ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተኣወጀ ተገሊጹ

ብደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰላማውያን ሰባት ንምዝካር ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ 5 ጥሪ ክሳብ 7 ጥሪ 2014 ዓ/ም መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ክዝከር ተኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, DT

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ንምዝካር፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተኣወጀ ተገሊጹ።

መራሕቲ ትግራይ ሎሚ ረቡዕ ብመገዲ "ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ" ኣቢሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ከምዝሕበርዎ፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ ከተማታት ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ደደቢት፣ ማይ ጸብርን ካልኦት ከባቢታትን ብደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ንዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ንምዝካር ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ 5 ጥሪ ክሳብ 7 ጥሪ 2014 ዓ/ም መዓልቲ ሓዘን ኮይኑ ክዝከር ተኣዊጁ ኣሎ።

በዚ መሰረት ባንዴራ ክልል ትግራይ ኣብያተ ዕዮታት ትሕት ኢሉ ክንብልበል ተኣዚዙ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልቲታት ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብዝተፈጸሙ ደብዳባት ነፈርቲ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ።

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ተዓጽዩ ዝርከብ መስመራት መራኸቢታት ስልክን ኢንተርነትን፡ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ናይቶም ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰባት ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤት ተዛሪቦም ነይሮም።

ብተመሳሳሊ ብሰኑይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ: ከተማ ማይ ጸብሪ ኣብ እንዳመጥሓን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፋሪት መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 17 ሰባት ከምዝተቐተሉን ዓሰርተታት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤትን መሰኻኽር ዓይንን ንወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ዛጊድ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ዝበሎ ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ግን፡ ንዒላማታት ሓይልታት ትግራይ ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ክገብር ከምዝጸንሐ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም።

ቤት ጽሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ

በቲ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈጸመን መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ጎንጽን መጥቃዕቲታት ኣየርን ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምስላጥን ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስን ኩሎም ወገናት ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት- ዩኒሴፍ፡ ብወገኑ ነዚ "ኣብ ትግራይ ኣብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ዝኾነኖ ኮይኑ በቶም ዝተፈፀሙ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከምዝተቖጠዐ'ውን ኣፍሊጡ።

ብሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ዝተዘራረብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ፡ በቲ ዝቕጽል ዘሎ ተጻብኦታትን እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣየር ሲቪላውያን ግዳያት ይገብር ብምህላዉ ዘለዎ ሻቕሎት ከምዝገለጸሉ ካብ ጻዕዳ ቤተ መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣየር፡ ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝህብዎ ዝነበሩ ኣግልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቋረፁ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህወሓት ምዃኑ እዩ ዝኸስስ።

መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔይሩ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ብፍላይ ድማ ብደቡባውን ምዕራብን ትግራይ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘዋስኑ ከባብታት ውግእ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ኦባሳንጆ ትማሊ ሰሉስ ናብ ርእሰከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከምዝኣተወ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ሓቢሩ።