'ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ጎነጽ ወሲኹ'-ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ማእከል ግጭት ክልል ትግራይ ተቐርቂሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ መጥቃዕትታት ኩሎም ተራጸምቲ ወገናት ናይቲ ኲናት ከምዝኾኑ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራን፡ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ንጸብጻብ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ብምጥቃስ ከሲሱ።

"እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር፡ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዕኦም ዝድግፉ ወተሃደራት ኤርትራን፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድግፉ ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን ከምዝፈጸሙ ብዙሕን እሙንን ክስታት ተቐቢለ" ክብል ፍሉይ ወኪል ሱዳናዊ ዶ/ር ዓብደልሰላም ባቢከር ተዛሪቡ።

ቅድሚ'ቲ ኲናት ምውልዑ፡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቚቦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ክልተ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ብምዕናወን፡ ኣብአን ዝነበሩ ስደተኛታት ፋሕ ፋሕ ክብሉ ከምዝተገደዱን፡ ገለ ካብኦም ናብተን ዝተረፋ መዓስከራት ክኸዱ እንከለዉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝቐጸለ ውግኣት ድማ፡ እቶም ኣብ ማዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ምእታዎም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብውሕዱ ክልተ ስደተኛታት ከምዝተቐትሉን፡ ዝቖሰሉ ከምዘለዉን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

"ብሰንኪ ናብ ሓደስቲ ቦታታት ዝላባዕ ዘሎ ውግእ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ጎነጽ ወሲኹ'ሎ" ይብል እቲ ኣብ ጀነቫ 'ዚመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ክካየድ ዝጸንሐ ውግኣት'ውን፡ ምፍንቓል ኣሽሓት ሲቪላውያን ከምዘስዓበ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ኩነታት ነቶም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ካልእ መዓስከር ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከየእትዎም'ውን ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።