢታት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝነበረ ጸብጻባት ሓቢሮም።

መንግስቲ ክልል ዓፋርን ሓይልታት ትግራይን ንጠንቂ ናይቲ ዝተፈጥረ ግጭት ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ብሰንኪ'ቲ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ፡ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዝወረደ ሓቢሮም።

ሰብመዚ ክልል ዓፋር፡ ህወሓት ኣብዓላ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብሉ ከሲሶም።

ህወሓት ብወገኑ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር "ኣብ ህዝብና ተኸታታሊ መጥታዕትታት ይፍኑ ኣሎ" ክብል ወቒሱ።

ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሒዞሞም ዝነበሩ ከባቢታት ድሕሪ ምውጽኦም እቲ ንኣስታት 14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ቁሩብ ሃዲኡ'ኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ፈደራል ብዘካየዶም ሓያሎ ናይ ነፈርቲ ደብዳባት፡ ኣብ ሲቪላውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዘወረደ ይግለጽ።

እቲ ናብ ኲናት ሓድሕድ ዝዓረገ ግጭት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ መሰላትን ዝርከብዎ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ'ሎ።

line

ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ዓፋር ትባሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ "ኣብ ልዕሊ'ቲ ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝብና ዘካይዶ ዳግማይ" መጥቃዕቲ ብህጹጽ ደው ከብልዎ ጸዊዑ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ብኪልበቲ ረሱ (ዞባ ክልተ)ን ብኣብዓላን ዝተባህሉ ከባቢታት ብተኸታታሊ ደብዳብ ከበድቲ ብረታት ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ጉድኣት የውርድ ኣሎ ብምባል'ዩ ክልል ዓፋር ዝኸስስ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢን ቀዳምን ብዝተኻየዱ ደብዳባት ሓያሎ ጉድኣት ከምዝወረዶእም ብምጥቃስ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተፈናቒሎ ምምህላዎምን ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዝወረደን እቶም ሰብመዚ ሓቢሮም።

ሓይልታት ትግራይ፡ ብወገኖም ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መጥቃዕቲ ይኸፍት ኣሎ ክብሉ ገሊጾም።

እቲ ብማእከላይ ወተሃደራዊ እዚ ሓይልታት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ፡ ሓይልታት ክልል ዓፋር ካብ ቀዳም ጀሚሮም ኣብ ምለዛትን ዳንደን ዝተባህሉ ከባቢት ኣጥቂዖም ኢሉ።

ጸረ-መጥቃዕቲ ብምክያድ ነቲ ዝበልዎ ናይ ሓይልታት ዓፋር መጥቃዕቲ ደው ከምዘበልዎ ዝገለጹ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ግጭት ንምህዳእ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ክልል ዓፋር ጸቕጢ ክገብሩ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ምስ ምውጻእ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑ'ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ናይቶም ክልላት ሓሓሊፉ ግጭታት ከምዝካየድ ይንገር።

ኣብቲ ከባቢታት መስመራት ርክብ ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ ነቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣትዩ ዝነበረ ከባቢት ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ናብ ትግራይ ከይቅጽል ከምዝተኣዘዘ ሰበስልጣን መንግስቲ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ፡ ዋላ'ኳ ጸቕጢ ናይ ድሮናት ከምዝነበሮም እንተ ተኣመኑ፡ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ካብ ጎረባብቲ ክልላት ምውጽኦም'ዮም ገሊጾም ነይሮም።

ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ፡ ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ገለ ጎረባብቲ ሃገራትን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ለውጢ ኣየምጽአን ዘሎ።

ክልተ ላዕለዎት ሰበለልጣን ኣመሪካ፡ ምስ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያን ዞባዊ ኩታትን ብዝተሓሓዝ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝጀመሩ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ነበር ኦለሰጉን ኦባሳንጆ ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ተራኺቡ ነይሩ።