ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ፈሪሖምን ዝብላዕን ስኢኖምን' ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ሳምንታት ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሹን ልዕሊ 20 ስደተኛታት ብምኽንያት ሕጽረት መድሃኒትን ኣገልግሎት ጥዕናን ከም ዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊጹ።

ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብተን መዓስከራት ዝርከባ ክሊኒካት ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ዝነበረን ቀረባት መድሃኒት ከም ዝተወድአ ብምጥቃስ ምክልኻል ብዝክኣሉ ሕማማት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቑጽሪ ይውስኽ ኣሎ ኢሉ።

ኣባላት ናይቲ ትካል ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝበጽሑ ብምግላጽ፡ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ህጹጽ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

"እቶም ስደተኛታት ፈሪሖም፡ ዝብላዕ ንምርካብ ተጻጊሞም፡ መድሃኒታት ስኢኖምን ጽሩይ ማይ ተሓሪምዎን" ከምዝረኸብዎም ጠቒሱ።

"ስደተኛታት ጆሆ ናይዚ ግጭት ክኾኑ የብሎምን" ክብል ድማ እቲ ንመሰላት ስደተኛታት ንምሕላዉ ዝቖመ ትካል ተማሕጺኑ'ሎ።

ሕጽረት ነዳዲ ብምህላው፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ወሓዚ ሩባታት ዝስተ ማይ ይጥቀሙ ብምህላዎም ስግኣታት ማይ-ወለድ ሕማማት ከም ዘለው ዝጠቐሰ እቲ መግለ:ጺ እቶም ስደተኛታት ጸገማት እኹል መግቢ፣ ሕጽረት መድሃኒትን ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

ኣብተን መዓስከራት ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ምህላዎምን እዚኦም ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳባት ዝተባህለ ቦታ ዝተደኮነ ሓድሽ መዓስከር ንምስግጋር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሓተተ ብምሕባር: ነቶም ስደተኛታት መግብን ካልእ ቀረባትን ምብጻሕ እንተዘይተኻኢሉን ሓገዝ ናብ ዝረኽብሉ ቦታ ክሰጋገሩ እንተዘይክኢሎምን ብዙሓት ካብኦም ክሞቱ'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ'ሎ።

"ነቲ ብሓፈሻ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጻውዒት ብምድጋፍ፡ ኩሎም ወገናት [ናይቲ ግጭት] ኢትዮጵያ ውሕስነት ሲቪላውያን ከረጋግጹን፡ ንመሰረታዊ ናጽነታት ኩሎም ሰባትን ስደተኛታትን ከኽብሩን" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ጸዊዑ'ሎ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሪሽ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Hanna Qassis

ብ5 ጥሪ 2022 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቖም ምንባሮም ይዝከር።

ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘዕቆባ ክልተ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን በቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ብምዕናወን፡ ኣብአን ዝነበሩ ስደተኛታት ኣደዳ ምብትታንን ጭውያን ኮይኖም እዮም።

ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዘይክኣለ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብዚ ቀረባ እዋን ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ነቲ ክሳብ ሕጂ'ውን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣይሃበን ዘሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከበሉ ዕድል ተፈጢሩ ምህላዉ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ ነይሩ።