ኤርትራ፡ ደበና ኲናትን ዓበይቲ ብድሆታትን ዘንጸላለዎ መበል 31 ጽንብል ናጽነት

ከተማ ኣስመራ ጎደና ሓርነት

ሎሚ ሰሉስ 24 ግንቦት 2022፡ ኤርትራ መበል 31 ጽንብል በዓል ናጽነታ እተኽብረሉ መዓልቲ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻኢን ዝርከቡ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክጽንብልዎ ቀንዮም ኣለው።

ብቐንዱ ግን እታ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ትርከብ ኣላ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ እዩ።

ብኣጋጣሚ 'ዚ መዓልቲ እምበኣር፡ ኤርትራ ድሕሪ 31 ዓመታት ናጽነት፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከምእትርከብ ዝድህስስ ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

Short presentational grey line

ደበና ኲናት

ኣብዘን ዝሓለፋ 31 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ዝዓረፈለን ዓመታት ውሑዳት እየን።

ቅሩብ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ 1994 ኣብ መንጐ ኤርትራን ብፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽርን ትምራሕ ዝነበረት ጐረቤት ሃገር ሱዳንን እናሓርፈፈ ዝኸደ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ ምሉእ-ብምሉእ ናብ ምብታኽን ወተሃደራዊ ረጽሚን ኣምሪሑ።

ኣብ ዝቐጸለ ዓመተ 1995 ድማ ኤርትራ ብጉዳይ ዋንነት ደሴታት ሓኒሽ ዝተላዕለ ምስሕሓብ ምስ የመን ኣብ ኲናት ኣትያ።

ኣብ መወዳእታ ብዝተዋህበ ቀያዲ ፍርዲ እተን ደሴታት ንየመን ከምዝተዋህባ ይዝከር።

እቲ ዝኸፍአ ግን እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ሂወት ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያንን ኣስታት 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናትን ብሰንኩ ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵነተ-ኲናትን እዩ ነይሩ።

እዚ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጽመዱ ዝገበረ ድማ'ዩ ነይሩ።

ኣብ 2009፡ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዘካየደቶ ዶባዊ ኲናት'ውን ንዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ሎሚ ናብ ንቡር ከይምለስ ዓንቂጹ ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳይ'ዩ።

ኣብ ሓምለ 2018 ብተበግሶ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራሙ፡ ተስፋ ሰላምን ራህዋን ሰማይ ዝዓረገሉ ብስራት'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ኣብ ዛላምበሳ

ምንጪ ስእሊ, FISTUM AREGA/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ኣብ ዛላምበሳ

ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ክወስድ ዘብቅዐ ፍጻመ ድማ'ዩ ነይሩ።

"ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኵነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ፡" ዝበለ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ "ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ፡" ክብል ኣዊጁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝነበሮ ፈላሚ ርክብ፡ "ኣብ 25 ዓመታት ዝጠፍአ ግዜ ዝተኸስረ ዕድል እዩ፣ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክትልክዖ እውን ዝከኣል ኣይኮነን።

ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን ኣይጠፍኣናን፣ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና ኢና፡" ምባሉ፡ ዋላ'ኳ ነቐፌታ ዘስዓበሉ እንተነበረ፡ ነቲ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ፍጻመ ዝገልጽ ነበረ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ'ውን "ድሕሪ ደጊም፡ ውግእን ወረ ውግእን ምስማዕ - ይኣክል" ዝብል ኣብ ኣስመራ ዘስምዖ መደረ ንልቢ ብዙሓት ኣረስሪሱ'ዩ።

ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቢይ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ብዝተሳተፍዎ ጽንብል ተኸፊቶም፣ ዜጋታተን ንሳምንታት ብዘይ ዝዀነ ደረት ብምድርን ብኣየርን ካብን ናብን ክልቲአን ሃገራት ክመላለሱን ንግዳዊ ምልውዋጥ ክገብሩን ምጅማሮም ከኣ ነባሪ ሰላም ከምዝተረጋገጸ ዝእምት ነበረ።

ብዙሓት ተንተንቲ ግን፡ እቲ "ጸወታ ኣብቂዑ'ዩ" ብዝብል ተጻባኢ ቃና ዝተሰነየ ብልጭ ዝበለ ሰላም፡ ንህወሓት ዘግለለ ብምንባሩ፡ ምሉእ ከምዘይከውን ብኣጋኡ ኣሚቶም ነይሮም'ዮም።

ክልተ ኣንስቲ እናተሰዓዓማ
መግለጺ ስእሊ, ንልዕሊ 20 ዓመት ተፈላልዮም ዝነበሩ ስድራ ቤታት ብኣካል ክራኸቡ ዕድል ረኺቦም

ሃንደበት እቲ ዝተኸፍተ ዶባት ሓደ ድሕሪ ሓደ፡ ብቑዕ መግለጺ ከይተዋህበሉ ክዕጾ ምጅማሩ ድማ ነቲ ስክፍታ ዘግሃደ ኮነ።

ፈለማ ቅጥዕታት ኢሚግረሽንን ንግዳዊ ፕሮቶኮላትን ክሳብ ዝጻፈፍ'ዩ ዝብል ጉልባብ ክወሃበሉ ተፈቲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ግን፡ ካልእ ነገር ከምዘሎ ብሩህ እናዀነ መጺኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝተኸሰተ ንኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝደረኸ፡ ዓቢ ተስፋ ዝተገብረሉ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ነዊሕ ከይከደ ፈተንቲ ብድሆታት ከጋጥምዎ ጀመሩ።

ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብፍላይ ምስቲ ንነዊሕ ዓመታት ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝቕልስ ዝነበረ ህወሓት ኣብ ምትፍናን ድሕሪ ምእታዉ፡ ወጥሪ እናዓረገ መጺኡ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድማ ቅሉዕ ኲናት ተባርዐ።

እቲ ኲናት ምስ ተጓሃሃረ፡ እቲ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ሓድሽ ሽርክነት ዝመስረተ ኢሳይያስ፡ ሰራዊቱ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ምእታዉ ዳግማይ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኲናት ዝሸመመ ኵነታት ፈጠረ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ፈጺሙ ተባሂሉ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ዝኣመሰሉ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ይኽሰሱ።

ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጐ።

ወተሃደራዊ ምርኢት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ምኽባር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን'ውን ተመሳሳሊ ክስታት ቀሪብሎም'ዩ። ህወሓት ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ብናጻ ኣካል ክምርመር'ዩ ዝጽውዕ።

ኣመሪካ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ ኤርትራን መራሕቶምን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላትን ሓለፍትን ህግደፍ እገዳታት ገይራ ኣላ።

እቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት ንገለ ኣዋርሕ ብተዛማዲ ሃዲኡ'ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት ጀሚሩ ግን፡ መናውራታትን መግለጺታትን ውግእ ብዅሎም ወገናት ክርኣዩ ምቕናዮም፡ ኲናት ከም ብሓድሽ ከይውላዕ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

እናንቈልቈለ ዝመጸ ቁጠባ

ኣብ ፈለማ ቀዳሞት 7 ዓመታት ናጽነት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ "ዳግመ-ህንጻ" ሃገር ዝተራእየ ተስፋ ዝህብ ዝነበረ ቁጠባዊ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ሃንደበት ተኾሊፉ።

ብዘይካ'ቲ ንኲናት ዝባኽን ሃብቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ንግዳዊ ምልውዋጥ፡ ዝያዳ ንኤርትራ ከምዝሃሰያ'ዩ ዝግለጽ። ኣብቲ እዋን ዝነበራ ፋብሪካታት ኤርትራ ቀንዲ ዕዳጋታተን ሰሜን ኢትዮጵያ ብምንባሩ ሰደድ ክድስክል ተገዲዱ።

ብዓቢኡ ግን፡ እቲ ኲናትን ድሕሪኡ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኵነተ-ኲናትን ንኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ኣብ ውትህድርና ስለ ዝጸመዶ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ።

ካብ 18 ክሳብ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ከይተረፉ፡ ናብቲ ገደብ-ኣልቦ ዝዀነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸዱ ብምግዳዶም ትካላቶም ዝተዓጽወ ውሑዳት ኣይኰኑን።

ኣብ ጎዶና ሓርነት ኣስመራ ዝርክብ መሸጢ ዓሳ ማርካቶ 19/07/2018 ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, መሸጢ ዓሳ ማርካቶ ኣስመራ

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ንፖለቲካ ኤርትራ ብሒትዎ ዘሎ ገዛኢ ውድብ ህግደፍ፡ ንብሕታዊ ክፋል ቁጠባ እታ ሃገር'ውን ብምብሓት፡ እቶም ዝርካቦም ሰብ ሃብቲ ዕድላቶም ጸቢቡ፡ ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ብምግባር፣ ንብሕታዊ ወፍሪ ሓኒቑ ምሓዙ'ውን ተወሳኺ ጠንቂ ምንቁልቋል ቍጠባ ኰይኑ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ሓያሎ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ካብታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ፡ ኣንጐላን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሃገራት ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ይግለጽ።

ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘይስሩዕን ዘይንጹርን ባጀታውን ፊስካላውን ስርዓት'ውን፡ ነቲ ኵነታት ዘጋድድ ምዃኑ ክኢላታት ቁጠባ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ንሓያሎ ዓመታት መንግስቲ ንመሰረታዊ ቀረባት መግቢ፡ ጋዝን ነዳድን ብምቍጽጻር፡ ብኩፖን ክሳብ ምዕዳል ምብጽሑ'ውን መርኣያ ናይቲ ምንቁልቋል ከምዝዀነ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብዙሓት መንግስታውን ብሕታውን ትካላት ሰኣን ጸዓት፡ ዓዲ-ውዒል ኰይነን ንዓቢ ክሳራ ከም ዝተቓልዓ፡ ባዕሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከይተረፈ ብተደጋጋሚ ኣብ ቃለመጠይቓቱ ዝተኣመነሉ ሓቂ'ዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ቀጠባ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ'ዩ።

ንኣብነት እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ፋብሪካ ስሚንቶ "እቲ ዝዓበየ ግዳይ ናይ'ዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ኤሌክትሪክ" ምዃኑ ኢሳይያስ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ስለምንታይ'ዩ እቲ ኣብ ሕርጊጐ ዘሎ ቀንዲ መመንጨዊ ጸዓት እታ ሃገር ክዕረ ዘይከኣለ? ስለምንታይከ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዓመት መጸ ዝህቦ ተስፋ ዘይተተግበረ? ዝብሉ ሕቶታት ንብዙሓት ኤርትራውን ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ኰይኖምዎም ዘለው'ዮም።

ዕደና ቢሻ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብ ቀንዲ ጽላታት ቁጠባ ዝዀነን ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ዝኽእልን ዝነበረ ንጥፈታት ህንጻ፡ ካብ 2006 ኣቢሉ ንልዕሊ 15 ዓመታት ምድስካሉ፡ ሓደ ካብ ጠንቅታት ምድኻም ቁጠባ ኤርትራ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

ሰሚንቶ ተሳኢኑ፡ ሑጻ ተኣጊዱ፡ ቀንዲ መሳርሒታት ህንጻ ምእታው ተኸልኪሉ ዝብሉ ምኽንያታት ክወሃብሉ ምጽንሖም ድማ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ዚ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሑ ዝደልዩን ድሮ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ንመንግስቲ ዘትሓዙን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተመነይዎ ከይረኸቡ ንዓመታት ይጽበዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ጠንቂ ምንቁልቋል ቁጠባ ኤርትራ፡ እገዳታት ምዕራባውያን ሃገራት'ዩ እዮም ዝብሉ።

እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተነብረ እገዳታት፡ ፈልዩ ንሰብመዚ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን ከምኡ'ውን ንግዳዊ ትካላት ህግደፍ ዒላማ ዝገበረ ብምዃኑ፡ ጽልዋኡ ነቲ ሃገራዊ ቁጠባ ዝሃሲ ከምዘይኰነ'ዮም ክኢላታት ዝምጉቱ።

ሕሰም መነባብሮ

ሳዕቤናት ለበዳ ኮሮነቫይረስን ደርቅን ተወሲኽዎ፡ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምኽንያታትን ዝተዳኸመ ቁጠባን፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ድኽነት፡ ጥምየትን ሕሰምን ከምዘስዓበ'ዩ ዝግለጽ።

እቲ "ርእሰ-ምርኮሳ" ዝብል መትከል ከምዝኽተል ዝገልጽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመርሖ መንግስቲ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱ ብምኽልካሉ ኸኣ እቲ ዝተጸገመ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ወጻኢ ደገፍ ከይረክብ ተሓሪሙ ኣሎ።

ካብ 2001 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበራ ዓመታት ጥራይ፡ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ናይ ልምዓት ወድባትን ማሕበራት ረዲኤትን ካብ ኤርትራ ተሰጒገን እየን።

ኣብ 2005 ልምዓታውን ሰብኣውን ደገፍ ዝህብ ዝነበረ ኣመሪካዊ ዓለምለኻዊ ትካል ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ (USAID) ኣብታ ሃገር ንጥፈታቱ ከቋርጽ ተኣዚዙ።

ኣብ መጋቢት 2006 ድማ፡ 'መርሲ ኮርፕስ'፡ 'ኮንሰርን' ከምኡ'ውን 'ኣኮርድ' ዝተባህሉ ፍሉጣት ትካላት ረዲኤት ዝተዋህቦም ፍቓድ ስራሕ ተሰሪዙ ካብታ ሃገር ክወጹ ተኣዚዞም።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንመነባብሮ ብዙሓት ብምድጋፍ ንቁጠባ'ታ ሃገር ዝሕንኾ ዘሎ እቲ ካብቶም ካብ ሃገር ሃዲሞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ስድራቤቶም ዝሰድዎ ገንዘብን ቀረባትን (ረሚታንስ) እዩ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ ህግደፍን መንግስቲን ዝቈጻጸርዎ ስርዓተ-ሸርፊን፡ ጽልዋኡ ከምዘንቆልቆለ ብዙሓት ኤርትራውያን ዘማርርሉ ዘለዉ ጉዳይ ኰይኑ'ሎ።

መደበር ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, መደበር ኣስመራ

ከም ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት'ውን፡ እንተወሓደ ብዓይነት ከምዘንቆልቆሉ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ተበጻሕነት ትምህርትን ጥዕናን፡ ብዓይኒ ትሕተ-ቅርጽን ዕድላትን ከምዝሰፍሐ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኵነታት ጥዕና፡ ሆስፒታላት ይዅኑ ክሊኒካት ብሰንኪ ሕጽረት ብቝዕ መሳርሒታት፡ ዓቕሚሰብን መድሃኒትን ብዙሕ ሰብ ንሞትን ንስእነት ሕክምናን ከምዝተቓልዐ ይግለጽ።

ሓለፍቲ መንግስቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምኻድ ብሸርፊ ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይግደዱ ምህላዎም ቀጻሊ ተርእዮ እዩ።

ዓቕሚ ዘይብሎም ወይ ሃንደበታዊ ጸገም ጥዕና ዘጋጠሞም ብዙሓት ሕሙማት ክድሕኑ እናኸኣሉ ሰኣን እዋናውን ግቡእን ክንክን ይሞቱ ምህላዎም ይንገር።

ነቲ ዝርካቡ ኣገልግሎት ንምርካብ'ውን ሕሙማት ለይቲ ከይተረፈ ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታላት ደቂሶም ክጽበዩ ይርኣዩ።

እቲ ቅልውላው ሓካይም ከይተረፉ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ብምምጻእ ክገልጽዎ ተሰሚዖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ መንግስቲ ነተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝነበራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ምዕጻውን ምህጋሩን'ውን ነቲ ቅልውላው ኣጋዲድዎ እዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ናይታ ቤተክርስትያን ከም ዝተሃገራ'ውን ይዝከር።

ኵነታት ዘይስሩዕ ኣገልግሎት መብራህትን ማይን፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት'ውን ንዜጋታት ንዓመታት ዘሳቐየ እዩ።

ሆስፒታላት ከይተረፋ ግዳይ ምቁራጽ ካብ ምዃን ዓዲ ከምዘይወዓላ ይግለጽ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ክሳብ ካልኣይ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ክብሃል ብዝከኣል ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዘይነበረ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ክሳብ 24 ሕዳር እውን ኤሌክትሪክ ጠቕሊሉ ተቛሪጹ ምንባሩ፡ እቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ሽግር ክኸፍእ እምበር ከመሓይሽ ከምዘይከኣለ ዘርኢ እዩ።

ካብቲ ተሓታትነት ዘየፍቅድ መንግስቲ፡ ቀጻሊ ዝወሃብ መብጽዓታት፡ ንተስፋታት ናይቶም ግዳይ ጸገማት ዝዀኑ ዜጋታት ኣማህሚንዎ ይቐጽል ኣሎ።

በዚ መንጽር፡ እቲ ዓመት መጸ ኣብ 24 ግንቦት ዝወሃብ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እንታይ ሓድሽ መብጽዓ ከምጽእ'ዩ ዝብል ዝብል ከኣ ወትሩ መዛረቢ እዩ።

ኵነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

ሓደ ካብ ቀንዲ ክስተታት ናይዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ምቕልቃልን ምቕጻልን ለበዳ ኮቪድ-19 እዩ ነይሩ።

እዚ ኣስታት 15 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ከምዝቐዘፈ ዝንገረሉ ዘሎ ቀታሊ ቫይረስ፡ ንማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሂወት ዝጸለወ'ዩ ነይሩ።

ባንዴራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ለበዳ ንኤርትራ'ውን ከም ዓለማ ኣይነሓፋን። ፈለማ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ድሕሪ ምቕልቃሉ፡ ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ፡ ብ21 መጋቢት 2020 ሓደ ካብ ኖርወይ ዝኣተወ ወዲ 39 ዓመት ከምዝተለኽፈ ምርግጋጹ ዓቢይ ዜና'ዩ ነይሩ።

ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ቫይረስ ንምግታእ፡ ከቢድ ጥምየት ዝርከቦ ጸገም መነባብሮ ዘስዓበ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን ኣዊጆም ነይሮም።

ዝተፈላለያ ሃገራት ተመሳሳሊ ዕጽዋታት'ኳ እንተኣወጃ ህጹጽ ባጀት ብምስላዕ ጸገም መነባብሮ ህዝቢ ንምቅላል ምፍታነን ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ "ንርዱእ ምኽንያታት" ዝበሎ ብንጹር ዘይተገልጸን ዘይርዱእን ምኽንያት ባጀት ክምድብ ከምዘይክእል'ዩ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብደረጃ ዓለም እቲ ቫይረስ በቲ ዝተዋህበ ክታበት ክግታእን ወይ ድማ ሳዕቤናቱ ክድረት ከምዝኸኣለ ይፍለጥ። ሃገራት ድማ ገዚፍ ባጀት ብምስላዕ ንዜጋታተን "ምሉእ ክታበት" (ክልተ ግዜ ዝወሃብ) ንምሃብ ክቀዳደማ ተራእየን።

ኤርትራ ግን ክሳብ ሎሚ ንህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝሓረመት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና'ላ። ኣብ ዓለም'ውን ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ እየን ክታበት ተሓሲመን ዘለዋ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብምካድ ክታበት ይረኽቡ ምህላዎም ይፍለጥ።

ብፍላይ እቲ መሰረታዊ ቅጥዒ መገሻ ኰይኑ ዘሎ ክታበት፡ ኣብ ሂወት ኤርትራውያን ዓለምለኻውያን ገያሾ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ብዙሓት ይዛረቡ።

ዓለም ዘዛረቡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 31 ዓመታት፡ ንኤርትራ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት እወታዊ ምስሊ ካብ ዝፈጠሩላ ቀንዲ ምዕባለታት ሓደ፡ ስፖርት እዩ።

ብፍላይ ኣብ ውድደራት ጉያ እግርን ቅድድም ብሽክለታን ድሙቕ ዓወታት ኣመዝጊባ'ያ።

ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኦሊምፒክ ኣቴንስ 2004 ብሩር መዳልያ ዝተዓወተን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ዓበይቲ ውድድራት'ውን ወርቅን ብሩርን መዳልያታት ዝወነነ ኦሊምፒካዊ ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ማራቶን ከተማ ኒውዮርክ ወርቂ ዝዓተረ ግርማይ ገብረስላሰን ካልኦትን ካብቶም ኤርትራ ዘፍረየቶም ኣትሌታት እዮም።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ 2022፡ ጓል 32 ዓመት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደጉ 2022፡ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ንውድድራ ብ2 ሰዓት፡ 21 ደቒቕን 25 ካልኢትን፡ ቀዳመይቲ ብምዝዛም፡ 3 ክብረወሰን ዘመሓየሸ ዓወት ኣመዝጊባ እያ።

ዝያዳ ዅሉ ስም ሃገሮም ዘጸውዑ ዘለዉ ግን፡ እቶም ብሃገራዊት ጋንታ፡ ብክለብን ብውልቅን ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ኣፍሪቃን ዓለምን ቅያ ዝሰርሑ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እዮም።

ኤርትራ፡ ንውድድር ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዓብሊላ፣ ሓያሎ ምስ ክለባት ዓለም ዝተጸንበሩ ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ኣፍሪያ'ላ።

ሓደ ካብቶም ብሃራት ዝዀነ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ 10ይ መድረኽ ናይቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝካየድ ዘሎ ጂሮ ዲ-ኢታሊ ቀዳማይ ኰይኑ ብምእታዉ፡ ኣብ 'ግራንድ ቱር" ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ'ሎ።

ቢንያም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት'ውን ኣብቲ ካብ 1934 ጀሚሩ ዓመታዊ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ቤልጂም ዝካየድ ክላሲካዊ ቅድድም ብሽክለታ 'ጌንት-ዌቨልገም' ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ምዃኑ ይዝከር።

ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ንጉስ ዓቐብ ተባሂሉ ንፈለማ እዋን ቀይሕ ትንኳዕ ማልያ ክወዲ ዝበቕዐ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ'ውን ዓለም ኣዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

ዓለምለኻውን ዞባውን ጉዳያት

ብግዱድን ባዕላውን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ እትፍለጥ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብጉዳይ ኲናት ዩክረይን ዝምልከት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ዘዛረበት ሃገር ኰይና'ላ።

ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ዝሓለፈ፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝዅንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ብምንጻግ፡ ጸግዒ ሩስያ ዝሓዘት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይዝከር። ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ዘድመጻ ካልኦት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቤላሩስን ሩስያ ባዕላን ጥራይ'የን ነይረን።

እቲ ስጕምቲ ነቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝጸንሓ ሓርፋፍ ዝምድና ዘጋድድ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሮም፡ መትከላዊ'ዩ ክብሉ'ኳ ዝምጉቱ እንተዀኑ፡ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገር ዝነበሩን ተንተንቲ ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ግን፡ በብእዋኑ ዝቀያየርን ስልታውን ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘርኣየቶ ምቅይያር ዝምድናታት ሓደ መርኣያ ምዃኑ ድማ ይጠቕሱ።

እታ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይና ተባሂላ እትኽሰስ ኤርትራ፡ ውሽጣዊ ፖለቲካ ገለ ሃገራት ንምፍታሕ ተበግሶታት ክትወስድ ትረአ'ያ። ቅድሚ 15 ዓመት ኣቢሉ ንዝተፈላለዩ ሓይልታት ሶማልያ ንምሕባር ዘካየደቶ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ኣብ ዙርያ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጐ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ፡ ኤርትራ ፈተነታት ገይራ ምንባራ'ውን ይግለጽ። እንተዀነ፡ ዋላ'ኳ ብውሽጣዊ ፖለቲካውን ዞባውን ወጥሪ ተዓብሊሉ እንተሎ፡ እቲ ምስሕሓብ ማዕልቦ ኣይተገብረሉን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ነቲ ዛጊት መፍትሒ ዘይተረኽቦ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ሓድሽ ተበግሶ ከም ዝወሰደት ኣፍሊጣ'ላ።

ብዙሓት ተንተንቲ፡ ንባዕሉ ደሞክራሲ ዝተሓሰመን ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዘየፍቅድን መንግስቲ፡ ንሱዳን ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዝህልዎ ተራ ድሩት ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።

ስደትን ወርደትን

እቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኻየደ ኲናት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ዘኸተለን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን ናብ ስደት ከምርሑ ዝገበረን ምንባሩ ታሪኽ ሰኒድዎ'ሎ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ሰላም ሰፊኑ ዘመነ ራህዋ ተራሕዩ ብዝብል እምነት፡ ኣብ ፈለማ 7 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ብእኩብን ብውልቅን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ጀሚሮም ነይሮም።

ኣብ ታሕሳስ 2002 ድማ፡ ሓርነታዊ ኲናት ስለዘብቀዐን፡ እቲ 'ግዝያዊ' ምፍንቓል ፈጢሩ ዝነበረ ዶባዊ ኲናት ብስምምዕ ሰላም ብምህድኡን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር) ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዊጅዎ ዝነበረ ሓፈሻዊ ዑቕባ ከምዘብቅዐ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, OPEN ARMS / REUTERS

እንተኾነ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝቐጸለ ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ሓድሽ ማዕበል ስደተኛታት ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ክንዮኡን ክውሕዙ ብምጅማሮም፡ ኣብ 2009 እቲ ትካል ነቲ ናይ 2002 ውሳነኡ ዝስርዝ ሓድሽ መምርሒታት ዑቕባ ኤርትራውያን ኣውጺኡ።

እታ ውሑድ ቁጽሪ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ፡ ኣብ ዝቐጸላ ዓመታት ካብተን ብዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ዓለም ኰነት።

ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ፡ ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ብምህዳም ተሰዲዶም ይርከቡ።

ጕዕዞ ስደቶም ግን ነዊሕን ብዙሕ ሓደጋታት ዝመልኦ ምዃኑ እቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ዛንታ'ዩ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብኦም፡ ብዘሕዝን ኵነታት ኣብ ጕዕዞ፡ ኣብ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ተሪፎም እዮም።

ዘስካሕክሕ ዛንታ ናይቶም ናብ እስራኤል ክሰግሩ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ተጨውዮም፡ ክፍሊ-ኣካላቶም ንምሻጥ ብኣሰጋገርቲ ዝተሓርዱ፣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾኑን ብኣሽሓት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ክኸፍሉ ዝተገደዱን ዝርስዑ ኣይኰኑን።

ምድረበዳ ሰሃራ ዝበልዖም፡ ኣብ መዳጐኒታት ሊብያ ሂወቶም ዝሓለፈ፡ ብዕጡቓት ዳዕሽ ክሳዶም ተቘሪጾም ዝተቐዝፉን፡ ማእከላይ ባሕሪ ዝወሓጦምን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት፡ ናጻ ኤርትራ ክትሓቝፎም ዝይከኣለት ዜጋታት'ዮም።

ንዓለም ዝተንከፈ ልዕሊ 350 ሰባት ዝጠሓልሉ ናይ 2013 'ትራጀዲ' ላምፐዱዛ፣ ኣብ 2011 ኣብ ማእከል እቲ ባሕሪ ዘጋጠመ ህልቂት ኣስታት 400 ከምኡ'ውን ኣብ 2014 ብዘይኣሰር ዝተሰወሩ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቶም በሰላ ገዲፎም ዘለዉ ፍጻመታት'ዮም።

ሞት፡ ስቓይ፡ ጥምየት፡ ሕሰምን እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝሓለፍዎን ዘሕልፍዎን ዘለው ኵነታት'ውን ንኵነተ-ህላወ ኤርትራ ዘቃልዕ'ዩ።

ኣብ ሱዳን፡ ኣብ መዓስከራትን ከተማታትን ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን'ውን ካብ ስቓይን ውርደትን ኣይደሓኑን።

ብዙሓት ካብቶም ነቲ ሓደጋታት ሓሊፎም ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝበጽሑ'ውን እንተዀኑ፡ ኵሉ ከምቲ ዝተጸበይዎ ብሰንኪ ዘይምዃኑ'ውን ኣብ ጸቕጢ፡ ቅዛነትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ዝወደቑ ከምዘለዉ ቀጻሊ ተርእዮ እዩ።

እቲ ዋሕዚ፡ እታ ሃገር ዝርካቡ ሃብቲ ብምጥፋእ ዘምሃረቶ ዓቕሚ-ሰብ ክዝቈቕቕ ዝገበረ ምዃኑ'ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ክሳራታት ናይ ዝሓለፈ 31 ዓመት'ዩ ክብሃል ይከኣል።

ሰብመዚ መንግስቲ፡ ትካላት ስለያ ምዕራባውያን ሃገራትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን "ህዝቢ ናይ ምጉሕጓሕ" ፖሊሲ ብምኽታል ንዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ከምዘተባብዑ'ዮም ዝኸሱ።

እዚ ግን፡ ምስቲ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተላኦ ዕድል ዑቕባ ናይ ምጽባብ ፖሊሲታተን ዝሳነ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ስምምዕ ምፍራማን፡ ኤርትራ ነቲ ስጕምቲ ምዃናን'ውን ነቲ ምጕት ተገራጫዊ ይገብሮ።

ሰባዊ መሰላትን ፖለቲካዊን ምዕባለን

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 31 ዓመታት ከቢድ ምግሃስ መሰላት ከምዝፈጸመ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።

ካብ ፈለማ ናጽነት ጀሚሩ፡ ብዙሓት ውልቀሰባት ብዘይ ዝዀነ መስርሕ ፍርዲ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዶም፡ ተሰዊሮም ሃለዋቶም ጠፊኡ'ዩ።

ካብ ጽባሕ ዓመታት ናጽነት ኣትሒዙ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ፡ ካብ ሱዳን'ውን ከይተርፈ ተጨውዮም ደሃዮም ክሳብ ሎሚ ዘይፍለጥ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና ከም ዘለው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተገሊጹ እዩ።

ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ ስብሓት ኤፍረምን መስፍን ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላያ መስፍን ሓጎስ

ሰብመዚ ኤርትራ፡ ዳርጋ ንዅለን ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ብምእጋድ፡ ንመራሕተን ብዘይፍርዲ ኣሲሮምን ንኣባላተን ከሳድዱ ጸኒሖም እዮም።

ብዘይ ፍርዲ ዝተረሸኑ ከምዘለዉ'ውን ተሓለቕቲ ይኸሱ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ንመሰል እምነት ዜጋታት ብምጽባእ፡ ዳርጋ ኣንጻር ኵለን ሃይማኖታትን መራሕተንን ዝተፈላለየ ስጕምቲ ክወስዱ ጸኒሖም እዮም።

ሰበስልጣን ኤርትራ ግን እቲ ስጕምቲ ሃገራዊ ድሕነት ንምክልኻል ከምዝገብርዎ'ዮም ዝምጕቱ።

ብዘይካኡ፡ ጕዳይ ምእሳርን ምስዋርን ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛትን'ውን ኣዛራቢ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ "ኤርትራ፡ ዛጊት ነቲ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ሰባዊ መሰላት ዝሕለወሉ ትካላውን ሕጋውን መሰረት ኣየንበረትን" ክብል ንኵነታት ኤርትራ ገሊጽዎ ነይሩ።

ቅዋም፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ዘይምህላዎም፡ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ከም ዘየለ ዘርኢ ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ጠቒሱ።

ኣብ ኣሜሪካ 'ይኣክል' እናበሉ ንሰልፊ ዝወጽኡ ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ, Girmay Andom

ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ 2015 "ከይተኣወጀ ዝሞተ'ዩ" ዝበሎ ናይ 1997 ቅዋም ዝትክእ ሓድሽ ቅዋም ክንደፍ ምዃኑ ኣብ መዓልቲ ናጽነት 2014 ብወግዒ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ይዅን እምበር ክሳብ ሎሚ ዝዀነ ዝተነድፈ ቅዋም ይዅን ዝተጀመረ መስርሕ ምንዳፍ የለን።

ኣብ 1993: ኣብ ድሮ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝምስረት ከገልግል ዝቘመ ብኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝተዓብለለ ሃገራዊ ባይቶ'ውን እንተዀነ ካብ ፈለማ 2002 ጀሚሩ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ፈሪሱ ይርከብ።

እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት'ውን እንተዀነ፡ ወግዓዊ ኣኼባታት ምክያድ ካብ ዝገድፎ ዓመታት ኣቚጺሩ'ሎ።

ኣብ ጥቅምቲ 2021 ንካልኣይ ግዜ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኰይና ዝተመረጸት ኤርትራ፡ ክሳዕ 2024 ኣባል እቲ ባይቶ ኮይና ከተገልግል እያ።

ብሓፈሻኡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ብዘይ ዝዀነ ሃገራዊ ምርጫ ይመርሓ'ሎ።