ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ውድድር ጌንት-ዌቨልገም ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጌንት-ዌቨልገም ብምዕዋቱ ታሪኽ ሰሪሑ። ንሱ ኣብቲ ካብ 1934 ጀሚሩ ዓመታዊ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ክላሲካዊ ቅድድም ብሽክለታ ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ወዲ 21 ዓመት ተቐዳዳማይ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ክትኣምኖ ዘጸግም፡ ዘደንቕ እዩ። ከምዚ ኣይተጸበኹን" ኢሉ።
ክሳዕ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ውድድር ናይ ምስታፍ ውጥን ከም ዘይነበሮም ዝገለጸ ቢንያም "ደሓን ዝኾነ ውጽኢት ንምርካብ ኢና መጺና። ክትኣምኖ ዘጸግም ዘድነቕ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ቢንያምን ካልኦት ሰለስተ ተቐዳደምትን ኣብተን ናይ መወዳእታ 30 ኪሜ ካብ ዓባይ ጉጅለ ፈንጢሶም ድሕሪ ምውጻእ ናይ መዛዘሚ ህንጻጽ ንምርጋጽ 250 ሜተር ምስተረፎም ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር (ቮላታ) ኣካዪዶም።
ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት ዝኾነ ቢንያም፡ "እዚ ኣብ መጻኢ፡ ብፍላይ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ፡ ብዙሕ ነገር ክቕይር እዩ" ኢሉ።
እቲ ገለ ክፋሉ ኣብ ዘይምቹእ ጽርግያ (ኮብል) ዝካየድ 248.8 ኪሜ ዝሸፍን ቅድድም ጌንት-ዌቨልገም፡ ብዙሕ ግዜ ከም መማሞቒ ሰብነት ናይእቲ ዝዓበየ ቅድድም ብሽክለታ ቤልጅዩም ዝኾነን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝኻየድን ዙር ፍላንደርስ ይርአ።
ንፈለማ እዋን እምኒ ኣብ ዝተሰርሐ ጽርጊያ ዝተወዳደረ ቢንያም "እቲ ኮብል ኣሸጋሪ እዩ፡ ምቹእ ኣይኮነን" ክብል ርእይቶኡ ኣካፊሉ።
"ናብቲ ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ቀረብና፡ እቶም ካልኦት ክሕይሉኒ ምዃኖም ፈሊጠ ነይረ፤ ግና ትብዓት ተሰሚዑኒ" ኢሉ።
ቢንያም ኣብ ዙር ፍላንደርስ ኣይክሳተፍን እዩ።
ቢንያም ኣብ ሕዳር 2021 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርጊያ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ብትሕቲ-23 ዓመት ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው፡ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ናብ መድረኽ ደዪቡ እዩ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ቻምፕዮና ዓለም ኢጣልያዊት ተቐዳዳሚት ጋንታ ትሬክ ሰጋፍሬዶ ኤሊሳ ባልሳሞ ተዓዊታ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







