መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክበጽሕ በረራታት ከቀላጥፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ነፋሪት ትካል መግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FORIEGN AFFAIRS OF ETHIOPIA

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ምግብን መድሓኒትን ዝበሉ መሰረታዊ ቀረባት ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምብጻሕ፡ መዓልታዊ ዝግበሩ በረራታት ከምዘቀላጥፍ ኣፍሊጡ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓልፈሉ መንገዲ ኲናት ይካየድ ብምህላዉ፡ ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኣጓጎለ ምስገለጸ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ በረራታት ከምዘሳልጥ ገሊጹ ዘሎ፡፡

እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ብኣንፈት ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከም ምግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕንስ፣ ከናውሕን ክስርዝን ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ እዩ፡፡

ኣተሓባባሪ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ብሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ካብ ሰመራ ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ መቐለ ዝጎዓዝ ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣብዓላ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ብ5 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም (ግእዝ) ጀሚሩ ተቛሪጹ ይርከብ’’ ኢሉ፡፡

ሚኒስተር ጉዳየት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓብዪ ጠለብ መሳርሒ ሕክምና ይርዳእ እዩ ኢሉ፡፡

እንተኾነ መንግስቲ ምስ ሓገዝቲ ትካላት ብምዃን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ጻዕሪኳ እንተገበረ ፡ ህወሓት ካልኣይ መጥቃዕቲ ብምኽፋቱ ፍቓድ ዝተውሃቦም መድሓኒታትን ቀረባት ሕክምናን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ካብ ኣብዓላ ምሕላፍ ኣይከኣሉን ኢሉ፡፡

በዚ ምኽንያት ብመሬት ካብ ዝግበር ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፌደራል መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣየር ንምብጻሕ መዓልታዊ በረራታት ከምዘመቻቹ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ፡፡

በዚ መሰረት ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣመራርሓ ስራሕ እዋን ሓደጋን ምስ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ብምዃን፡ መሰረታዊ ዝኾኑ መድሓኒታትን ቀረባትን፡ ኣቑሑት ብዝጽዕና ነፈርቲ ብመዓልታዊ በረራታት ምብጻሕ ከምዘተሓባብር እቲ ሚኒስተር ገሊጹ፡፡

ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍቶምን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከምዝኸልከለን፡ ሐዚ ድማ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ንምእታው ተደጋጋሚ ፈተነ ይገብር ከምዘሎን ይኸሱ፡፡

ነፋሪት ትካል መግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, WFP/twitter

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዘይተኣወጀ ዕጽዋ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ናብ ትግራይ መድሓኒት ከየእቱ ብመንግስቲ ከምዝተኸልከለ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ገሊጹ ነይሩ፡፡

ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም እንትስእኑ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንከቢድ ዓጸቦ ተቓሊዖም እዮም፡፡

ብፍላይ ኣብታ ብኸቢድ ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብፍላይ ትካላት ጥዕና ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒትን መሳርሕታትን ኣገልግሎት ኣብ ዘይህባሉ ብርኪ ከምዝበጸሓ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ እዩ፡፡