ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ'ውን መዳልያታት ተሸሊማ

ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ቀዳማይን ካልደአይን ዝወጽኡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዩናስ ተኪአን ኣብ ምዕዳል ሽልማት

ምንጪ ስእሊ, Nakfa press

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ቀዳማይን ካልደአይን ዝወጽኡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዩናስ ተኪአን ኣብ ምዕዳል ሽልማት

እታ ትማሊ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታት ዝረኸበት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክሌታ ኤርትራ ኣብቲ ሎሚ ንካልኣይ መዓልቲ ዝተኻየደ ውድድር ቻምፕዮን ቅድድም ኣፍሪቃ 2022 እውን ፡ ሓንቲ ወርቂ፡ 3 ብሩርን 2 ነሓስነ መዳልያታት ተዓዊታ።

ኣብቲ 44.4 ኪሜ ዝሸፈነ ናይ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣንጻባራቒ ብቕዓት ዘርኣየ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2021 ዳዊት የማነን'ዮም ንኤርትራ ወኪሎማ።

ኣብዚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጋስታቭ ባሶን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ: ሓደ ሞሮካዊ ኸኣ ሳልሰይ ወጺኦም።

ኣብዚ ውድድር'ዚ ሞሮኮ: ርዋንዳ፣ ሞሪሽየስ፣ ቡርኪናፋሶ፣ በኒን፣ ኡጋንዳ፣ ቱኒዝያ፣ ማሊ፣ ቦትስዋና ከምኡ'ውን እታ ብነጋሲ ኣብረሃ ዝተወከለት ኢትዮጵያ ተሳቲፈን።

ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010፣ 2011፣ 2012፣ ከምኡ'ውን 2013 ኣከታቲሉ ንኣርባዕተ ዓመታት ተዓዊቱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ: ኣብ 2015 ኢትዮጵያዊ ግርማ ጽጋቡ፡ ኣብ 2017 ሜሮን ተሾመ፡ ኣብ 2018 ኸኣ መኽሰብ ደበሳይ ተዓዊቶም ነይሮም።

ኣብቲ 29.4 ኪሜ ዝሸፈነ ናይ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ: ኤርትራ ብኣድያም ዳዊትን ዳናይት ፍጹምን ክትውከል እንከላ ኢትዮጵያ ኸኣ ብሃና ኣበየን ሰብረወርቅ ኣያልን ተወኪላ።

ሃገራውያን ጋንታታት ኣልጀርያ፣ ግብጺ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካሜሮን፣ ኣይቮሪኮስትን ሞሪሽየስን'ውን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፈን ኣለዋ።

ኣብ ናይ ኢሊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣልጀርያዊት ነስሪን ሃዋይ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ግብጻዊት ሳይዳን ኣሕመድ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጆንከር ቢግን ካልኣይን ሳልሰይትን ብምዃን ተኸታቲለን ወዲአን።

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኤርትራዊት ዳናይት ዳዊት ብሩር ኣድያም ዳዊት ነሓስ መዳልያ ክሽለማ እንከለዋ ኣልጀርያዊት ነስሪን ሃዋይ ቀዳማይቲ ወጺኣ።

ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዩ 29.4 ኪሜ ዝሽፈነ ኮይኑ፡ ኤርትራ ንዮናስ ተኪኤን ኣክሊሉ ኣረፋይነን ከተሰልፍ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብመንግዲ ሶሎሞን ሞክርያን ድጋጋ ጃኖን ተወኪላ።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Gebretnsae Damr

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግብጺ

ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዩናስ ተኪአን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ውድድሮም ብምዝዛም ተሸልምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ኮይኖም።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፍራንኮይስ ሃፍመይር ኸኣ ሳልሳይ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ወድድር እዚ ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣልጀርያ፣ ግብጺ፣ ኡጋንዳ፣ ናይጀርያ፣ ቱኒዝያ፣ ቡሩንድን ሞሮኮን እየን ተወዳዲረን።

ኣብ ናይ ጁኔር ደቂ ኣንስትዮ: ኤርትራ ንራሄል ዘርእሰናይን ሳሮን ተኪኤን ከተሰልፍ እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኸኣ ከኖ ደሲሳን ጽገ ይገዙን ኣሰሊፋ።

ኣብዚ 14.4 ኪሜ ዝሽፍን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኤርትራ፡ ግብጺን ሞሮኮን ከክልተ ተቐዳደምቲ ከሰልፋ እንከለዋ፡ ቡርኪናደፋሶ፣ ደቡብ ኣፍሪ፣ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳን ቡሩንድን ሓሓንቲ ተቐዳዳምቲ ኣሰልፊን።

ሳሮን ተኪኤ ኸኣ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ንነብሳን ንሃገራት ነሓስ መዳልያ ኣግዚማ።

ኣብዚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊት ካይቲሊን ቶምሶንን ሞሮካዊት ራጃ ቻኪርን ቀዳመይትን ካልኣይትን ብምውጻእ ተሸለምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ኮይነን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ንብምልኡ ተዳልዩ ዝነበረ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ ከምዝወነነቶ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ጋንታ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተባዕትዮ ንደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን ኣኸቲላ ቀዳማይቲ ኮይና።

ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ተባዕትዮ'ውን ንሞሪሸይስን ግብጽን ኣኸቲላ ትመርሕ ኣላ።

ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዩ ንኣልጀርያን ግብጽን ኣኸቲላ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ ኣብ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ንሞሮኮን ግብጽን ኣኸቲላ ቀዳማይቲ ብምዃን እያ ውድድራ ዛዚማ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ 5 ወርቂ፣ 3 ብሩር 2 ነሓስ ብምርካብ ነቲ ውድድር ብመሪሕነት ትቕልሶ ኣላ።

ኣብዚ ዝስዕብ ሰለስተ መዓልታት ዝህሉ ቅድድማት፤

  • ዓርቢ 25 መጋቢት ብ'ሚክስድ ሪላይ' ዝጽዋዕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እናተቐባበሉ ዘካይድዊ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር
  • ቀዳም 26 መጋቢት ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ጽርግያ ውድድር
  • ሰንበት 27 መጋቢት ናይ ኤሊትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ክልቲኡ ጾታ ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየዱ እዮም።